መቐለ፡ ፖሊስ 'ብመጥቃዕቲ ቦምባ' ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣሲሩ

መቐለ
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ከተማ መቐለ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ውልቀሰብ ዘነፃፀረ "መጥቃዕቲ ቦምባ ፈጺሞም" ኢሉ ዝጠርጠሮም ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ፡ ፖሊስ እታ ከተማ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብዛዕባ'ቲ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝምልከት ዝተፈላለየ ርእይቶታት ክወሃብ ዝቐነየ ኰይኑ፡ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዛ ብርሃነ ገብረገርግስ ዝተባህለ ነጣፊ ማሕበራዊ ሜድያ ከምዝተፈጸመ ፖሊስ ገሊፁ'ሎ።

እቲ ፍጻመ ኣብ ክፍለከተማ ሓድነት፡ ጥቓ ሆቴል ዱር ኣምባ፡ ዝተኻየደ ምዃኑ'ውን ወኪል ቢቢሲ ካብታ ከተማ ኣረጋጊጹ።

ብኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት 1:40 ምሸት (ማለት ንሰዓት ሸሞንተ ዕስራ ጐደል) ከም ዝተፈጸመ ዝተገልፀ ዀይኑ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ እዋን ብርሃነ ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዝኡ ከምዝነበረ እውን ፖሊስ ጠቒሱ።

እቲ ቅድም ክብል 'ልፍዓተይ ተስፋ' ከምኡ'ውን ኣብ ቀረባ እዋን፡ 'ሰብ ዝሰኣነ ሰብ' ብዝብል ኣስማት ማሕበራዊ ሜድያ ዝፍለጥ ነጣፊ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ማሕበራዊ ሜድያ ቀሪቡ ብዝህቦ ርእይቶታት ኣካታዓይ ኰይኑ ዝጸንሐ ሰብ እዩ።

ፖሊስ፡ ነቲ ጉዳይ ኣብ ምምርማር ከም ዝርከብ ብምግላጽ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ'ሎ።

ብርሃነ: ፖሊስ ምርመራ ኣፃፊፉ ቅድሚ ምውድኡ ቃለመሕትት እንተዘይህብ ከምዝምረፅ ብፖሊስ ንዝተወሃቦ ሓበሬታ ተደሪኹ መብርሂ ካብ ምሃብ ከምዝተቖጠበ ንቢቢሲ ገሊፁ እዩ::

ቢቢሲ ካብ ምስክር ዓይኒ ዝረኸቦ ተወሳኺ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ግን፡ እቲ መጥቃዕቲ፡ እቲ ውልቀሰብ ናብ ገዝኡ ምስ ኣተወ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ እዩ ተፈፂሙ።

ብርሃነ ገብረገርግስ

ምንጪ ስእሊ, BG

ብደገ ገፅ ዝተተኮሰ ሸውዓተ ጠያይቲ ሽጉጥ ኣብቲ ካብ ላሜራ ዝተሰርሐ ማዕፆን ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛ ድማ ኣብ መንደቕን ኣብ ጥስትን ይረአ።

እታ ዝተወቐዐት ክፍሊ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ብርሃነ ዝኣትወላን ዝወፀላን ዝነበረት ምዃና እውን እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ህወሓት ንዝተፈጠረ ምክፍፋል ስዒቡ፡ ኣብታ ክልል ፖለቲካዊን ፀጥታውን ስግኣታት ተፈጢሩ ከምዘሎ ይግለጽ።

ብዛይካ'ዚ ኣብ መንጐ'ቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ስቱር ዝምድናታት ይካየድ ከምዘሎ ብሰፊሑ ክግለጽ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ብርሃነ ነቲ ዝምድና ዝምልከት መርገጺኡ ዘንጸባርቕ ተደጋጋሚ ቃለመጠይቓት ከካይድ ተሰሚዑ እዩ።