ኔዘርላንዳዊት ከተማ ሃርለም መወዓውዒ ስጋ ብምእጋድ ኣብ ዓለም ፈላመይቲ ክትኸውን ትኽእል’ያ

በርገር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ኔዘርላንድ እትርከብ ከተማ ሃርለም መወዓውዒታት ስጋ ካብ ህዝባዊ ቦታታት ከም እትእግድ ተገሊጹ።

ስጋ ኣብ ለውጢ ከባቢ ኣየር ብሰንኪ ዝፈጥሮ ጽልዋ እያ፡ እታ ከተማ ነዚ ስጕምቲ ክትወስድ ተበጊሳ ዘላ።

እዚ ንፈለማ እዋን በዛ ከተማ ዝውሰድ ዘሎ ተባሂሉ ዝሕሰብ ስጕምቲ፡ ካብ 2024 ጀሚሩ እዩ ተግባራዊ ክኸውን።

እዚ ብኽሩንሊንክስ ዝተባህለ ሓምላይ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዝረቐቐ ንድፊ እማመ፡ ድሮ ካብ ጽላት ስጋን ካልኦት ንመሰል ናጽነት ምዝራብ ዝግህስ እዩ ኢሎም ዝከራኸሩ ወገናትን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት ከም ዝብሎ፡ ጥሪት 'ሚተይን' ንዝተባህለ ባእታ ሓዊሱ ልዕሊ 14 ሚእታዊት ሰብ ዝሰርሖም ጋዛት ግሪን ሃውስ (ሓምለዋይ ገዛ) የመንጭው።

ኣብታ 160 ሽሕ ህዝቢ ዝነብራ ከተማ፡ እዚ እማመ ክልከላ መወዓውዒ ስጋ፡ ነቲ ብቐጻልነት መፍራይ ስጋ ዝምልከት መወዓውዒታት ዘጠቓልል ብዛዕባ ምዃኑ ገና ኣይተወሰነን ዘሎ።

ነዚ እማመ ዝነደፈ ኣባል ሰልፊ ኽሩንሊንክስ ዝጊ ክላዘስ፡ ኣባል ባይቶ እታ ሃገር እዩ።

ንሱ፡ “ስጋ ንከባቢ ኣየር ኣዝዩ ጐዳኢ’ዩ። ቅልውላው ክሊማ ከምዘሎ ኸኣ ንሰባት ክነግሮም ኣጸጋሚ እዩ። ስለዚ ኣካል እዚ ክሊማዊ ቅልውላው ዝዀኑ ፍርያታት ክዕድጉ ክነተባብዖም ኣይግባእን'ዩ፡” ኢሉ።

እዚ እማመ፡ ብኣባላት ባይቶ ውድብ ክርስትያን ዲሞክራቲክ ቻለንጅ (Christian Democratic Challenge ) እውን ተቐባልነት ረኺቡ’ሎ።

ብኣንጻሩ፡ ካብ ኢንዳስትሪ ስጋ ዝተዋህበ ግብረ መልሲ ኣዝዩ ቅልጡፍ’ዩ።

ወሃቢ ቓል ማእከላይ ትካል ጽላት ስጋ እታ ሃገር፡ “ሰብመዚ ንሰባት እንታይ ከም ዝጠቕሞም ንምዝራብ ኣርሒቘም ይኸዱ ኣለዉ” ኢሉ።

ውድብ የማናይ ክንፊ ቢቪኤንኤል (BVNL) ብወገኑ፡ “ተቐባልነት ዘይብሉ ንነፃነት ምህዞ ስራሕ ዝግህስን ንኣርባሕቲ ሓሰማ ኸኣ ዝቐትልን እዩ” ክብል ተቓዊምዎ።

ኣባል ባይቶ ጆይ ሬድሜከር ካብ ሰልፊ 'ቢቪኤንኤል'፡ “ብፖለቲካዊ ዕላማ ተደሪኽካ መወዓውዒታት ምእጋድ፡ ምልካውነት’ዩ” ኢሉ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኽሮኒንገን መምህር ሕጊ ዝዀነ ፕሮፌሰር ሄርማን ብሮሪንግ፡ እዚ እገዳ፡ ንመሰል ምግላጽ ሓሳባት ክግህስ ከም ዝኽእል ብምሕባር፡ ነጋዶ ሕጋዊ ክሲ ክምስርቱ ከም ዝኽእሉ'ውን ኣሚቱ።

ስታትስቲክስ ኔዘርላንድ ከም ዝሕብሮ፡ ኣስታት 95 ሚእታዊት ኔዘርላንዳውያን ስጋ ዝምገቡ ኰይኖም፡ ልዕሊ ፍርቂ ግን መዓልታዊ ስጋ ኣይምገቡን።

ኣምስተርዳምን ሄግን ዝተባህላ ዓበይቲ ከተማታት ኔዘርላንድ፡ መወዓወዒታት ኣቪየሽንን ተፈጥሮኣዊ ነዳድን ድሮ ከም ዝኣገዳ ዝፍለጥ እዩ።

ስጋ ከብቲ፡ ሚቴን ዝርከቦ ልዑል ሙቐት ኣየር ዝፈጥር ጋዝ ዘመንጩ ክኸውን እንከሎ፡ ስጋ ጤለበጊዕ ድማ ካብ ስጋ ከብቲ ቀፂሉ ብ50 ሚእታዊት ዝነኣሰ ኣብ ከባቢ ኣየር ጽልዋ ይፈጥር።

ዋዒ ግሪን ሃውስ እንታይ እዩ?

ኣብ ሃዋሁ ምድሪ ዝርከቡ ቀንዲ ጋዛት ግሪንሃውስ፡ ሃፋ ማይ፡ ካርቦንዳይኦክሳይድ፡ ሚተይን፡ ናይትረስ ኦክሳይድን ኦዞንን እዮም።

ግሪን ሃውስ ማለት (ሓምለዋይ ገዛ) መናድቕን ናሕስን ዘለዎ ህንጻ እዩ። ከም ኮሚደረን ትሮፒካዊ ዕምባባታትን ዝኣመሰሉ ኣትክልቲ ንምብቋል ከኣ የገልግል።

እቲ ሓምላይ ቤት ኣብ እዋን ክረምቲ እንተዀነ እውን፡ ውሽጡ ማሙቕ እዩ። ቀትሪ ብርሃን ፀሓይ ኣብቲ ሓምላይ ገዛ ይበርህ እሞ፡ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ኣትክልትን ኣየርን ይመውቕ።

ለይቲ፡ ዋላ'ውን ኣብ ግዳም ዛሕሊ እንተሎ እቲ ውሽጢ ገዛ ግና ኣዝዩ ምዉቕ እዩ። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ፡ መናድቕ እቲ ግሪን ሃውስ ንረስኒ ፀሓይ ስለ ዝዕቅቦ እዩ።

ይዅን እምበር ጸቐጢ ጋዛት ሓምላይ ገዛ፡ ንመሬት ብርቱዕ ጩራ ፀሓይ ንኸይወርድ ዝከላኸል ቀጸላታት ኦዞን ሽፋን ምድሪ ስለ ዘርቅቘ ዘይንቡር ዋዕን ለውጢ ክሊማ ይኽሰት ኣሎ።