ንሓላፊ ኮሚሽን መረጻ ኬንያ ንምቕታል ውዲት ነይሩ - ፕረዚደንት ሩቶ

ሩቶ (የማን) ከም ዝተዓወተ ዝገልጽ ሰነድ ካብ ኣቦመንበር ኮሚሽን መረጻ ዋፉላ ቸቡካቲ እናተረከበ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሩቶ (የማን) ከም ዝተዓወተ ዝገልጽ ሰነድ ካብ ኣቦመንበር ኮሚሽን መረጻ ዋፉላ ቸቡካቲ እናተረከበ
Published

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ውጽኢት ናይቲ ዝሓለፈ ፕረዚደንታዊ መረጻ ቅድሚ ምግላጹ ንሓላፊ ኮሚሽን መረጻ ንምጭዋይን ንምቕታልን ውዲት ከም ዝነበረ ዝገልጹ ክስታት ኣቕሪቡ።

ኣብቲ ኣብ ማእከል ምቑጻር ድምጺ ድራማዊ ኩነታት ኣብ ዝተራእየሉ እዋን፡ ሩቶ 50.5% ድምጺ ብምርካብ፡ ተዓዋቲ ናይቲ ኣብ ነሓሰ 2022 ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ከም ዝኾነ ተኣዊጁ።

ኣብቲ እዋን ኣቦ መንበር ኮሚሽን መረጻ ዋፉላ ቸቡካቲ፡ ዋላ እኳ ምፍርራሕ እንተበጽሖ ግቡኡ ከም ዝፈጸመ ገሊጹ ነይሩ።

ፕረዚደንት ሩቶ፡ ትማሊ ሰሉስ እቲ ንቸቡካቲ ንምጭዋይ ዝተፈጸመ ውዲት ብ"ዝለዓለ" ቤት ጽሕፈት እገዳ ከም ዝተገብረሉ ምግላጹ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።

"ነቲ ኮሚሽን ንምልማስን ወይ ድማ ሓደ ተማእዛዚ ኮሚሽነር ስልጣን ሒዙ ልኡላውነት ህዝቢ ንምግልባጥን ብዝብል ንቸቡካቲ ንምጭዋይን ንምቕታልን ቀጥታዊ ፈተነ ከም ዝነበረ ንፈልጥ ኢና። እቲ እዋን ከቢድ፡ ዘፍርሕን ጽምዋ ዝመልኦን፡ እቲ ምፍርራሕ ኣዝዩ ዘስካሕክሕን እቲ ቃል ዝተኣተወሉ ዓስቢ ልዑልን እቲ ጸቕጢ ዘይሕለልን እዩ ነይሩ” ክብል ሩቶ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ነዚ ዝገለጸ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ቤተመንግስቲ ምስ ኮሚሽናትን ነፃ ኣብያተ ፅሕፈትን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ እዩ።

ኣብቲ መረጻ መወዳድርቲ እቲ ፕረዚደንት ዝነበረ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ፡ ኦዲኤም፡ ነቶም ክሲታት “ጽቡቕ ጥበብ-ባለይ ዘለዎ ሓባራዊ መዝሙር” ክብል ብምልጋጽ ኣነኣኢስዎ'ሎ።

"እቲ ክስታት መርማሪ ኮሚሽን ምስተጣየሸ ናብቲ ኮሚሽን ከቕርቡ ይግባእ።"

ኮሚሽን መረጻ ኬንያ፡ ኣብቲ ውድድር ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ሳሞይ 50.5 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ከም ዝተዓወተ ወግዓዊ ምግባሩ ዝዝከር'ዩ።

ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ዋፉላ ቸቡካቲ ኣብ ዝገለጾ ውጽኢት መረጻ ቀንዲ ተቓናቓኒ ዝነበረ ራይላ ኦዲንጋ ብወገኑ 48.85 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ።

ኦዲንጋ፡ እቲ ብኣቦመንበር ዘይሻራዊ ኮሚሽን መረጻ ኬንያ ዝተገልጸ ኣሃዛት ውጽኢት፡ “ዘይሕጋውን ውዱቕን” ብምባል ነጺግዎ ምንባሩ ይዝከር።

ንሱ፡ መነሓንሕቱ ዊልያም ሩቶ ንስርዓት መረጻ እታ ሃገር ብምጭዋይ ካብ ናቱ ድምጺ ከም ዘጕደለ ከሲሱ።

ኮሚሽን መረጻ ኬንያ ግን ነቲ ክሲ ነጺግዎ።

ኣርባዕተ ካብ ሸውዓተ ኣባላት ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር ነቲ ውጽኢት ከም ዘይቅበልዎ ምግላጾም ዝዝከር ኰይኑ፡ ኮሚሽነር ዋፉላ ቸቡካቲ ግልጺ ከም ዘይነበረ ይኸሱ።

ነዚ ስዒቡ፡ ራይላ ኦዲንጋ ፕረዚደንት ክኸውን ወይ እቲ መረጻ ደጊሙ ክካየድ ምሕታቱ ይዝከር።

ነቲ ጉዳይ ዝመርመረ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ግን፡ ኣብ 5 መስከረም 2022 ኣብቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝተልዓለ ክሲን ክርክርን ዝምልከት ናይ መወዳእታ ውሳነ ሂቡ’ዩ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ከም ምኽትል ፕረዚደንት ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ዊልያም ሩቶ ሳሞይ ተዓዋቲ ምዃኑ ኣጽዲቑ።