ቁጠባ ሃገሮም ከይወድቕ መጠን ዝሰትይዎ ሻሂ ክንክዩ ዝተሓተቱ ዜጋታት

Published

ፓኪስታናውያን ቁጠባ እታ ሃገር ከይወድቕ መጠን ዝሰትይዎ ሻሂ ክንክዩ ምሕጽንታ ቀሪብሎም።

ኣህሳን ኣቕባል ዝተባህለ ሓደ ላዕለዋይ ሚኒስተር፡ መጠን ዜጋታት ዝሰትይዎ መዓልታዊ ሻሂ እንተነክዮም ፓኪስታን ካብ ወጻኢ ንዝኣተዉ ቀረባት እተውጸኦ ወጻኢ ከምዝቕንስ ገሊጹ።

እታ ሃገር ዘለዋ መጠን ሸርፊ ወጻኢ ኣዝዩ ትሒቱ ዘሎ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ንኽልተ ወርሒ ጥራሕ ዘገልግል እዩ ተሪፍዋ ዘሎ።

ፓኪስታን ኣብ ዓለም ዝለዓለ መጠን ቆጽሊ ሻሂ ኣታዊ እትገብር ሃገር እያ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 600 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ቆጽሊ ሸሂ ገዚኣ።

“ህዝብና ዝሰትዮ መጠን ሻሂ ናብ ሓደ ወይ ክልተ ክቕንሶ ይጽውዕ፤ ምኽንያቱ ተለቂሕና ኢና ሻሂ ኣታዊ እንገብር ዘለና” ክብል ሚኒስተር ኣቕቢ ምግላጹ መራኸቢ ብዙሃን ፓኪስታን ገሊጸን።

መጠን እኩብ ሸርፊ ወጻኢ እታ ሃገር ብቕልጡፍ የንቆልቁል ብምህላዉ እዩ  እቲ ጻውዒት ቀሪቡ ዘሎ።

እቲ ምስታይ ሻሂ ንምቕናስ ዝቐረበ ምሕጽንታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እታ ሃገር ኣዘራራቢ ዝኾነ እንትኾን ብዙሓት ነቲ ውዑይ መስተ ብምንካይ ቁጠባ እታ ሃገር ካብ ውድቀት ምክልኻል ይከኣል እዩ ዝብል ሓሳብ ይጠራጠርዎ ኣለዉ።

መጠን እኩል ሸርፊ ወጻኢ ፓኪስታን ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብ ዝነበሮ 16 ቢልዮን ዶላር ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሰነ ናብ 10 ቢልዮን ዶላር ኣንቆልቊሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰብ መዚ ካራቺ መጠን ኣታዊ ዝግበሩ መሰረታዊ ዘይኮኑ ሸቐጣት ምድራቶም ዝዝከር እዩ።

ቁጠባዊ ቅልውላው ፓኪስታን ቀንዲ ፈተና እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢምራን ካሃን ተኪኡ ዝተመረጸ ሸህባዝ ሸሪፍ ኮይኑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሸሪፍ መንግስቲ ካሃን ንቑጠባ እታ ሃገር ዝሓዘሉ መንገዲ ብምውቃስ ናብ ንቡር ምምላስ ከቢድ ስራሕ ከምዝኾኖ ተዛሪቡ ነይሩ።