እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ኣመሪካ፡ ሃሪስ ወይ ትራምፕ ክዕወቱ ዝድርኹ 10 ረቛሒታት
ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ከምቲ 'መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ' ዝብሃል እንሆ ሎሚ ደበኽ ኢሉ'ሎ።
መሰል ምድማጽ ዘለዎም ኣስታት 250 ሚልዮን ዜጋታት ኣመሪካ ሎሚ ሰሉስ 5 ሕዳር ናብ መድመጺ ነቚጣታት ብምውሓዝ ንካማላ ሃሪስ ወይ ዶናልድ ትራምፕ ዘለዎም ደገፍ ክገልጹ'ዮም።
ኣስታት 90 ሚልዮን ካብኦም'ኳ ክሳብ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝነበረ እዋን ድምጾም ሂቦም ከምዘለዉ'ዩ ዝዝረብ (ኣብ ገለ ግዝኣታት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣድመጽቲ ኣቐዲም ድምጾም ክህቡ ስለዝፍቀድ)።
ክሳብ ሎሚ ክወጽእ ዝጸንሐ ዳህሳሳዊ ግምታት ደገፍ ህዝቢ ተቐራራቢ ብምዃኑ መኒኦምም ክዕወት ይኽእል ንዝብል ሕቶ ዛጊድ ንፁር ኣመተ ክረክብ ኣይክኣለን።
ንኣፍልጦ ዝኣክል፡ ነዚ መረጻ'ዚ ታሪኻዊ ዝገብርዎ ክልተ ነገራት ኣለዉ። ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ 130 ዓመት ንካልኣይ እብረ ዝወዳደር ዘሎ ዝተስዓረ ፕረዚደንት ነበር እዩ። ካማላ ሃሪስ'ውን፡ እታ ንፈለማ እዋን ሕጽይቲ ፕረዚደንት ክትከውን ዝኸኣለት ኣፍሪቃዊን ህንዳውን መበቆል ዘለዋ ጸላም ፖለቲከኛ እያ። እንተ ተዓዊታ'ውን ፈላመይቲ ጓልኣንስተይቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ክትከውን'ያ።
ትራምፕ ክዕወት ይኽእል'ዩ ምኽንያቱ . . .
1. ኣብ ስልጣን የለን
ጉዳይ ቁጠባ ብዓይኒ ኣድመጽቲ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ'ዩ። ዋላ'ኳ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ክጎድል እንተኸኣለን፡ ጃምላዊ ዕዳጋ (ስቶክ ማርኬት) ይትኮስ ከምዘሎን፡ ዝበዝሑ ኣመሪካውያን ብናህሪ ዋጋታት ይሳቐዩ ከምዘለዉ'ዮም ዝገልጹ።
ለበዳ ኮቪድ ዘስዓቦ፡ ካብ 1970 ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዘይተራእየ መጠን ዝቕባበ ብምህላዉ፡ ትራምፕ "ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት [ኣብ ስልጣን እንከሎ] ዶ ይሕሸኩም ሎሚ" ዝብል ብድሆ ንኣድመጽቲ ከቕርብ ዕድል ሂቡዎ'ሎ።
ምስቲ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝሰዓበ ቁጠባዊ ቅልውላዋት ብዝተሓሓዝ ኣብ 2024 ኣብ ሓያለ ሃገራት ዓለም ኣብ ዝተኻየደ መረፃታት ገዛኢ ሰልፍታት ካብ ስልጣን ክእለዩ ተራእዮም እዮም።
ዳህሳሳት ከምዝእምትዎ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ዳርጋ ርብዒ ህዝቢ ኣመሪካ ጥራይ'ዩ እታ ሃገር ኣብ መገዲ ኣማን ኣላ ኢሉ ዝሓስብ። እቲ ዝተረፈ ልዕሊ 70 ሚእታዊት ሕጉስ ኣይኮነን።
ኣስታት 32 ሚእታዊት ነገራት ይመሓየሽ ኣሎ ክብል እንከሎ፡ እናኸፍአ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ ዝብል ድማ 62 ሚእታዊት እዩ።
ካማላ ሃሪስ ወኪል ለውጢ'የ ክትብል'ኳ እንተፈተነት፡ ከም ምክትል ፕረዚደንት ግን ካብ ምምሕዳር ጆ ባይደን ርእሳ ከተላቕቕ ኣይክኣለትን።
2. ሕማቕ ዜና ዘጥቅዖ ኣይመስልን
ዋላ'ካ ስሙ ምስቲ ብ6 ጥሪ 2021 ንሕምብርቲ ፖለቲካ ኣመሪካ ዝኾነ መንበረ ባይቶ ኣመሪካ (ካፒቶል ሂል) ዘናወጸ ናዕቢ ደገፍቱን ዝሰዓበ ገበናዊ ማእሰርቲን ዝተሓሓዝ እንተኾነ፡ ደገፍ ህዝቢ ትራምፕ ካብ 40 ሚእታዊት ኣይወረደን።
ዋላ'ኳ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራስን "እምብለይ ንትራምፕ" ዝበሉ ኣባላት ሪፓብሊካዊ ሰልፍን ፕረዚደንት ክኸውን ብቑዕ ኣይኮነን ብምባል ዝምጉቱ እንተኾኑ፡ ትራምፕ ግን ግዳይ ፖለቲካዊ ሽርሕታት ከምዝኾነ'ዩ ንርእሱ ዘቕርባ።
ስለዚ፡ ውሱን ክፋል ናይቶም ገና ደገፎም ዘየነጸሩ ኣድመጽቲ ክስሕብ እንተኽኢሉ ክዕወት ዕድል ኣለዎ።
3. ብዛዕባ ዋሕዚ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ዝህቦ መጠንቀቕታ እዝኒ ህዝቢ ይረክብ'ዩ
ኪኖ ኩነታት ቁጠባ፡ መረጻታት መብዛሕትኡ ግዜ ስሚዒት ህዝቢ ከለዓዕሉ ብዝኽእሉ ጉዳያት'ዮም ዝውሰኑ።
ከምቲ ደገፍቲ ካማላ ኣውራ ነገር ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ምዃኑ ዝጭድሩ፡ ናይ ትራምፕ ድማ ዋሕዚ ስደተኛታት (ኢሚግሬሽን) እዩ።
ክወጹ ዝጸንሑ ዳህሳሳት ከምዘመልክትዎ፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ትራምፕ ነቲ ኣብ ዘመነ ስልጣን ጆ ባይደን እናወሰኸ ዝኸደ ዋሕዚ ክዓግቶ ከምዝኽል ይኣምኑ'ዮም። ኣብ ማሕበረኮም ላቲናውያን (ደቡብን ማእከላይን ላቲን ኣመሪካ ዝመበቆሎም) ዘለዎ ደገፍ'ውን ኣብ ዝሓሸ ኩነታት'ዩ ዘሎ።
4. ደረጃ ትምህርቲ- ዲግሪ ካብ ዘለዎም ዘይብሎም ይበዝሑ
ትራምፕ ነቶም ከምዝተረስዑን ድሕሪት ዝተረፉን ዝስምዖም ኣመሪካውያን ብምንቕቓሕን ብምስሓብን ንፖለቲካ ኣመሪካ ቀይርዎ'ዩ። ቀንዲ ደገፍቲ ደሞክራትስ ዝነበሩ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ከይተረፉ ናብ ሰልፊ ረፓብሊካን ክጽግዑ ደሪኽዎም ይርከብ።
ንኢንዱስትሪታት ኣመሪካ ንምክልኻል ኣብ ልዕሊ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ፍርያት ተዓጻጻፊ ታሪፋት ክውስኽ ድሕር ዘይምባሉ'ውን ደገፍ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ረኺብሉ'ዩ።
ነቶም ኣብ ገጠራት ዝነብሩ ሓረስቶት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ወሰንቲ ክፍለሃገራት ኣብ ከተማታት ዘለዉ ሰብ ማእከላይ ደርቢን ከጎሳጉስ እንተኺሉ፡ ነቶም ዝኸሰሮም ማእከላይ መርገጺ ዘለዎምን ሰብ ዲግሪን ሪፓብሊካውያን ክትክኦም ተኽእሎ ኣሎ።
5. ኣብ ዘይርግእቲ ዓለም ሓያል መራሒ ኮይኑ ስለዝርአ
ተቓወምቱ፡ ምስ ውልቀመለኽቲ ዘለዎ ዝምድና ምዉቕ ብምዃኑ ንምሕዝነታት ኣመሪካ የላሕልሖ ኣሎ ክብሉ'ዮም ዝነቕፍዎ።
እንተኾነ ግን፡ ትራምፕ፡ ዘይተገማቲ ምዃኑ ከም ሓይሊን ብልጫን'ዩ ዝወስዶ። ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዓለም ዓቢ ኲናት ዘይምእንጋዳ መርኣያ ናይዚ ምዃኑ'ውን ይምጉት።
ብዙሓት ኣመሪካውያን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዘይዓገብሉ እዋን'ዩ ዘሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜ ኣመሪካ ብቢልዮናት ዝግመት ደገፍ ንዩክረይንን እስራኤልን ትህብ ምህላዋ ባህ ዘይብሎምን ኣመሪካ ኣብ ትሕቲ ባይደን ከምዝተዳኸመት ዝሓስቡን ውሑዳት ኣይኮኑን።
ስለዚ ድማ'ዮም ብዙሓት፡ ብፍላይ ደቂተባዕትዮ ንትራምፕ ከም ዓለማዊ ጽልዋ ዘለዎ ሓያል መራሒ ዝርእይዎ።
ካማላ ሃሪስ'ውን ክትዕወት ትኽእል'ያ ምኽንያቱ . . .
1. ትራምፕ ኣይኮነትን
ዋላ'ኳ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ብልጫታት እንተለዉ፡ ትራምፕ ኣዝዩ ከፋፋሊ ባእታ ኮይኑ ይርከብ።
ኣብ 2020 ኣብ ዝነበረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝለዓለ ድምጺ ዝረኸበ ሪፓብሊካን ሕጹይ'ዩ ነይሩ። እንተኸነ ግን፡ ባይደን ደገፍ ሸውዓተ ሚልዮን ኣድመጽቲ ብምርካቡ ክዕወት ክኢሉ።
ነዚ ዝተረድአት ሃሪስ ድማ፡ ትራምፕ ተመለሰ እናበለት ኣብ ጎስጓሳታ ህዝቢ ከተፈራርሕ ጸኒሓ። እቲ "ፋሽሽታዊ" ክትብል ዝገለጸቶ ፕረዚደንት ነበር፡ ንደሞክራሲ ሓደጋ ምዃኑን ኣመሪካ ንዕኡ ረሲዓ ንቕድሚት ክትግስግስን ክትምጸን'ያ ወሪሓ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝተገብረ ዳህሳስ (ፖል)፡ 4 ካብ 5 ኣመሪካውያን እታ ሃገር ተንቆልቁል ከምዘላ ገሊጾም ነይሮም። ሃሪስ ነታ ሃገር ከተረጋግእ እትኽእል መራሒት ምዃና ነቲ ህዝቢ ንምእማን'ዩ ተስፋኣ።
2. ባይደን'ውን ኣይኮነትን
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ባይደን ካብ ውድድር ኣብ ዝወጸሉ ግዜ፡ ደሞክራስያውያን ክስዓሩ ምዃኖም ዳርጋ ከይተሓልመ ዝተጋህደ ፖለቲካዊ ኩነታት'ዩ ነይሩ።
እቲ ፕረዚደንት ካብ መድረኽ ውድድር ተደፊኡ ድሕሪ ምውጽኡ ግን እቲ ገዛኢ ሰልፊ ቀልጢፉ'ዩ ኣብ ዙርያ ሃሪስ ብምዕሳል ሓድነቱ ኣትሪሩ።
ዋላ'ኳ ሪፓብሊካውያን ብቐጻሊ ምስቲ ተቐባልነት ዝተሓረሞ ፖሊሲታት ባይደን ከልግቡዋ ህርድ እንተበሉ፡ ንገለ ቀንዲ መጥቃዕትታቶም ከተምክኖ ክኢላ'ያ።
ንኣብነት፡ ነቲ ናብ ዕድመ ወዲ 81 ዓመት ባይደን ዘነጻጸረ ዳርባ ቀልጢፋ ናብቲ ወዲ 78 ዓመት ትራምፕ ክትቅልብሶ ምኽኣላ'ዩ። ትራምፕ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ሕጹይ ፕረዚደንት ኮይኑ ኣሎ።
3. ንመሰላት ደቂኣንስትዮ ደው ምባላ
እዚ መረጻ'ዚ፡ ላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ ነቲ ንፍርቂ ክፍለ-ዘመን ጸኒዑ ዝነበረ ምንጻል ጥንሲ ዘፍቅድ ሕጊ ብድፍኢት ሪፓብሊካውያን ድሕሪ ምፍራሱ ዝካየድ ዘሎ'ዩ። እቲ ውሳነ ምንጻል ጥንሲ ቅዋማዊ መሰል ከምዘይኮነ ዝፈረደ'ዩ።
ንመሰል ምንጻል ጥንሲ ዝድግፉን ብውሳነ እቲ ቤትፍርዲ ዝተሻቐላን ዝተሻቐሉን ዜጋታት ንካማላ ሃሪስ'ዮም ዝሓርዩ። ከምቲ ኣብ 2022 ዝተኻየደ ባይቶኣዊ መረጻ ዝተራእየ፡ እቲ ጉዳይ ተሳትፎ መረጽቲ ብምትብባዕ ኣብ ውጽኢት ምርጫ ኣገዳሲ ግደ ክህልዎ ይኽእል'ዩ።
ኣብ ኣሪዞና እትርከበን 10 ክፍለሃገራት (ስቴትስ) ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ንህዝበ-ውሳነ ቀሪቡ'ሎ። እዚ ድማ ንደገፍ ሃሪስ ዘደንፍዕ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ፈላመይቲ ጓልኣንስተይቲ ፕረዚደንት ንምዃን ዘለዋ ተኽእሎ'ውን፡ ንዘለዋ ደገፍ ደቂኣንስትዮ ድርኺት ክፈጥረሉ ይኽእል'ዩ።
4. ደገፍታ ዝያዳ ናይ ምድማጽ ተበግሶ ክወስዱ ዝኽእሉ እዮም
እቶም ዝድግፉዋ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ ደረጃ-ኮለጅ ትምህርቲ ዘለዎምን ብዕድመ ዝደፍኡን ዝያዳ ናይ ምድማጽ ተወፋይነት ዘለዎም እዮም።
ደሞክራስያውያን ድማ ኣብቶም ልዑል ተሳትፎ ዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ዝናኣድ ውጽኢት ከምዝረኽቡ ዝፍለጥ'ዩ። ብኣንጻሩ፡ ትራምፕ ኣብቶም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መረጻ ዘይሳተፉ መንእሰያትን ናይ ኮለጅ ትምህርቲ ዘይብሎምን ዘለዎ ደገፍ ልዑል'ዩ።
ንኣብነት፡ ትራምፕ ልዑል ደገፍ ናይቶም ኣብ 2020 ድምጾም ዘይሃቡ ኣድመጽቲ ከምዘለዎ ዝተኻየደ ዳህሳስ ግምታት ደገፍ የመልክት።
እቲ ቀንዲ ሕቶ ግን፡ ኣብዚ ምርጫ እዚኸ ክሳተፉ ድዮም ዝብል'ዩ።
5. ዝያዳ ገንዘብ ኣኪባን ኣውጺኣን'ያ
መረጻታት ኣመሪካ እቲ ዝኸበረ ምዃኑ ናይ ቅርዓት ምስጢር'ዩ- ምርጫ 2024 እውን እቲ ዝኸበረ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ።
ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝግበር ብኹሉ መሳርሒታት ዝካየድ ጐስጓስ ገንዘብ ዝጠልብ'የ፡ ነገሩ 'ገንዘብ እንተሎ መወዓውዒ ኣሎ' እዩ።
ዝበዝሐ ገንዘብ ኣብ ምውጻእ ከኣ ንሃሪስ ዝቕድማ የለን። ኣብ ወርሒ ሓምለ ሕጽይቲ ምስ ኮነት ጥራይ ልዕሊ'ቲ ትራምፕ ካብ ጥሪ 2023 ጀሚሩ ዘዋህለሎ ገንዘብ ከተጎሳጉስ ክኢላ'ያ። ዕጽፊ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ንመወዓውዒ ከምዝኸፈለት ጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ የረድእ።
እዚ ድማ ኣብቲ ብወሰንቲ ዝብሃላ ክፍለሃገራት ዝውሰን ጸቢብ መረጻ ንምዕዋት ዓቢ ግደ ክጻወት ይኽእል'ዩ። ኣብዘን ወሰንቲ ዝብሃላ ክፍለሃገራት ማእለያ ዘይብሉ ናይ ጎስጓስ ምውዕዋዕ ኣብ ተለቪዢናትን ራድዮታትን ክቃላሕ'ዩ ጸኒሑ።
ኣብ ፐንሲልቫንያ፡ ሃሪስ 159 ሚልዮን ዶላር ከተውጽእ እንከላ፡ ትራምፕ 120 ሚልዮን ከፊሉ።
ሚሺጋን- ሃሪስ 126 ሚልዮን፡ ትራምፕ ድማ 78 ሚልዮን።
ጆርጂያ - ሃሪስ 73 ሚልዮን፡ ትራምፕ 72 ሚልዮን
ዊስኮንሲን- ሃሪስ 75 ሚልዮን፡ ትራምፕ 53 ሚልዮን
ኣሪዞና - ሃሪስ 62 ሚልዮን፡ ትራምፕ 55 ሚልዮን
ኖርዝ ካሮላይና - ሃሪስ 55 ሚልዮን፡ ትራምፕ 44 ሚልዮን
ነቫዳ - ሃሪስ 44 ሚልዮን፡ ትራምፕ 22 ሚልዮን