እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣጸየፍቲ ቪድዮታት ዝተዘርገሖ ባልታዛር ተፈሪዱ
ንፕረዚደንት ኢኳቶሪርያል ጊኒ ቴድሮ ኣብያንጋ ንጉማ ናይ ቀረባ ዘመዱ ዝዀነ ባልታዛር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ጽዩፋት ቪድዮታት ዝተሓሓዝ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኰይኑ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣጄንሲ ሃገራዊ ፋይናንስ ዝነበረ ባልታዛር ገንዘብ መንግስቲ ናብ ውልቃዊ መዓላ ኣውዒልካ ተባሂሉ'ዩ ብቤት ፍርዲ ን8 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ ዘሎ።
እዚ ኣዝዩ ፍቱውን ምልኩዕን ምዃኑ ዝንገር ባልታዛር፡ ካብ ጽባቐኡ ዝተላዓለ 'ቤሎ' ዝብል ሳጓ ኣለዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ባልታዛር ምስ ዝተፈላለያ ደቀንስትዮ ጾታዊ ርክብ እናኣካየደ እንከሎ ዘርኢ ዝወጽአ ብዙሕ ቪድዮታት ከኣ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኰይኑ ነይሩ'ዩ።
መብዛሕትአን እተን መስኡ ጾታዊ ርክብ እናፈጸማ ዝርኣያ ደቀንስትዮ ከኣ ሰብ ሓዳርን ናይ ቀረባ ኣዝማድ ናይቶም ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ናይታ ሃገር'የን።
እቲ ቪድዮታት ባልታዛር ብምጥፍፋእ ሰልዲ ተኸሲሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ'ዩ ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሑ።
ባልታዛር ገንዘብ መንግስቲ ኣብ ደሴታት ካይማን ኣብ ዝርከብ ናይ ውልቂ ሕሳቡ የሰጋግሮ ነይሩ ዝብል ክሲ'ዩ ቀሪብሉ።
ንሱ ምስ ካልኦት ሓሙሽተ ሰበስልጣን እታ ሃገር ንኣበል እናበሉ ካብ 9 ክሳብ 220 ሽሕ ዶላር ናብ ውልቂ ሕሳቦም ኣሰጋጊሮም ተባሂሎም'ዮም ብይን ተዋሂብዎም ዘሎ።
ባልታዛር ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ'ዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ባልታዛር ሓደ ካብቶም ነታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ሃገር ክመርሕዋ ይኽእሉ'ዮም ዝብሃሉ ልሉያት ሰባት'ዩ ነይሩ።
እቲ ነታ ሃገር ላብ 1979 ጀሚሩ ዝመርሓ ዘሎ ቴድሮ ኣብያንጋ ንጉማ፡ ንወዱ ምክትሉ ገይሩ ስልጣኑ ኣብ ምቕጻል ይርከብ፡ ባልታዛር ከኣ ሓደ ካብቶም ተካእቱ ክኸውን ከምዝኽእል'ዩ ግምታት ነይሩ።
ሕጂ ግን ባልታዛር ኣብቲ ብዙሓት ተቓወምቲ መንግስቲ ዝእሰርሉ ኣብ ርእሰ ከተማ ማላቦ ዝርከብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ኣሎ።
ባልታዛር ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ፡ ሞባይሉን ኮምፒተራቱን ኣረኪቡ ምስ ተኣሰረ'ዩ ድሕሪ ሒደት መዓልታት እቲ ምስ ዝተፈላለያ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ርክብ እናፈጸመ እንከሎ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ።
እቲ ቪድዮታት ኣብ ናይ ዋትኣፕ ቻነላትን ተሌግራምን'ዩ ብሓንሳብ ተላቢዑ፣ ሓቅነት ናይቲ ቪድዮታት ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተረጋገጸን።
ምናልባት ዝናን መጻእን ባልታዛር ንምጽላምን ንምቕሃምን ተባሂሉ ዝተገበረ ክኸውን ከምዝኽእል ጥርጣረታት ኣሎ።
ባልታዛር ብዘይካ እቲ ናይ ማእሰርቲ ብይን ብገንዘብ'ውን 220 ሽሕ ክዓዲ ከምዝተበየነሉ ዳይረክተር ፕረስ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ሂላሪ ሚቶጎ ምግላጹ ኤኤፍፒ ጠቒሱ።