ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክን ሚኒስተራትን ሸይሙ

Published

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ንዝነበረ ዶክተር ይናገር ደሴ ኣልዒሉ ብማሞ ምህረቱ ከምዝተከኦ ኣፍሊጡ።

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ናይ ዘፋነዎም መተካእታ ሓደሽቲ ሚኒስተራት ከምዝሸመ እውን ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጸ መግለጺ የረድእ።

ካብቶም ምኽንያቱ ከይተገለጸ ንዝተሰናበቱ ኣርባዕተ ኣባላት ካቢነ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝትክኡ ኣርባዕተ ሚኒስተራት ብተወሳኺ፡ ሃገራዊ ባንክ እታ ሃገር ሓድሽ ኣመሓዳሪ ተሸይሙሉ ኣሎ።

ልክዕ ከምቶም ካልኦት ሚነስተራት፡ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ዝነበረ ዶክተር ይናገር ደሴ እውን፡ ካብ መዝነቱ ዝተኣለየ ብፍቓዱ ወይ ካልእ ሓላፍነት ተዋሂብዎ እንተኾይኑ፡ ኣይተነጸረን። 

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ናይ ብር ናይ ምግዛዕ ዓቕሚ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናደኸመን ምስ ዶላር ዘለዎ መጠን ሸርፊ እናሰፍሐን ይኸደሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ሸይሙ ዘሎ።

ዶክተር ይናገር ደሴ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ናብ ስልጣን መስ መጸ፡ ድሕሪ ኣዋርሕ ኣብ 2011 ኣቆጻጽራ ግእዝ እዩ ሓላፊ ሃገራዊ ባንኮ ኮይኑ ተሸይሙ።

እታ ሃገር ከቢድ ዝቕባበ ገጢምዋ ናብራ ኣዝዩ ከቢሩ ምህላው ይግለጽ እዩ።  

ዓመታዊ ናህሪ ዋጋ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ልዕሊ 20% ክበጽሕ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 33% ነይሩ።

ሓድሽ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ መን እዩ?

ካብ 10 ጥሪ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ገዛኢ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝተሸመ ኣቶ ማሞ ምህረቱ፡ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ 100 ቢልዮን ብር ዝተጣየሸ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ኢትዮጵያ ኮይኑ እናሰርሐ ጸኒሑ።

ትካላት ልምዓት መንግስቲ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኢንቨስትመንት ዝተዋፈረ እዚ ትካል፡ መንግስታዊ ሃብቲ ኣብ ምምሕዳርን መዋእለ ንዋይ ወጻኢ ኣብ ምስሓብን ዝሰርሕን ኮይኑ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣካቢ ቦርድ ኮይኑ ይመርሖ።

ኣቶ ማሞ ቅድም ክብል ኣማኻሪ ቁጠባ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምኡ እውን ተደራዳሪ ጉዳያት ንግዲ ኮይኑ ዘገልገለ ክኸውን እንከሎ፡ ቅድሚኡ ድማ ኣብ ባንኪ ዓለም ላዕለዋይ በዓል ሞያ ነይሩ።

ኣቶ ማሞ ካብ ኣዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ ብሕጊ ዲግሪ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣምስተርዳም ብዓለምለኻዊ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዲፕሎማ፡ ከምኡ ድማ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ብስነ መንግስቲ ካልኣይ ዲግሪ ረኺቡ።

ካልኦት ዝተሸሙ ሰባት

ኣብዪ ኣሕመድ ሎሚ ዓርቢ 12 ጥሪ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ዝተፈላለዩ ሚኒስተራትን ኣማኸርትን ሸይሙ ኣሎ።

በዚ መሰረት ብ ወ/ሮ ዳግማዊት ሞገስ ተታሒዙ ዝነበረ ሓላፍነት ሚኒስትሪ መጉዓዝያን ሎጅስቲክስን ብዶክተር ኣለሙ ስሜ፡ ብኣቶ ታከለ ኡማ ተታሒዙ ዝነበረ መዝነት ሚኒስተር ማዕድን ብኣቶ ሃብታሙ ተገኝ ከምኡ’ውን ብኣቶ ዑመር ሑሴን ተታሒዙ ዝነበረ መዝነት ሚኒስተር ሕርሻ ብዶክተር ግርማ ኣመንቴ ክትካእ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ሓቲቱ ኣሎ። 

ብዘይካ’ዚ ኣቶ ማሞ ምህረቱ ኣመሓዳራ ሃገራዊ ባንክ፡ ኣምባሳደር ታዬ ኣጽቀስላሴ ኣማኻሪ ሚኒስተር ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣቶ መለስ ኣለሙ ብማእርግ ሚኒስተር ኣወሃሃዲ ዓውዲ ህንጸት ደሞክራሲ ኮይኖም ተሸይሞም ኣለው።

ወ/ሮ ኣለምጸሃይ ጳውሎስ፡ ሓላፊት ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ካቢነን፤ ድያቆን ዳንኤል ክብረት ከኣ ሚኒስተር ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስተር ምዃኖም'ውን ተገሊጹ።