እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ጅቡትን ሓድሽ ባሕሪ ይፍጠር ኣሎ ድዩ?
ኣብቲ ቦታ ዝዀነ ልሙዕ ነገር ኣይርአን፤ ዕርቃኑ ዝወጽአ መሬት ጥራይ እዩ ዘሎ። ኣማዕዲኻ መወዳእታ ዘይብሉ በረኻ ትርኢ።
ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዝርከብ ቀላይ ኣቤ [ኣብቲ ከባቢ ኣብሄ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ] ሓደ ካብ ተፈጥሮኣዊ መስተንክራት ዓለም እዩ።
እቲ ስፍሓቱ 19 ኪ.ሜ. ብ 17 ኪ.ሜ ንውሓት ዘለዎ ቀላይ፡ ኣዝዩ ጨው ዝበዝሖ ኮይኑ ማዩ ድማ መርዛም እዩ።
ኣብ ዙርያኡ፡ ብኣማኢት ዝቝጸር ኵምራታት ኣእማን [ላይምስቶን] ተሰሪዑ ዝረአ ዀይኑ፣ እዚ ኸኣ ዘይክእል ነዳቓይ ዝሰርሖ ሓጹር ኣምሲልዎም ኣሎ።
ገለ ካብቶም ነቲ ሰማያውን ቀጠልያን ሕብሪ ዝተፍኡ ነቲ ቀላይ ዝኸበቡ ብሃፋ ዝመልኡ ኵምራታት 50 ሜትሮ ቍመት ኣለዎም።
እዞም ቀወምቲ ነገራት ሃንደበት ትኪ ክፍንው ከለው፡ ባህርያቶም ንዘይፈልጥ ሰብ ከሰንብዱ ይኽእሉ እዮም፤ ትኪ ሳልፈር እዮም ዝፍንው።
እዚ ኣብዚ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝርከብ ከቢድ ቦታ፡ ተፈጥሮ ንወዲሰብ ደፊኣ ኣብ ፍቕሪ ነብሳ ትወድቕ ዘላ እዩ ዘምስላ።
ዓፋር ዲፕሬሽን - ዳሉል
ቀላይ ኣቤ ኣብ መራኸቢ 'ቴክቶኒካዊ ጽላት' ሶማልያ፡ ዓረብን ኑብያን ይርከብ። ብኻልእ ቋንቋ እዚ ቦታ ዓፋር ዲፕሬሽን (ትሑት ቦታ) ይበሃል።
እቲ ከባቢ ትውልዲ ጥንታዊት ሉሲ እዩ። ገለ ሳይንቲስት 'መበገሲ ስልጣነ ኣብዚ እዩ' ኢሎም ይምጕቱ።
እቲ ቀላይ ካብ ካልኦት ተመሳሰልቲ ቀላያት ኣዝዩ ዝተፈልየሉ ምኽንያት፡ እቶም ‘ቴክቶኒክ ፕሌት’ ዝበሃሉ ንጣፍ ኣኻውሕ ቀስ ብቐስ ይበታተኑ ስለዘለዉ እዩ።
እዚ እውን እቲ ኣብ ትሕቲ ቀላይ ኣብሄ ዝተቐመጠ ታሕተዋይ ክፋል መሬት (ክረስት) ክቐጥን ኣገዲድዎ።
ኣብ 1950ታት እቲ ቀላይ ንሕርሻ ተደልዩ፡ ማዩ ምስ ተኣልየ ስፍሓት እቲ ቀላይ ብኽልተ ሲሶ ነክዩ ነይሩ።
'ሓድሽ ውቅያኖስ'
'ጂኦፊዚስት' ድሕሪ 10 ሚልዮን ዓመታት፡ ዓፋርን እዚ ኣልካላይን ቀላይን ሓድሽ ውቅያኖስ ክፈጥሩ ምዃኖም ይኣምኑ።
ብመሰረት እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ከምዝብልዎ፡ እዘን ሰለስተ ምድርታት ተፈላልየን ኣብ መንጐአን ዘሎ ቦታ እናሰፍሐ ይኸይድ ስለዘሎ፡ ቀይሕ ባሕሪ ንገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ሒዙ ናብ ዓፋር ዲፕሬሽን ይጓዓዝ።
ሳይንቲስት ናሳ እዮም ከምዚ ዝብሉ ዘለዉ።
ቀይሕ ባሕሪ፡ ሃጓፍ ሽንጥሮ ምብራቕ ኣፍሪቃን ወሽመጥ ዓደንን ኵሎም ተደሚሮም ክንዲ ኣትላንቲክ ዝሰፍሓቱ ሓድሽ ውቅያኖስ ይፈጥሩ።
ብመሰረት እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብማይ ዝተኸበበት ደሴት ክትከውን ትኽእል እያ።
ህዝቢ ዓፋር
ዓፋር ዲፕሬሽን- ኣብ ኣፍሪቃ ካብቶም ኣጸጋሚ ቦታታት ሓደ እኳ እንተዀነ፡ ሰባት ኣብኡ ክነብሩ ኣይክእሉን ማለት ግን ኣይኮነን።
ንድሕሪት ከይጠመትካ ካብ ርእሰ ከተማ ጅቡቲ ንምዕራብ 150 ኪሎ ሜተር እንተተጓዒዝካ ቀላይ ኣብሄ ትረክብ።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ጓሶት፡ ንከብቶምን ንነብሶምን ሓንቲ ንጣብ ማይ ንምርካብ ብዙሕ ይደኽሙ።
"ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታ ምንባር ነቶም ንደቂ ዓፋር ዝገርም ኣይኮነን" ይብል መሓመድ ዑመር ዓሊ ዝተባህለ ቱር ኦፕሬተር።
ኣብኡ ዝነብር ህዝቢ ዓፋር፡ ዳርጋ ብከብቲ ብምርባሕ እዩ ዝናበር። ስድረኦም ሒዞም፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይንቀሳቐሱ።
ከውሒ ጨው ኰዒቶም ሸይጦም፡ ማይን መግብን ገዚኦም ንገዛእ ርእሶምን ንስድራቤቶምን ይምግቡ።
መብዛሕትኦም ተወለድቲ ዓፋር፡ ኣብ ተንቀሳቐስቲ ገዛውቲ ዝነብሩ ኮይኖም ቀዋሚ ቀረብ ማይ ይኹን ሓይሊ ኤሌክትሪክ የብሎምን።
ለውጢ ክሊማ
ቀላይ ኣቤ ኣብ ምሉእ ዓመት ብርቱዕ ሙቐትን ሕሽ ዝበለ ሙቐትን ዝፈራረቕሉ ቦታ እዩ።
ኣብ እዋን ዝሕል ዝበለ ወቕቲ፤ 30 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ይበጽሕ፤ ኣብ ዋዒ ድማ ናብ 45 ሓፍ ይብል።
ብዙሓት መንእሰያት ኣባላት ማሕበረሰብ ዓፋር ኣብዚ ዝቀያየርን ጽንኩርን ኵነታት ኣየር ንምንባር ይቃለሱ።
ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ለውጢ ክሊማ ነቲ ከባቢ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ብምግባር ድርቂ እውን ኣስዒቡ እዩ።
ዑመር ዓሊ ከም ዝብሎ ግን ህዝቢ ዓፋር ካብ ቦታኡ ክወጽእ ፈጺሙ ኣይደልን እዩ።
እቲ ቦታ ብፍላይ ኣብ ኣጋ ወጋሕታ መስተንክር ጽባቐ ይፈጥር።
እቲ በቲ ኵምራ ዝፍኖ ትኪ ሳልፈር ምስ ጸሓይ ተሓዋዊሱ ሮዛ ሕብሪ ክፈጥር ክትዕዘብ ከለኻ ባህታ ዝፈጥር እዩ።
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ብዘይካ ኣብ ትሕቲ ፓስፊክ ውቅያኖስ ኣብ ካልእ ቦታ ከም ዘይርከብ ይገልጹ።
ኣቤ ምሽት ምሸት፡ ልክዕ ከምቲ ሆሊዉድ ዘቀናብሮ፡ ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ ትርኢት ይፈጥር።
ከዋኽብቲ ከም ኣብ ኣንሶላ ዓራት ዝተሳእለ ዕምባባ ንሰማይ ደጊፎም ዝቘሙ ከም ዝመስል ይገብሩ።
ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ዳስ ሰሪሕኻ፡ ምሉእ ለይቲ ምሕላፍ ንሓደ ኣብ ዝተረበሸ ከተማ ዝነብር ዓብይ ዕረፍቲ እዩ።
ናብ ቀላይ ኣብሄ
ኣብቲ ከባቢ ብዝፍጠር ስነ-ምድራዊ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ሰፊሕ ማያዊ ኣካል ክፈጥር እዩ ዝበሃል መዓስ ምዃኑ እንተዘይተፈልጠ’ኳ፡ ኣካታዒ ኮይኑ ቀጺሉ ኣሎ።
በዚ ምኽንያት እዚ፡ መበቆል ደቂ ሰባትን ጂኦግራፊን ካብ ዘጽንዑ ብተወሳኺ፡ እቲ ከባቢ ካብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝመፁ ካልኦት ክኢላታት የአንግድ ኣሎ።
እዚ ከባቢ ብመንገዲ ሉሲ ኣቢሉ ቀዳሞት ሰፈራ ደቂ ሰባት ዝተካየደሉ ቦታ እዩ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓሞቐ [ዳሉል] ኣብ ቀረባ እዩ ዝርከብ።
ከምኡ’ውን፡ እሳተ ጎመራ ዘለዎ ቀላይ ዔርታለ ድማ ካልእ መስሕብ ስለዝኾነ ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ ኣሎ።
እዚ ታሪኻውን ተፈጥሮኣውን ፍጻሜታት፡ ብዙሓት ካብ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዝመጽኡ ካብ ዝዕዘብዎ ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ።
ብዙሓት ካብ ጅቡቲ ዝመጹ በጻሕቲ ቀላይ ኣቤ ክርእዩን ክምለሱን ሓደ መዓልቲ ወሲዶም'ኳ እንተመለሱ፡ እዚ ግን ምሉእ ስእሊ ዝህብ ከምዘይኰነ ገለ ሰባት ይዛረቡ።
ናብ ቀላይ ኣብሄ ክትበጽሑ እንተደሊኹም እንተወሓደ ንሓንቲ ለይቲ ኣብ ዳስ ክትሓድሩ ኣለኩም፡ ይብሉ።
ብርግጽ ኣገልግሎት መንበሪ ዝህባ ትካላት ውሑዳት እየን።
ሓደ ካብኣቶም ከሚል ሓሰን እዩ። ከሚል ኣብኡ ካብ ዝነብር ሓያሎ ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ።
ንከባቢ ዓፋር፡ ውሽጡን ደገኡን ኣጸቢቑ ከምዝፈልጦ ዝዛረብ ከሚል፡ ቱሪዝም ክሰፍሕን ምንጪ እቶት ክኸውንን እዩ ዝምነ፤ እጃሙ እውን የበርክት ኣሎ።