ስሪል ራማፎሳ ዳግም ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኰይኑ ተመሪፁ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ደቡብ ኣፍሪቃ ሃገራዊ ኮንግረስን (ኤኤንሲ) ምስ ካልኦት ተቓወምቲ ሰልፊታት ብምዃን ሃገራዊ ሓድነት ዘለዎ መንግስቲ ንምቛም ዝገበሩዎ ስምምዕ፡ ስሪል ራማፎሳ ፕረዚደንት እታ ሃገር ገይሩ መሪጹ።
ኤኤንሲ፡ ትማሊ ምስ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን (ዲኤ) ምስ ካልኦት ክልተ ንኣሽቱ ተቓወምቲ ውድባትን ብምዃን ሓበራዊ መንግስቲ ንምምስራት ከም ዝተሰማምዐ ይዝከር።
እቲ ሓድሽ መንግስቲ ድማ፡ ካብዞም ሰልፊታት ዝተወጻጽኡ ተመረጽቲ ዝሓቘፈ'ዩ።
ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ መረጻ፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብላጫ ድምፂ ዘይረኸበ ኤኤንሲ፡ "ምስ ኣየናይ ሰልፊ ክላፈን’ዩ?" ዝብሉ ሓያሎ ግምታት ክወሃቡ ምፅነሖም ዝዝከር እዩ።
ራማፎሳ፡ ነዚ ልፍንቲ ብምንኣድ፡ መረጽቲ መራሕቲ "ግብራውያን ክዀኑን ንስለ ኵሉ ዜጋ እታ ሃገር ኢሎም ብሓባር ክሰርሑን" እዮም ትጽቢት ዝገብሩ ኢሉ።
ኤኤንሲ፡ 40 ሚኢታዊት ድምጺ ክረክብ እንከሎ፡ ዲኤ ድማ ብ22 ሚኢታዊት ካልኣይ ደረጃ ሒዙ።
እዚ ስምምዕ መራሒ ኤኤንሲ ሲሪል ራማፎሳ ፕረዚደንት ኰይኑ ክቕጽል መንገዲ ዝጸርግ እዩ።
ኣብ ዝቕጽል ዓርቢ ድማ፡ ሓደሽቲ ኣባላት ባይቶ ፕረዚደንት ክመርጹ’ዮም።
ሃገራዊ ባይቶ ድማ ድሕሪ እቲ ብ29 ግንቦት 2024 ዝተኻየደ መረጻ ንፈለማ እዋን ክእከብ እዩ።
ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ህንጻ እቲ ባይቶ ብሓዊ ስለ ዝተሃስየ ኣብ ኬፕታውን ኣብ ዝርከብ መአከቢ ኣዳራሽ ዋዕላ ክራኸቡ እዮም።
ዋና ጸሓፊ ኤኤንሲ ፊኪለ ምባሉላ፡ ብተቓወምቲ ሰልፊታት ዝተገብረ ስምምዕ “ዘደንቕ ስጉምቲ” ምዃኑ ገሊጹ።
“ካብዚ ብዝሰገረ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ንምቛም እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ኰፍ ኢልና ንዘራረብ ኣለና። ስራሕና ደው ኣይብልን” ኢሉ።
ክልቲኦም ውድባት ንዓሰርተታት ዓመታት ተነሓናሕቲ ኰይኖም ብምጽንሖም ኣብ መንጐ ማእከላይ-የማን ፖለቲካ ዘሰጉም ሰልፊ ዲኤን ኤኤንሲን ዝግበር ምሕዝነት ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ።
ኤኤንሲ፡ ኔልሰን ማንዴላ፡ ኣብ 1994 ኣንጻር ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ ዝተኻየደ ቓልሲ መሪሑ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ፈላማይ ዴሞክራሲያዊ መረጻ ብምዕዋት ናብ ስልጣን ዝመጽአ እዩ።
ይኹን’ምበር፡ ነቲ ውሑዳት ጸዓዱ እታ ሃገር ኣብ እዋን ኣፓርታይድ ዝሃነጽዎ ቁጠባዊ ሓለፋታት ንምሕላው ጻዕሪ ይገብር እዩ ክብሉ ይኸሱዎ፤ ኤኤንሲ ግን ነዚ ይነጽጐ።
መራሒ ዲኤ ጆን ስቲንሁይዘን፡ እቲ ስምምዕ “ኣብ ታሪኽና ሓድሽ ምዕራፍ” እዩ ይብል።
ንሱ፡ ዲኤ ምክትል ኣፈኛ ባይቶ ክረክብ ተስፋ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ብተወሳኺ እቲ ናይ ስልጣን ምክፍፋል ምድላዋት ነቲ ክሳብ ካቢነ ሚኒስተራት ዘጠቓልል ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ስምምዕ ብተወሳኺ፡ ኣርባዕተ ሚኢታዊት ድምጺ ዝረኸበ ዓቃባዊ ሰልፊ ኢንካታ ፍሪደም ፓርቲ (IFP) ከምኡ’ውን ሃገራዊ ኪዳን (PA) ዝሓዘ እዩ።
እቲ ስምምዕ ኣብተን ወሰንቲ ኣውራጃታት ጋውቴንግን ክዋዙሉ-ናታልን ንዝርከቡ ሓያሎ ከባብያዊ መንግስታት እውን ዝሽፍን እዩ።
ስቲንሁይዘን፡ “እዛ ሃገር፡ ሓደ ውድብ ንሕብረተሰብና ክዕብልሎ ከም ዘይትደሊ ብምርጫ ኣቢላ ንጹር ገይራቶ ኣላ” ኢሉ።
እዚ ስምምዕ ልፍንቲ፡ ካብ ኤኤንሲ ተፈንጪሉ ዝተመስረተ መሬት ንዜጋታት ክከፋፈል ክገብር’የ ዝብል ሰልፊ ኤምኤይን ናብ ጸጋም ዘዘንበለ መሬት ዳግም ክከፋፈል፡ ዕደናን ባንክታትን ብምህጋር፡ እቲ ገንዘብ ናብቲ ቁጠባ ክምለስ ክገብርን ምዃኑ ዝገልጽ ኢኮኖሚክ ፍሪደም ፋይተርስ (ኢኤፍኤፍ)ን ኣይሓውስን።
ሰልፊ ኤምኬይ፡ ናብቲ ልፍንቲ ክጽንበር እንተዀይኑ ራማፎሳ ካብ መሪሕነቱ ክወርድ እኳ እንተጠለበ፡ ኤኤንሲ ነጺጉዎ።
መራሒ ሰልፊ ኢኤፍኤፍ ጁልየስ ማሌማ ብሓሙስ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሰልፊ ዲኤ ዝሓውስ መንግስቲ ኣካል ናይቲ “ሃጸያዊ ኣጀንዳ” እዩ ብምባል ነቲ ልፍንቲ ነጺጉዎ።
ገለ ተዓዘብቲ፡ ኤኤንሲ ምስ ዲኤን ኣይኤፍፒን ዝገበሮ ስምምዕ፡ ድሕሪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ዘሕፍር ጐስጓሳት መረጻ ዓሌታውን ቀቢላውን ዕርቂ ንምድንፋዕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ እዩ ይብሉ።
መሪሕነት ኤኤንሲ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ምስ ዲኤ ዝተገብረ ስምምዕ ተኸፋፊሉ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ገለ ካብኣቶም ላዕለዎት መራሕቲ ምስ ኢኤፍኤፍን ንኣሽቱ ውድባትን ወይ ኤም.ኬይ ልፍንቲ ክፈጥሩ ከም ዝመርጹ ገሊጾም።
ራማፎሳ ግን ቁጠባዊ ቅልውላው ደቡብ ኣፍሪቃን ዝበላሸወ ትሕተ-ቅርጽን ንምምካት ኣዝዮም እሙናት መሻርኽቲ ኰይኖም ምስ ዝረኸቦም ሰልፊታት ዲኤን ኣይኤፍፒን ዝግበር ጥምረት ከም ዝመርጽ ገሊጹ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
