ኣብ ረብሓ ከይውዕል መጠንቀቕታ ዝተወሃበሉ ሽሮፖ ሰዓል

ሽሮፖ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ብውሑዱ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከቡ ተቘጻጸርቲ መድሃኒት ጥምሮታት (‘ባችስ’) ‘ቤኒሊን ፔድያትሪክ’ ዝበሃል ሽሮፖ ሰዓል ኣብ ረብሓ ከይውዕልን ክእከብን ገይሮም።

ብውሕዱ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዘይቅቡል ልዑል መጠን ናይቲ መርዛምን ቀታሊ ክኸውን ዝኽእልን ‘ዳይቲሊን ግላይኮል’ ዝበሃል ንጥረ ነገር ምሓዞም ብምርመራ ድሕሪ ምርግጋጹ ጥምሮታት ሽሮፖ ሰዓል ‘ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን’ ክእከብ ገይረን።

ተቘጻጻሪ መድሃኒት ኬንያ ኣብ ትሕቲ ምልክት ትካል ‘ቤኒሊን ፔድያትሪክ’ ዝርከብ ጥምሮ ካብ ዕዳጋ ከምዘውጽኦ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ ነይሩ።

እዚ ድሕሪ’ቲ ካብ ሃገራዊ ኤጀንሲ ምምሕዳርን ምቍጽጻርን መግብን መድሃኒትን ናይጀርያ (ናፍዳክ) ዝተዋህበ ተመሳሳሊ መግለጺ ዝሰዓበ እዩ። ደቡብ ኣፍሪቃ እውን ክልተ ጥምሮታት ናይቲ ሽሮፕ ክእከብ ትጽውዕ ዘላ ኰይና፡ ሩዋንዳን ታንዛንያን ድማ ሓደ ጥምሮ ኣብ ምእካብ ይርከባ።

ቦርድ ፋርማሲን መርዛማትን ኬንያ - ፒፒቢ፡ እቲ ዝእከብ ዘሎ ሽሮፖ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝርከብ ትካል ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ኣብ ግንቦት 2021 ዝተሰርሐ ኰይኑ፡ እዋን ኣገልግሎቱ ከኣ ኣብ ሚያዝያ 2024 ከም ዝውዳእ ገሊጹ።

እቲ ቦርድ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ኵነታት መርመራ ጀሚሩ ከምዘሎ ወሲኹ ሓቢሩ። ኣብ መላእ ሃገር መጠንቀቕታ ብምሃብ ሰባት ነቲ ፍርያት ናብቶም ኣብ ቀረባኦም ዘለዉ ኣቕረብቲ ክመልስዎ ይመክር ከምዘሎ’ውን ንቢቢሲ ኣፍሊጡ።

ትካላት ክንክን ጥዕና ድማ ነቲ ፍርያት ብቕልጡፍ ኣብ መጽንሒ ክዕቅብኦ ከምኡ’ውን ዝርገሐኡን መሸጣኡን ደው ከብላ መምርሒ ሂቡ ኣሎ።

ኣብቲ ቦርድ ሓላፊ ምክትታል ድሕረ-ዕዳጋ ካሪም ዋንጋ፡ መጠን እቲ ብከላ ንምፍላጥ ብዝብል ነቲ ኣብ ኬንያ እቲ ፍርያት ንምእታው ሓላፍነት ዘለዎ ወኪል ውሽጢ ዓዲ፡ ኻልኦት ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ወጻኢ ዝኣተዉ ጥምሮታት እውን ንምርመራ “ኣብ መጽንሒ ክዕቀቡ” ክገብር መምርሒ ከምዝተወሃቦ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ምርመራታት ላቦራቶሪ ይካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ እቲ ትካል ተወሳኺ ስጉምቲ ኣድላዪ እንተኾይኑ ንምውሳን ውፅኢት ኣብ ምጽባይ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ኩባንያ ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ድሕሪ ምፍልላዩ ሕጂ ንምልክት (ብራንድ) ‘ቤኒሊን’ ዝውንን ዘሎ ኬንቪው ዝተብሃለ ትካል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ጥዕናን ድሕነትን" ፍርያቶም ዝጥቀሙ ሰባት "ቀዳምነት ዝወሃቦ" ምዃኑን ነቲ ጉዳይ "ኣዝዩ ብዕቱብ" ይከታተልዎ ከምዘለዉን ገሊጹ።

እቲ ኩባንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ ኤጀንሲ ምምሕዳርን ምቁጽጻርን መግብን መድሃኒትን ናይጀርያ (ናፍዳክ)፡ “ኣብ ሓቅነት ናይቲ ንመርኣዪ ዝተወሰደ ፍርያት ምርግጋጽ፤ ዝተጠቕመሉ ኣገባብ መርመራን እቲ ትካል ዝጸብጸቦ ውጽኢትን” ሓዊሱ ገምጋማት ይሰርሕ ከምዘሎ ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ ዝእከብ ዘሎ ሽሮፖ ስለምንታይ ክሳብ ክንድኡ ሓደገኛ ኰይኑ?

ናይጀርያዊ ተቘጻጻሪ ኣካል ናፍዳክ ከምዝብሎ፡ እቲ ‘ዳይቲሊን ግላይኮል’ ዝተበሃለ ንጥረ-ነገር ከም ቃንዛ ከብዲ፡ ተምላስ፡ ውጽኣትን ሕዱር መጕዳእቲ ኩሊትን ዝኣመሰሉ ከበድቲ ጸገማት ጥዕና ከስዕብ ይኽእል’ዩ።

ዳይቲሊን ግላይኮል ካብ 2022 ጀሚሩ ኣብ ጋምብያ፡ ኡዝበኪስታንን ካሜሩንን ምስ ዘጋጠመ ሞት ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ህጻናት ዝተኣሳሰር ኰይኑ ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ማዕበላት ምረዛ ብኣፍ ዝውሰድ መድሃኒት ተባሂሉ ይግለጽ።

ኣብ ካሜሩንን ጋምብያን ንዘጋጠመ ሞት ስዒቡ፡ ብዛዕባ ብህንዳዊ ኩባንያ ሜይደን ፋርማሲቲካልስ ዝፈረዩ ኣርባዕተ ዓይነታት ሽሮፖ ሰዓል ዓለምለኻዊ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ።

ሽዑ ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ሽሮፖ ምስ ሞት 66 ህጻናት ብምትሕሓዝ ኣብቶም መድሃኒታት “ቅቡል ዘይኮነ” መጠን መርዛማት ነገራት ከም ዝረኸበ ምግላጹ ይዝከር።

"ጭብጢ ኣለና - ነዞም መድሃኒታት መርሚርናዮም" ይብል ኣቦ መንበር ናይቲ ነቲ ሞት ዝመርመረ ፓነል ባይቶ ጋምብያ ኣማዱ ካማራ።

“ዘይቅቡል መጠን ‘ኤቲሊን ግላይኮልን ዳይቲሊን ግላይኮልን’ ዝሓዙ እዮም ነይሮም። እዚኣቶም ድማ ብቐጥታ ካብ ህንዲ ዝመጽኡ ኰይኖም ብመይደን ዝፈረዩ እዮም” ኢሉ።

ምንጻግ ክሲታት

ማይደን ፋርማሲቲካልስን መንግስቲ ህንዲን፡ ኣብ መንጐ እቲ ሽሮፖ ሰዓልን ሞት ህጻናትን ዝዀነ ምትእስሳር ከምዘየለ ብምሕባር ነቶም ክስታት ምንጻጎም ይፍለጥ።

ህንዲ፡ ኣብ ታሕሳስ 2023 እቶም ሽሮፖ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክፍተኑ ከለዉ ንደረጃታት ጽሬት ከምዘማልኡ ገሊጻ ነይራ። ብተወሳኺ ኩባንያታት ቅድሚ ፍርያቶም ናብ ወጻኢ ሃገራት ምልኣኾም መርኣዪታት ሽሮፖ ሰዓል ብመንግስቲ ኣፍልጦ ኣብ ዝተወሃቦም ኣብያተ-ፈተነ ክምርመሩ ግዴታ ምዃኑ ኣፍሊጣ።

ጋምቢያ እውን ካብ ሓምለ 2023 ጀሚራ ነዚ ረቛሕታት ኣብቶም ካብ ህንዲ ዝለኣኹ መድሃኒታት ኣተግቢራቶ እያ።

ህንዲ ኣብ መጋቢት 2023 ኣብ ዝተዛዘመ ፋይናንሳዊ ዓመት 25.4 ቢልዮን ዶላር (20 ቢልዮን ፓውንድ) ዝግመት መድሃኒት ናብ ወጻኢ ሰዲዳ። ካብዚ ድማ እቲ 3.6 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ተላኢኹ።