ኣመሪካ፡ ፍልስጤማውያን ኣብ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ከይሳተፉ ንምንታይ ቪዛ ኣይህብን ኢላ?

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣመሪካ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ክሳተፉ ንዝደልዩ ሰበስልጣን ፍልስጤም ቪዛ ክትክልክሎም ምዃና ገሊጻ።

ጸሓፊ ጉዳት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ፡ እቲ ብሓደ ወገን ዝግበር "ንሓንቲ ግምታዊት ሃገር ፍልስጤም፡" ኣፍልጦ ምሃብ ንጻዕርታት ሰላም ዘዳኽም እዩ ክብል ወቒሱዎ።

እዚ ቪዛ ናይ ምኽልካል ውሳነ ዘይተለምደ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ዋና ቤትጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ተደኲንሉ ዘላ ሃገር ከም ምዃና መጠን፡ ካብ ኵለን ሃገራት ንዝመጽኡ ሰበስልጣን ክትተሓባበር እዩ ትጽቢት ዝግበር።

እዚ እገዳ ዝመጽእ ዘሎ፡ ሃገርነት ፍልስጤም ኣፍልጦ ንምሃብ ብፈረንሳ እናተመርሐ ኣህጉራዊ ጻዕርታት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን እዩ። ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ነዚ እስራኤል ትቃወሞ ዘላ ውሳነ ደጊፉዎ'ሎ።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፡ ነቲ 'ፍታሕ ምቛም ክልተ ሃገራት' ዝብል ሓሳብ ብተደጋጋሚ ነጺጉዎ'ዩ። እዚ ኣገባብ'ዚ ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን ቓዛን ኣብ ጐድኒ እስራኤል ናጻ ሃገር ፍልስጤም ዝፈጥር ኰይኑ፡ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ርእሰ ከተማኣ ክትከውን እያ።

ናታንያሁ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብ፡ "ንኣሰቃቒ ግብረሽበራ ሓማስ" ሽልማት ምዃኑ ይገልጽ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ ወፍሪ ዝጀመረ፡ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ንደቡባዊ እስራኤል ድሕሪ ምጥቃዑ'ዩ። ኣስታት 1,200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 63,000 ሰባት ከም ዝሞቱ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

ሓማስ ንቓዛ ንዓመታት ከመሓድር እንከሎ፡ መወዳድርቱ ፋታሕ ድማ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ይመርሕ።

ክልቴኦም ምምሕዳራት ብፕረዚደንት ማሕሙድ ዓባስ ዝምራሕ ብዓልመዚ ፍልስጤም (PA) ክመሓደሩ እዩ ዝግባእ።

ማሕሙድ ዓባስ ነቲ ንፍልስጤማውያን ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ዝውክል ውድብ ሓርነት ፍልስጤም (PLO) እውን ይመርሕ። ውድብ ሓርነት ፍልስጤም ካብ 1974 ጀሚሩ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ተዓዛቢ ደረጃ ኣለዎ። ኣብ ኣኼባታት ክሳተፍ ይኽእል እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ውሳነታት ድምጺ ክህብ ግን ኣይክእልን።

ሩቢዮ ኣብቲ ብዓርቢ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ውድብ ሓርነት ፍልስጤምን ብበዓልመዚ ፍልስጤምን ከም መሻርኽቲ ሰላም ኰይኖም ቅድሚ ምቝጻሮም፡ ንግብረሽበራ ብንጹር ክነጽጉ ኣለዎም - ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ሓዊስካ - ከምኡ'ውን ከምቲ ሕጊ ኣመሪካ ዝጠልቦን ከምቲ ውድብ ሓርነት ፍልስጤም ዝኣተዎ ቃልን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ግብረሽበራ ምምሃርን ምትብባዕን ከቋርጹ ኣለዎም፡" ኢሉ።

ንእስራኤል ናብ ኣህጉራዊ ኣብያተ ፍርዲ ብምውሳድ ዘተ ንምሕላፍ ዝግበር ጻዕሪ እውን ደው ከብሉ ኣለዎም ኢሉ።

ሩቢዮ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከቡ ወከልቲ ፍልስጤም ብመሰረት ስምምዕ ቤትጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፉ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ። እቲ ሰነድ ስምምዕ፡ ሕቡራት ኣብ ኣመሪካ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ዝገልጽ እዩ።

ኣመሪካ ቪዛ ንምኽልካል ወይ ንምስራዝ ዝወሰደቶ ስጕምቲ፡ ነቲ ሰበስልጣን ወጻኢ ሃገራት "ርክብ መንግስቶምን ኣመሪካን ብዘየገድስ" ኣብ ኒውዮርክ ክሳተፉ ከም ዝኽእሉ ዝገልጽ ሰነድ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ንጹር ኣይኰነን።

ብዘይካ ፈረንሳ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካናዳን ኣውስትራልያን እውን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ንምሃብ መደብ ከም ዘለወን ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ሃገረ ፍልስጤም ካብተን 193 ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ብ147 ኣፍልጦ ረኺባ ኣላ።

እንተዀነ፡ ዝተሰማምዕሉ ዶባት ስለ ዘየሎ እስራኤላውያን ሰፋሮ ብኣንጻር ኣህጉራዊ ሕጊ ንዝዓበየ ክፋል ምዕራባዊ ገማግም ተቘጻጺሮሞ ኣለዉ። ኣብ ቓዛ ከምኡ ክግበር እውን ይጽውዑ። ስለዝዀነ፡ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብ ኣብ ባይታ ብዙሕ ዝቕይሮ የሎን።