እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መራሕቲ ትግራይ፡ ‘ነዳዲ ሰሪቖም’ ንዝብል ክሲ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ነጺጎም
መራሕቲ ትግራይ፡ እቲ ብዋና ዳይረክተር ምግቢ ዓለም ዝቐረበ ‘ሰብመዚ ትግራይ ነዳዲ ሰሪቖም’ ዝብል ክሲ ከምዘሕዘኖም ብምግላጽ ነጺጎምዎ።
ንሳቶም፡ ኣማስዮም ብወገን ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ኣቢሎም፡ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሰብመዚ ትግራይ፡ ቅድም ክብል ንፕሮግራም ምግቢ ዓለም ልዕሊ 600 ሽሕ ሊትር ነዳዲ ኣለቂሖምዎ ከምዝነበሩን ብውዕሎም መሰረት ብዓይነት ክምለስ ከምዝጠለቡን ሓቢሮም።
ወሲኾም፡ እቲ ነዳዲ ን ሆስፒታላት፣ ክሊኒካትን ማእከላት ጥዕናን ትግራይ ከምዝውዕል ኣፍሊጦም።
ሓለፍቲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ብሰብመዚ ትግራይ ከም ዝተሰርቀ ኣፍሊጦም ነይሮም።
እቲ ትካል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተሰሪቐ ዝብሎ ዘሎ ነዳዲ ኣብ ትግራይ ሓገዝ ንምብፃሕ ዝውዕል ከም ዝነበረ እዩ ገሊፁ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል፡ ዴቪድ ቢስለይ፡ ኣብ ትዊተሩ ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንስራሕቲ ረድኤት ዝጥቀመሉ ዝነበረ 570 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ "ብሰብመዚ ትግራይ" ከም ዝተሰርቀ ሓቢሩ።
ትካል ምግቢ ዓለም ካልእ እንታይ ኢሉ ?
ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ ኣብ ኒውዮርክ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ሓይልታት ትግራይ ትማሊ ረቡዕ ኣብ መቐለ ዝርከብ መኽዘን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብሓይሊ ከምዝዘመትዎ ኣፍሊጡ።
570 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ዝተፃዕና 12 መኻይን ከምዝተዘረፉን ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ነቲ ተግባር ደው ከብልዎ ፈቲኖም ከምዘይተዓወቱን ኣረዲኡ።
ውድብ ሕቡራት፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ መኽዘን ብሓይሊ ምእታዎምን ዘመተ ምፍጻሞምን ብምኹናን፣ ኩሎም ወገናት ንዓለም ለኸ ሕጊ ሰብኣዊ ሓገዝ ከኽብሩ ፀዊዑ።
እቲ ዝተዘምተ ነዳዲ ነቲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ ንዘብፅሖ መግቢ፣ ድኹዒን ካልኦት ረድኤትን ዝውዕል ምዃኑ ብምዝኽኻር እቲ ዝተፈጸመ ዝምታ ነቲ ስራሕ ከምዘተኣጓጕሎ ኣረዲኡ።
ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስለይ ብወገኑ፡ በቲ ካብ ትካሉ ዝተሰርቀ ነዳዲ ቁጥዐኡ ኣብ ዝገለጸሉ ጽሑፍ፡ ነቲ ተግባር "ዘቖጥዕን ዘሕፍርን" ክብል ገሊፅዎ።
ንሱ እቲ ዝተሰርቀ ነዳዲ ብቕልጡፍ ክምለስ ፃውዒት ዘቕረበ ኮይኑ፤ ነዳዲ ኣብ ዘይህልው ግን ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝርከቡ ሚልዮናት ከም ዝጠምዩ ኣተሓሳሲቡ።
መራሕቲ ትግራይ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣብቲ ክልል ምስ ዝርከቡ ተወከልቲ እቲ ትካል ከምዝዘራረብሉ ብምግላጽ፡ ሓላፊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ ዝተጠቐመሎም ቃላት ግና፡ “ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ተጋሩ ንዝገደደ ስቓይ ክቃልዑ ዝገብር እዩ” ክብሉ ከሲሶም።
እቲ ዋና ዳይሬክተር ትማሊ ረቡዕ 18 ነሓሰ/2014 ነዚ ፅሑፍ ኣብ ትዊተሩ ዝጠቅዐ መራሕቲ ህወሓትን ፌደራል መንግስትን ንሓድሕዶም መጥቃዕቲ ተኸፊቱና ብዝብል ድሕሪ ምክሳሶም እዩ።
ነዳድን ረድኤትን
ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተላብዐን ኣስታት ክልተ ዓመት ዝፀንሐን ኲናት ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ክፈናቐሉን ተፀበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክዀኑን ኣገዲዱ’ሎ።
ኣብታ ሰብኣዊ ረድኤትን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ተቛሪፁ ዝፀንሐላ ክልል ትግራይ፡ ቅድሚ ኣዋርሕ ንዝተበፅሐ ምቁራፅ ተጻብኦታት ስዒቡ፡ ረድኤትን ነዳድን ክኣትው ጀሚሩ ነይሩ።
ይኹን'እምበር እቲ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሓገዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ክልል ናብ ዝርከቡ ተጠቀምቲ ንምብፃሕ ሕፅረት ነዳዲ ከም ዘሎ ትካላት ረድኤት ክገልፁ ፀኒሖም’ዮም።
መንግስቲ ፌደራል ዘድሊ ቀረብ ነዳዲ ክኣቱ ከምዝፈቐደ ከፍልጥ ከሎ መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም ናብ ትግራይ ዝኣተወ ነዳዲ ኣዝዩ ውሑድን ዘይመጣጠንን ምኳኑ እዮም ዝገልጹ።
ምጅማር ዳግማይ ኲናት
ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ፡ ብግንባር ደቡብ ኣብ ከባቢታት ኣላማጣ ብሰራዊት ፌደራል፣ ሓይልታት ኣምሓራን ናይ ወሎ ፋኖን መጠነ ሰፊሕ ኵናት ከምዝተኸፈቶ ትማሊ ኣፍሊጡ።
እቲ መጠነ ሰፊሕ ዝበሎ መጥቃዕቲ ድማ ወጋሕታ 24 ታሕሳስ 2022 ከባቢ ሰዓት 11፡00 (05፡00) ከምዝጀመረ ኣብቲ ዝዘርግሖ መግለፂ ጠቒሱ።
መንግስቲ ፌዴራል ብወገኑ ብመገዲ ቤት ጸሕፈት ውሃቢ ወቃል መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰራዊት ትግራይ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተበጽሕ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብምጥሓስ ነቲ ኵናት ከም ዝጀመርዎ ገሊጹ።
መግለጺ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ መዓልታት እቶም ሰራዊት ናብ ድፋዓት ክጽግዑ ከምዝቐነዩ ብምግላጽ፡ ብኣንፈታት ጩቤ በር፣ ጃኖራ፣ ጉባጋላን ያሎውን ናብ ኣላማጣ፣ ባላን ቢሶበርን መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱ ሓቢሩ'ሎ።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈዴራልን ክልል ትግራይን ኣብ ወርሒ መጋቢት ሰብኣዊ ረድኤታት ንኽሓልፍ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ካብ ዝብጻሕ ብተዛማዲ ምልውዋጥ ተጻብኦታት ደው ኢሉ’ዩ ጸኒሑ።
ካብ ዝሓለፈ ክልተ ሳሙናት፡ ጀሚሮም ግን ብኽልቲኦም ወገናት ምስ ኵናት ዝተሓሐዝ ምክሳሳት ክስማዕ ምጽንሑ ይዝከር።