ሓይልታት ትግራይ ተቘጻጺሮምዎ ኣብ ዝነበሩ ራያ ቆቦ እንታይ’ዩ ተፈጺሙ?

ካርታ
Published

ኣብ መፋርቕ ነሓሰ ዳግማይ ዝተላዕለ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምውልዑ፡ ሓይልታት ትግራይ ንኻልኣይ ግዜ ተቘጻጺሮምዎ ኣብ ዝነበሩ ሰሜን ወሎ፡ ኢደወነናዊ ቅትለትን ምግሃስ መሰላትን ከምዘካየዱ ነበርቲ ገሊጾም።

እቶም ነበርቲ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ወረዳ ራያ ቆቦ እትርከብ ከተማ ቆቦ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ዕጡቓት ቅትለት፡ ዓመጽ፡ ስቓይን ዝምታን ከምዝፈጸሙ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ሓይልታት ትግራይ ናብታ ከተማ ኣትዮም ንብረት ናይቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ምልሻታት ብዘምጽኡወን መካይን ጽዒኖም ከም ዝወሰዱ ዝሕብር ሓደ ነባሪ፡ "ብዙሓት ሰባት ቀቲሎም፤ ደቂ ኣባላት ምልሻ እየን ዝበሉወን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ጫካ ወሲዶም ዓሚጾምወን፡" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ውልቀሰብ፡ ኣብ ራያ ቆቦ ኣብ ሕርሻ ተዋፊሩ ዝነበረ ሓዉ፡ ካብቲ ኣብቲ ከባቢ ዳግማይ ዝተወለዐ ኲናት እናሃደመ እንከሎ ብዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ከምዝተቐትለ ይዛረብ።

“ዓቢ ሓወይን ዓርኩን ኣብ ወሰን ጽርግያ ቀቲሎምዎ፤ ከምዝተቐትሉ፡ ካብቶም ሬሳኦም ዝቐበሩ ሰባት ኢና ሰሚዕና።"

ምስ ክልል ትግራይ ዝዳወብ ከባቢ ራያ ቆቦ ሓደ ካብቶም ሓያል ኲናት ዝተኻየደሎም ከባቢታት እዩ።

ካብ 18 ነሓሰ 2014 [ግእዝ] ጀሚሩ ኣብዚ ግንባር ከቢድ ውግእ ከምዝተኻየደ ነበርቲ ይዛረቡ። በቲ ዝተኻየደ ኲናት ሓይልታት ትግራይ ዝበዝሕ ከባቢ ራያ ቆቦ ተቘጻጺሮም ጸኒሖም’ዮም።

እቲ ኲናት ሕጂ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እናተኻየደ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ሓይልታት ትግራይ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ካብ ቆቦ ወጺኦም’ኳ እንተዀኑ፡ ኣብታ ከተማን ኣብ ነበርታን ግን ጉድኣት ከምዘውረዱ እቶም ነበርቲ ይኸሱ።

ቢቢሲ ካብ ነበርትን ካልኦት ምምሕዳራትን እቲ ከባቢ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።

ካብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ክልል ትግራይ ዝኾነ ክንዲያ ገ/ህይወት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ቆበ ዝተፈጺሙ ዝተባህለ ቅትለትን ዓመጽን ከምዘይተፈጸመ ብምግላጽ ነጺግዎ።

እቲ ከምዚ ዓይነት ጉዳያት ድማ ዓለምለኻዊ ትካላት ተጣይሸን ኩሎም ገበናት ክጻረዩ ሓቲቱ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኩሎም ወገናት ብምግሃስ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተኻየደ ሓበራዊ ምርመራ ገበናት ኲናት ከምዘጋጠመ መርትዖ ከምዘለዎም ገሊጾም ነይሮም።

 ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ስቅያት፡ ምዕማጽን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ተሰኒዱ ይርከብ።

ቅትለት ሰላማውያን ሰባት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ከተማ ቆቦ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ክትኣቱ ንኻልኣይ ግዜ ስለዝነበረ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብታ ከተማ ክጸንሑ ክውስኑ እንከለዉ ዝተወሰኑ ድማ ናብ ካልእ ከባቢታት ሃዲሞም ነይሮም።

ኣለሙ ተሰማ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ብ 21 ነሓሰ 2014 [ግእዝ] ካብ ቆቦ ንደቡብ 17 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ሮቢት ኣብ ዝተቘጻጸርሉ እዋን ኣብ ሮቢት ከምዝነበረ ይገልጽ።

“ቀዳም 21 ነሓሰ ንሮቢት ድሕሪ ምቍጽጻሮም ብዙሓት ሰባት ቀቲሎም።ንመብዛሕትና ኣሳቕዮምና። ብፍላይ ደቂ ተባዕትዮ ኣኪቦም ኣብ ሜዳ ንነዊሕ እዋን ኣንበርኪኾም ምስ ኣጽንሑና፡ ድሕሪኡ ፈቲሖምና" ኢሉ።

ቀትሪ’ኳ እንተፈትሕዎ፡ "ለይቲ መጺኦም መሊሶም ህይወተይ ኣብ ሓደጋ ኣእትዮማ" ክብል ነታ መዓልቲ ይዝክር።

“ለይቲ 4፡30 [ኣቈጻጽራ ሰዓት ኢትዮጵያ ወይ 10፡30 ለይቲ] ገዛይ ኳሕኲሖም። ክቐትሉኒ ከም ዝመጹ ስለ ዝተረዳእኩ፡ ብመስኮት ዘሊለ ሃዲመ። ካብኡ ድማ ብጫካን ገደልን ገይረ ምሉእ ለይቲ ተጓዒዘ ወልድያ ኣትየ።”

"ኣብ ሮቢት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ብዙሓት መሓዙተይን ሰላማውያን ነበርቲን ካብ ገዛኦም ተተጐቲቶም ብሓይልታት ትግራይ ተቐቲሎም፡" ይብል።

ንሱ፡ ተቐቲሎም ክብል ብስም ዝጸውዖም ሰባት ኣብ ምልሻ ይዅን ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘይተሳተፉ ሲቪላት ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ዕጡቓት ቅድሚ ሮቢት ምእታዎም "ዝወግኣና ሲቪል፣ ስለዚ ሲቪል ክውቃዕ ኣለዎ" ብዝብል ሕነ ንምፍዳይ ከም ዝቐተልዎም ይገልጽ።

ኣብታ ካብ ሮቢት ብዙሕ ዘይትርሕቕ ንእሽቶ ከተማ ኣራዱም’ውን ሰላማውያን ነበርቲን ብቐረባ ዝፈልጦም መሓዙቱን ዝርከብዎም ልዕሊ 15 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይሕብር።

ሓይልታት ትግራይ ንከባቢ ራያ ቆቦ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ብፍላይ ንደቂ ተባዕትዮ ዒላማ ዝገበረ እዩ ዝተበሃለ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ብዙሓት ነበርቲ ብዝከኣሎም መንገዲ ናብ ዝቐረበ ከተማታት ከምዝሃደሙ ሓንቲ ኣደ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ክልተ ደቃ ናብ ወልድያ ከይዶም ዝነበሩ እታ ኣደ፡ ብሰንኪ’ዚ ኣብቲ ሕርሻ ዝነበረ ዘራእቲ ከም ዝተበላሸውን ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣጸጋሚ ግዜ ከም ዘሕለፉን ተዛሪባ።

ዝምታን ምሕዳግ ኣጽዋርን

ኣራጋው ብዝብል ስም ክንጽውዖ ዝሓተተ ነባሪ ከተማ ቆቦ፡ ነቲ ቅትለት "ጭካነ" ብምባል፡ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ምክልባትን ምዝማት ንብረትን ቅሬታኡ ይዛረብ።

"ንህጻናት ብብረት ብምፍርራሕ ናብ ገዛውቲ ዕጡቓት ክመርሕዎም ብምግዳድ የሸበሩና ነይሮም። እቲ ቀንዲ ዝደልይዎ ነገር ኣጽዋርን ገንዘብን'ዩ።"

ኣቶ ኣራጋው፡ "ኣጽዋር ከምዘይብልና ወይ እቲ ኣጽዋር ኣለዎ ዝበሃል ሰብ ኣብቲ ቦታ ከምዘየለ ክንገሮም እንከሎ ይሃርሙን ይቐትሉን፡" ይብል።

ካብዚ ሓሊፉ እቶም ዕጡቓት ናብቲ ገዛ ኣትዮም ኣጽዋር እንተዘይረኺቦም ነቶም የብልናን ዝበሉ ገንዘቦም ከምጽኡ ከምዘገድዱን እቲ ኵነታት የጨንቘም ከምዝነበረን ይገልጽ።

18 ነሓሰ መሊሱ ኲናት ምስ ተላዕለ፡ ካብቶም ብቕጽበት ውግእ ዝጀመረሎም ቀበሌታት እቲ ቀንዲ ራማ ነይሩ። ቢቢሲ ዘዘራራረቦ ነባሪ እቲ ከባቢ ኣበበ [ስሙ ዝተቐየረ]፡ ኣብ ሰባትን ንብረትን ሰፊሕ ዕንወት ከምዝወረደ ገሊጹ።

ኣበበ፡ ኣብ እዋን ኲናት ዝሞቱ ሰባት’ኳ እንተሃለዉ፡ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ከባቢ ምስ ተቘጻጸርዎ፡ ኰነ ኢሎም ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ እዩ ዝሕብር።

"ኣብዚ ቀበሌ ብውሕዱ 20 ዝፈልጦም ሰባት ብጭካነ ተቐቲሎም እዮም። ዕጥቂ ወድኻ ኣምጽእ፡ በዓል ቤትኪ ኣበይ ተሓቢኡ፡ ውላድካ ፋኖ ድዩ? ብዝብል ምኽንያት’ዮም ተቐቲሎም" ይብል።

መብዛሕትኦም እቶም ዝተቐተሉ ሰባት ኣብ ኲናት ዘይተሳተፉን ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድመኦምን ከምዝዀኑ’ውን ሓቢሩ።

"ሰለስተ ኣርባዕተ ግዜ ናብ ገዛ እታ 80 ዓመት ዝዕድመኣ ኣደይ ከይዶም፡ 'ዕጥቂ ወድኺ እንተዘይመጺእኪ ገዛኺ ዓጺና ከነቃጽለኪ ኢና' ምስበልዋ ሓወይ መጺኡ ዕጥቂ ምስ ኣረከበ ኣደይ ተፈቲሓ፡" ይብል ኣበበ።

ንሱ፡ ንብረት ሓረስቶት ካብ ምብላዕን ምዕናውን ሓሊፎም ኣግማሎም’ውን ንጽዕነት ከም ዝወስዱወን ወሲኹ ይገልጽ።

ኣብቲ ቀበሌ ንደቂ 5ን 6ን ዓመት ህጻናትን ኣረጋውያንን ብጠበንጃ ኣገዲዶም፡ ኣባይቲ ምልሻን ዕጡቓትን ክሕብርዎም ይገብሩ።እቶም ዕጡቓት ምስ ረኸብዎም እውን፡ ካልኦት ዕጡቓት ‘ጠቁሙ’ ኢሎም ከም ዝሃርምዎም ንቢቢሲ ገሊጹ።

ካልእ ነባሪ ራያ ቆቦ፡ ብሓይልታት ትግራይ ተቐቲሎም ብዛዕባ ዝተበሃሉ ሰባት ዝዀነ ሓበሬታ ከምዘይብሉ’ኳ እንተገለጸ፡ ኣብቲ ዝነብረሉ ኣብ ሸወይ ማርያም ግን ኣብቲ ኲናት ብዝተተኮሰ ከቢድ ኣጽዋር ኣረጋውያንን ህጻናትን ዝርከብዎም ብውሑዱ 10 ሰባት ምማቶም ከምዝሰምዐ ይዛረብ።

ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ከባቢ ድሕሪ ምቍጽጻሮም "ንብረት ሓረስቶት ከዕንዉ፡ ክወስዱን፡ ክበልዑን" ከምዝጸንሑ እውን ገሊጹ።

ኣብ ገዛ ዝተረኽበ ምስ መግቢ ዝተኣሳሰር ዝዀነ ይኹን ንብረት ካብ ምውሳድ ብተወሳኺ ጥሪት እቶም ሓረስቶት ብሓይሊ ከምዝተመገቡ ይጠቅስ።

ኣብቲ ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ኵሎም ተሳተፍቲ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ሰላማውያን ሰባት ቅትለት፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ከምኡ'ውን ንብረት ምዝማትን ምዕናውን ከምዝፈጸሙ ይኽሰሱ።