እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንደቁ ቀቲሉ ዝተሰወረ ሰብኣይ
ፖሊስ፡ ንሰለስተ ንኣሽቱ ኣዋልድ ደቁ ከም ዝቐተለ ዝኣመኑዎ ሰብኣይ ክሳብ ሕጂ ይእልሹ ኣለዉ።
ወዲ 32 ዓመት ትራቪስ ደከር፡ ንጓል ትሽዓተ፣ ሸሞንተን ሓሙሽተን ዓመት ዝዕድሚአን ኣዋልዱ ብምቕታሉ፡ ብጭውያን ቀዳማይ ደረጃ ቅትለትን ተኸሲሱ ይድለ ከምዘሎ ክፍሊ ፖሊስ ዌናቺ -ግዝኣት ዋሽንግተን ሓቢሩ።
ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ እዚ ደገ ደገ ዘብዝሕ ዝበልዎ ሚስተር ደከር፡ ዘለዎ ወተሃደራዊ ታዕሊሙ ተጠቚሙ ናብ ኣኽራን ወፂኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ኣብ ርሑቕ ክፋል ናይታ ኣኽራናትን ኣግራብን ዝበዝሖ ግዝኣት ተሓቢኡ ከምዘሎን፡ እዚ ድማ ነቲ ምድላይ ኣፀጋሚ ከምዝገብሮን ወሲኹ ሓቢሩ።
ፖሊስ፡ "እንተተፀጊዕኻዮ ርኡይ ሓደጋ ከስዕብ" ከምዝኽእል እንተተገልፀ'ኳ፡ ዛጊድ ሰለምንታይ ከምኡ ከምዝገበረ ዝዀነ ድራኸ ኣይሃበን።
እተን ኣዋልድ - ፔይቲን፣ ኤቨሊንን ኦሊቭያን - ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ርሑቕ መዓስከር ተዓፅየን [ሰኣን ኣየር] ከም ዝሞታ ፖሊስ ገሊጹ።
ኣደ እተን ቈልዑ፡ ሚስተር ደከር፡ ነተን ኣዋልዱ ወሲዱ ናብኣ ክመልሰለን ብዘይምኽኣሉ፡ ካብ 30 ግንቦት ጀሚረን ከም ዝጠፍኣ ሓቢራ።
ቴለፎን እውን ኣየልዕለላን ነይሩ።
ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት፡ ብዕለት 2 ሰነ፡ ፖሊስ ሬሳታት እተን ኣዋልድ ኣብ ጥቓ እቲ መዓስከር ረኺቦም።
ፖሊስ፡ ሞባይል ሚስተር ደከር'ውን ኣብቲ መዓስከር ዝረኸቡ ዀይኖም፡ ንሱ ግን ኣብ'ቲ ከባቢ ኣይነበረን።
እታ ይነብረላ ከምዝነበረ ዝእመነላ ናይ ጽዕነት መኪንኡ እውን ኣብ ጥቓኡ ተረኺባ።
ሓላፊ እቲ ከባቢ ሸሪፍ ሞሪሰን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ዝኾነ ድራኸ ቅቡል ክኸውን ዝኽእል ኣይመስለንን። ከምኡ'ውን ብንጹር ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ክኸውን ኣይኽእልን" ክብል ተዛሪቡ።
ንሱ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንሚስተር ደከር ባዕሉ ኢዱ ክህብ ህዝባዊ ለወባ ኣቕሉሪቡ ኣሎ።
ሚስተር ደከር፡ ኣብ ደገ ናይ ምንባር ልምዱ፡ ካብቶም ንኤፍ.ቢ.ኣይ ዘጠቓለለ ሃደና፡ ኣፀጋሚ ገይሩዎ ክኸውን ከምዝኽእል፡ ሸሪፍ ሞሪሰን ገሊጹ።
ሸሪፍ ሞሪሰን ምስ ስድራቤት ሚስተር ደከር ድሕሪ ምዝርራቡ፡ "ሓደ ሓደ ግዜ ክሳብ ክልተ ወርሕን ፈረቓን ኣብ ደገ ዝነብር ይመስል" ኢሉ።
ሚስተር ደከር ቅድሚ ንደቁ ምቕታሉ ነቲ ከባቢን ኣብኡ ዝሓብኦ ቀረብን ብዙሕ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
"ንነዊሕ እዋን ክነብር ዝኽእል ፍልጠት ኣለዎ" ክብል ድማ ወሲኹ ገሊጹ።
ሸሪፍ ሞሪሰን፡ ንሚስተር ደከር ኢዱ ክህብ ኣብ ዝሓተተሉ እዋን፡ "ነዚ ብሰላማዊ ፍታሕ ንደሊ ኢና፡ እንተዀነ ግን ፃዕርና ክንቅፅል ኢና" ኢሉ።
ኣብ ፃውረዒቱ፡ "ጠቕሊልና ንደቅኻ ዝምጥን ነገር ንግበር" ክብል ድማ ተላብዩ፤
ኣገልግሎት ማርሻልስ ኣመሪካ ትማሊ ረቡዕ ንሚስተር ደከር ንምሓዝ ዝሕግዝ ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ 20 ሽሕ ዶላር ሽልማት ከምዝወሃቦ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣለሻ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከቡ ሃገራዊ ኣግራብ ብሰፊሑ ንሓዀርትን በፃሕትን ክዕፀዉ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።