ሽመት ሓድሽ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ንምንታይ ኣካታዒ ኰይኑ? ጽልዋኡ ኸ?

Published

ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ንኣቶ ማሞ ምህረቱ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ገይራ ሸይማቶ'ላ።

ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተሸመ ማሞ ምህረቱ፡ መዝነት ምሕደራ 'ቲ ባንክ ሒዙ ንዝጸንሐ ዶ/ር ይናገር ደሴ ተኪኡ ክሰርሕ እዩ።

እቲ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ኣቐዲሙ፡ ሓላፊ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመስረተ ኩባንያ 'ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ' ኰይኑ ሰሪሑ እዩ።

ኣቶ ማሞ፡ ሰራሕተኛ ባንክ ዓለም ዝነበረ ኰይኑ፡ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፖሊሲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፣ ኣብ ትካል ንግዲ ዓለም ከኣ ቀንዲ ተደራዳሪ ኢትዮጵያ ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

ኣብ 2019 ኣብ ጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ፡ ኣብ ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ዘለዉ መንእሰያት ልሂቃን 'ቴክኖክራት' ሓደ ተባሂሉ ዝተረቝሐ ማሞ ምህረቱ፡ ኣብዚ እዋን ንሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ከመሓድር መዝነት ተዋሂብዎ'ሎ።

ኣቶ ማሞ ምህረቱ፡ ብዓውዲ ሕጊ ዝተመረቐ፣ ኣብቲ ባንክ ኸኣ ላዕለዋይ ክኢላ ዓውዲ ብሕታዊ ጽላት ኰይኑ ዘገልገለን ምዃኑ፡ መርበብ ሓበሬታ እቲ ባንክ ይሕብር።

ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ዝነበረ ይናገር ደሴ (ዶ/ር) ካብ 2018 ኣትሒዙ ነቲ ባንክ ኣመሓዲሩ እዩ።

ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት እዚ ሓድሽ በዓል ስልጣን ዝርከቦም፡ ሓሙሽተ ኣመሓደርቲ ኣአንጊዱ እዩ።

ምሻም እዚ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ባንክ ግን ኣብ ክሊ ምሁራን ክትዕ ዝፈጠረ ይመስል።

እቲ ሓደን ቀንድን ምኽንያት፡ ኣቶ ማሞ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዘለዎ ቅርበት ኣብ ስርሑ ጽልዋ ክፈጥር እዩ ዝብል ኰይኑ፡ ዘይሻራዊ ክሳብ ዘይኰነ ኸኣ ሓድሽ ሰብ ምምዛዝ ለውጢ ኣይፈጥርን እዩ ኢሎም ዝካትዑ ኣለዉ።

ንምዃኑ፡ ሓላፍነት ሃገራዊ ባንክ እንታይ እዩ? ስልጣን ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ’ኸ እንታይ ይመስል? እቲ ባንክ ዘይሻራዊ ትካል ኣይኰነን ዝበሃለሉ ምኽንያት’ከ?

ሃገራዊ ባንክ ነጻን ዘይሻራውን ድዩ?

በዓል ሞያ ስነቝጠባ ዋሲሁን በላይ፡ “ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ንበይኑ ዓቢይ ቁጠባዊ ውሳነ ከሕልፍ ኣይክእልን” ብምባል፡ እንተዀነ ናብ ባይቶ ሚኒስተራት መበገሲ ሓሳባት ብምቕራብ ንኽውሰን ናይ ምግባር ዓቕሚ ከም ዘለዎ የረድእ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ነጻን ዘይሻራውን ትካል ክኸውን ስለዝግባእ፡ እቲ ኣመሓዳሪ እውን ብተመሳሳሊ ዘይሻራዊ ክኸውን ትጽቢት ይግበር ይብል።

“ንኣብነት፡ ‘ገንዘብ ክነሐትም የብልናን፤ ዝህልዎ ረብሓን ጉድኣትን እዚ’ዩ’ ኢሉ ዝሰርሕ እዩ። ኣመሓደርቲ ሃገራዊ ባንክ ከም ዝደለኻዮ ክትእዝዞም ኣይትኽእልን”

እቲ ምሁር፡ እዚ ብመንጽር ‘ሎጂክ’ [ርትዒ] ክርአ እንከሎ ዋላ’ኳ ልክዕ እንተዀነ፡ እዚ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዘይተጋህደ ይዛረብ።

ኣብ ከም ኬንያን ጋናን ዝኣመሰላ ኣብ ምዕባይ ዝርከበ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ሃገራዊ ባንክ ካብ ጸቕጢ መንግስቲ ነጻ ዝዀኑ “ዘይሻራውያን ትካላት’ ምዃኖም ይዝረብ።

ንኣብነት፡ ሃገራዊ ባንክ ኬንያ ካብ 1996 [ኣ. ኣ] ጀሚሩ፡ ብመሰረት ውሳነ ባይቶ ካብ ዝዀነ ይዅን ኣካል ነጻ ኰይኑ ከም ዝሰርሕን ኣመራርሓ እውን ብክእለት ኣወዳዲሩ ከም ዝቘጽርን ይግለጽ።

“ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ብኣንጻሩ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ መንግስቲ ዘሎ ትካል እዩ” ይብል፡ በዓል ሞያ ቍጠባ ዓብዱልመናን መሓመድ።

ኣብ ሓንቲ ሃገር ክሕተም ዝግባኦ ገንዘብ፡ ብኣንጻር ሓፈሻዊ ሃገራዊ ዕብየት ፍርያት፡ ልዕሊ ክልተ ወይ ሰለስተ ሚእታዊት ክኸውን ኣይምከርን ዝብል ዋሲሁን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግን ልዕሊ እዚ ይሕተም ከም ዝነበረ ሓደ ሓደ መጽናዕቲታት ከም ዘመልክቱ ይጠቅስ። እዚ ድማ እቲ ሃገራዊ ባንክ ካብ ፖለቲካዊ ሓለፍቲ ሓራ ዘይምዃኑ ከም ዘርኢ ይሕብር።

እዚ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ንቐዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ይዅን ንፖለቲካዊ ውድብ ብዘለዎ ቅርበት “ኣይከውንን’ዶ?” ዝብል ሕቶ ዘልዕል'ዩ ይብል ኣቶ ዋሲሁን።

“ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ናብ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ብምድዋል ‘ገንዘብ ሓተም ወይ ኣይትሓተም’ ክትብል ኣይትኽእልን። ናብ ሓለፍቲ ‘ፊስካል ፖሊሲ’ ብምኻድ ግን ባጀት ይወሰኸለይ ምባል ይከኣል እዩ። መንግስቲ ካብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ባጀት ክሓትት ይኽእል እዩ” ይብል።

በዓል ሞያ ቍጠባ ኣቶ ዓብዱልመናን ግን፡ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ካብ ዝተመስረተሉ ግዜ ኣትሒዙ ነጻን ዘይሻራውን ትካል ኣይኰነን ዝብል ጽኑዕ መርገጽ እዩ ዘለዎ።

ዓብዱልመናን ከም ዝብሎ፡ እቲ ኣብ 2008 [ኣ.ኣ] ዝወጽአ ኣዋጅ፡ ሃገራዊ ባንክ ተሓታትነቱ ብቐጥታ ንቐዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ደሪኽዎ’ዩ፤ ስለዚ መራሒ እታ ሃገር ኣብቲ ባንክን ኣመሓዳርን ጸቕጢ ክገብሩ ስልጣን ኣለዎም።

ብተወሳኺ፡ ዋላ’ኳ እቲ ሃገራዊ ባንኪ ዕላማታቱ ዘፈጽም ኮሚቴ ፖሊሲ ገንዘብ እንተሃለዎ፡ ኣብ ተግባር ግን እቲ ኣመሓዳርን ቀዳማይ ሚኒስተርን ዝርከቡሉ ኮሚቴ ማክሮ-ቍጠባ ከም ዘሎ ዝገልጽ ዓብዱልመናን፡ እቲ ባንክ “ነጻነት ዘይብሉ፡ መንግስቲ ከም ድላዩ ጸቕጢ ዝገብረሉ ትካል እዩ” ይብል።

በዚ ምኽንያት'ዚ እዩ እምበኣር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ሓድሽ ሽመት ሃገራዊ ባንክ “ዘምጽኦ ለውጢ የለን” ዝብል ዓብዱልመናን መሓመድ።

እንተዀነ፡ እዚ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ባንክ ዓለም ይሰርሕ ስለ ዝነበረ፡ ምስ ዓለምለኻውያን ትካላት ገንዘብ ንዘሎ ርክብ ከሳልጦ ይኽእል'ዩ ዝብል ተስፋ ኣለዎ።

“ዲቫሉወሽን [ምድኻም ዓቕሚ ብር] እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣመሓዳሪ እቲ ባንክን ዘለውሉ ኮሚቴ ዝውስኖ ውሳነ’ዩ” ኢሉ።

ዳህሳስ ሃገራዊ ባንክ

ሃገራዊ ባንክ ቅድሚ ምቛሙ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ፈላማይ ባንክ ኣብ ዘበን መንግስቲ ሃፀይ ምኒልክ ዝተመስረተ ባንክ ኣቢሲንያ እዩ ነይሩ።

ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ጥሪ 1964 [ኣ] ስራሕ ከም ዝጀመረ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ባንክ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

እዚ ዘሎ ሃገራዊ ባንክ ኣብ 2008 ብዝተመሓየሸ ኣዋጅ ዝቘመ ክኸውን እንከሎ፡ “ቅልጡፍ ቍጠባዊ ልምዓት፡ ዝተረጋግአ ዋጋታትን ሸርፊ ወጻእን ንምምጻእ፡ ዝዕላማኡ ምዃኑ ጋዜጣ ነጋሪት ይገልጽ።

ሃገራዊ ባንክ ኣውራ ተራኡ ዝቕባበ ዋጋ (Monetary stability) ምቍጽጻር ምዃኑ፡ በዓልሞያ ቍጠባ ዓብዱልመናን መሓመድ የብርህ።

በዓልሞያ ቁጠባ ዋሲሁን በላይ ብወገኑ፡ ዋላ’ኳ ስሞም ይፈላለይ፡ ኣብ መላእ ዓለም ማእከላይ (ሃገራዊ) ባንክታት ኣለዉ ዝብል ይብል።

እቲ በዓልሞያ ከም ዝብሎ፡ ቍጠባ ሓንቲ ሃገር ንፖሊሲታት ‘ፊስካል’ን ‘ሞነታሪ’ን ብዝቈጻጸሩ ትካላት እዩ ዝምራሕ።

‘ፊስካል’ ፖሊሲ ማለት፡ ባጀት መንግስቲ ዘመሓድሩን ግብሪ ዝእክቡን ከም ሚኒስትሪ ገንዘብን እቶትን ዝኣመሰሉ ትካላት እዮም።

‘ሞነታሪ’ ወይ ንፖሊሲ ገንዘብ ዝመርሕ ድማ ሃገራዊ ወይ ማእከላይ ባንክ እዩ።

ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ስልጣን ኣለውዎ። እቶም ቀንዲ ዝበሃሉ እዞም ዝስዕቡ’ዮም።

•   ሳንቲምን ወረቐት ባጤራን ምሕታም፤ ቀረብ ገንዘብ እታ ሃገር ምክትታል

• መጠን ወለድን ካልኦት ክፍሊታት ገንዘብን ምክትታል

•   ሸርፊ ወጻኢ ምምስራትን እታ ሃገር ብደረጃ ዓለም ዘለዋ ርእሰማል ምምሕዳርን

•   ንባንክታት፡ ኩባንያታት ኢንሹራንስን ካልኦት ትካላት ገንዘብን ፍቓድ ምሃብን ምክትታልን

•   ባንክታትን ትካላት ገንዘብን ዝጥቀምሉ ማል ወርቅን ሸርፊ ወጻእን ደረቱ ምውሳን

•  ንመንግስቲ እታ ሃገር ወኪሉ ከም ባንከኛ፣ ወኪል ፊስካልን ኣማኻሪ ገንዘብን ኴንካ ምግልጋል

•   ኣብ ዓለማዊ ትካላት ገንዘብ ንኢትዮጵያ ምውካል

እዚ ሓድሽ ሽመት ኣካታዒ ዝዀነሉ ምኽንያት?

በዓልሞያ ቁጠባ ዮናስ ብሩ (ዶ/ር) ነዚ ሽመት ብትሪ ካብ ዝተቓወሙ ምሁራት እዩ።

ኣብቲ ንቐዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብመዳይ ቍጠባ ዘማኽር ቤት-ምኽሪ ኣቦ ወንበር ኰይኑ ዘገልገለ ዮናስ፡ ንምንታይ ነዚ ሽመት ከም ዝተቓወሞ ኣብ ዝገለፀሉ ጽሑፉ ሰለስተ ዓበይቲ ነጥብታት የልዕል።

ቀዳማይ፡ እቲ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ፡ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ቀረባ ሰብ ምዃኑን ኣባል ገዛኢ ውድብ ብልፅግናን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምዃኑን እዩ።

“ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ነጻን ዘይሻራውን ክኸውን ኣለዎ” ይብል።

“ዋላ’ኳ ማሞ ‘ብቝዕ በዓል ሞያ’ እንተዀነ፡ ንትምህርቱ ሞያኡን ተመኵሮኡን ዝምጥን ካልእ ስልጣን እንተዝወሃቦ ዝሓሸ ክስርሕ’ዩ ኢለ እኣምን” ብምባል፡ እቲ ካልኣይ ምኽንያት የቐምጥ።

ብሳልሳይ ደረጃ ዘቐምጦ ምኽንያት፡ እዚ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ፡ ኣብ ቀረባ ንዝተመስረተ [ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ] እናመርሐ፡ እቲ ትካል ገና ከይደልደለ፡ “ብትምህርትን ልምድን ብቝዕ ናብ ዘይኰነሉ” ቦታ ክመጽእ ኣይግባእን ዝብል እዩ።

ብሓፈሻ፡ ቍጠባ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝርከበሉ ኣብዚ እዋን ክግበር ዘለዎ ሽመት ከምዘይኰነ ኣብ ጽሑፉ ዝገልፅ ዮናስ፡ ኢትዮጵያ፡ ካብ ጋና፡ ናይጄርያን ኬንያን ልምዲ ክትወስድ ኣለዋ ይብል።

ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኬንያ ፓትሪክ ንጉጊ ጆሮጌ ካብ ዩኒቨርሲቲ የል ዶክትረይት ዲግሪ ዝረኸበ ኰይኑ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ገንዘብ እታ ሃገር እውን በዓልሞያ ቍጠባ ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ትካል ገንዘብ ዓለም (ኣይኤምኤፍ) ክሳብ ምክትል ሓላፊ ኰይኑ ሰሪሑ እዩ።

ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ጋና ብወገኑ፡ ኣብ ዎል ስትሪት ይዅን ካልኦት ሃገራውን ዓለምለኻውን ትካላት ገንዘብ ኣገልጊሉ’ዩ። ካብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምቢያ ብኢኮኖሚክስ ዲግሪ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ የል ስኩል ኦፍ ማኔጅመንት ድማ ማስተርስ ድግሪ ረኺቡ እዩ።

ግደ ሃገራዊ ባንክ

ዋሲሁን በላይ፡ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ “ሞነታሪ ፖሊሲ ክመርሕ ይኽእል’ዩ፤ ፍልጠትን ብቕዓትን ኣለዎ ተባሂሉ ስለዝእመን” እቲ ኣመሓዳሪ ዘምጽኦም ሓሳባት ጽልዋ ክፈጥር ተኽእሎ ኣሎዎ።

ብተወሳኺ፡ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ንሃገር ወኪሉ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ናይ ምዝርራብ መዝነት ዘለዎ ሰብ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ንዘሕልፎም ውሳነታት እታው ክኸውን ከም ዝኽእል የገንዝብ።

“ኣብ ማዕከናት ዜና፡ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ተለዊጡ ዝብል ዜና’ ደሚቝ ይስማዕ እዩ፤ ሚኒስተር መጓዓዝያ ወይ ሕርሻ ግን ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይረክብን እዩ፤ እዚ ኸኣ ሽመት ኣመሓዳሪ ኣብ ቍጠባ ሃገር ቀጥታዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ መርኣያ እዩ” ይብል።

ዋሲሁን ከም ዝብሎ፡ ሃገራዊ ባንክ ይዅን ኣመሓዳሪኡ ካብ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ሓራን ዘይሻራውን ክኸውን ከም ዘሎዎ ኰይኑ፡ ዓቕምን ብቕዓትን 'ቲ ኣመሓዳሪ ከኣ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ።

ዓብዱልመናን፡ “እቲ ባንክ ዘይሻራዊ እዩ ማለት ተሓታትነቱ ንባይቶን ንህዝብን ይኸውን፤ ፖለቲካዊ ሽመት ምዃኑ ተሪፉ፡ ብሞያዊ ይምራሕ ማለት እዩ” ብምባል፡ ዘይሻራዊ ስርዓተ ባንክ ዝቕባበ ንምክልኻል ዕዙዝ ተራ ከም ዘለዎ ይሕብር።

ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ባንክ ዘይሻራዊ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ትካላት ገንዘብ ከም ድላዮም ካብቲ ባንክ ክልቅሑ ኣይምኸኣሉን ነይሮም ይብል።

“እዚ ማለት ከም ዝተደለየ ብር ምሕታም ኣይከኣልን ማለት እዩ፤ ገደብ ይግበረሉ። መንግስቲ ከም ድላዩ ብር ክሕተም ኣይእዝዝን፤ እዚ ኸኣ ኣብ ምቍጽጻር ዝቕባበ ዝሐሸ ኵነታት ይፈጥር” ይብል።