ካናዳ ስርዓተ ጥዕናኣ ንምምሕያሽ ኣስታት 150 ቢልዮናት ዶላር ክትምድብ እያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንግስቲ ካናዳ፡ ነቲ ዝደኸመ ስርዓተ ክንክን ጥዕና እታ ሃገር ንምሕጋዝ፡ ንልዕሊ 10 ዓመታት 200 ቢልየን ዳላር ካናዳ (149 ቢልየን ዳላር ኣሜሪካ) ንምምዋል ቃል ኣትዩ።
እዚ ከም ወለዶኣዊ ፅገና ስርዓተ ጥዕና እታ ሃገር ዝተወሰደ እማመ ምወላ፡ ብሰሉስ እዩ ወግዓዊ ኰይኑ ዘሎ።
ሆስፒታላት ካናዳ፡ ብሰንኪ ሕፅረት ሰራሕተኛታትን ነዊሕ ግዘ ብዝወስድ ድንጉይ ኣገልግሎትን ንኣዋርሕ ክቃለሳ እየን ፀኒሐን።
ተሓከምቲ፡ ሕክምና ንምርካብ እናተፀበዩ እንከለዉ ሂወቶም ከም ዝሓለፈ ዝገልፁ ፀብፃባት’ውን ወፅዮም እዮም።
ስርዓተ ጥዕና ካናዳ፡ ንኹሎም ዜጋታትን ኣብታ ሃገር ቀወምቲ ነበርት ንዝኾኑን ነፃ ሕክምና ክረኽቡን ኣብ ዝደለይዎ ሆስፒታልን ዶክተርን ኣገልግሎት ክረኽቡን፡ ብኸፈልቲ ግብሪ ዝምወል እዩ።
እዚ ክፍሊት ካብ ፌደራልን ክልላትን ብዝርከብ ገንዘብ ዝኽፈል ኰይኑ፡ ግና ብብርኪ ከባቢ እዩ ዝመሓደር። ኣስታት 25 ሚእታዊት ሓገዝ ብስግግር ጥዕና ካናዳ (Canada Health Transfer) ኣቢሉ ካብ መንግስቲ ፌደራል ዝርከብ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ጀስቲን ትሩዶ፡ ብዛዕባ እቲ ዝግበር ሓገዝ፡ ነቶም እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ንስርዓተ ክንክን ጥዕና ዝወፅእ ወፃእታት ወሰኽ ክገብር ብተደጋጋሚ ፀቕጢ ክገብሩ ንዝፀንሑ ኣመሓደርቲ ክልላት እዩ ኣቕሪቡ።
እንተኾነ ትሩዶ፡ ብዘይካ ኵነታዊ ኣጋጣምታት ወሰኽ ምወላ ከም ዘይገብር ዝገልፅ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ትሩዶ ብሰሉስ ምስ ኣመሓደርቲ ክልላለት ምዝታዩ ስዒቡ፡ “ካናዳውያን ኣብ ህዝባዊ መሓውራትና እምነት ምእንታን ክህልዎም፡ ሎሚ መዓልቲ ስጉምቲ ንወስድ ኣለና። እዚኣ ዓባይ ሃገር እያ፤ ብዓበይቲ ገስገስቲ ሓሳባት ዝተሃነፀት ዓባይ ሃገር” ብምባል፡ ናህቱ መንግስቲ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ወግዓዊ ገይሩ። =
እዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ትሩዶ ዘቕረቦ እማመ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ብድምር 196.1 ቢልየን ዶላር ንክንክን ጥዕና ክውዕል ዝጠልብ እዩ፤ ካብዚ እቲ 46.2 ቢልየን ዳላር ኣብ ልዕሊ እቲ ብባጀት ዝተትሓዘ ዝውሰኽ ሓድሽ ገንዘብ እዩ።
ጠቕላላ መጠን እዚ ንዝቕፅሉ 10 ዓመታት ናብ ክልላት ዝግበር ስግግር ጥዕና ካናዳ (Canada Health Transfer) ብ61 ሚእታዊት ክብ ዝብል እዩ።
እንተኾነ እዚ ወሰኽ ኣማሓደርቲ ግዝኣታት ካብ ዝጠልብዎ መጠን ዝነኣሰ እዩ። እቶም ኣማሓደርቲ፡ ትሩዶ ዓመታዊ 28 ቢልየን ወሰኽ ንክገብር እዮም ሓቲቶም ነይሮም።
ኣማሓዳሪ ማኒቶባ ሄዘር ስቴፋሰን፡ ብመጠን እቲ ገንዘብ “ከም ዝሓረቐት” ገሊፃ። ኣማሓዳሪ ኦንታርዮ ዶግ ፎርድ ድማ “መጀመሪ” ክብል ገሊፅዎ።
እቶም ኣማሓደርቲ፡ ነቲ እማመ ይግምግምዎ ከምዘለዉ ሓቢሮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ትሩዶ፡ ነዚ ናህቱ መንግስቲ ዝመደቦ ገንዘብ፡ “ኣብ ሓለዋ ጥዕና ዝተገበረ ዓብይ ኢንቨስትመንት” ኢሉ ዝገለፆ ኰይኑ፡ እዚ ገንዘብ እዚ ጥራሕ ግና ነቲ ይዳኸም ዘሎ ስርዓት ከስተኻክሎ ከም ዘይኽእል ገሊፁ።
ፍሉያት ዞባዊ ጉዳያት ንምፍታሕ፡ ምስ ነብሲወከፍ ግዝኣት ዝተፈላለየ ስምምዓት ከም ዝገብር ድማ ሓቢሩ።
መንግስቲ እታ ሃገር፡ ኣፈፃፅማ እቲ ስርዓት ብዝበለፀ ንምግምጋም፡ ክልላት ዝሐሸ መረዳእታ ክንክን ጥዕና ከቕርባ ሓቲቱ።
ኣብ ካናዳ ክንክን ጥዕና ዘኹርዕ ነጥቢ ኰይኑ እዩ ፀኒሑ፤ እንተኾነ ከም ካልኦት ብዙሓት ሃገራት መሓውር ጥዕና እታ ሃገር እውን ካብ ምጅማር ለበዳ ኮቪድ-19 ንነዘ እናወሰኸ ይኸይድ ምስ ዘሎ ፀቕጢ ይቃለስ ኣሎ።
ኣገልግሎት ሕክምና ንምርካብ ዝወስድ ናይ ምፅባይ ግዘ ይውስኽ ኣሎ።
ኣብ ኖቫ ስኮሽያ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል፡ ዶክተር ንምርኣይ ንሸውዓተ ሰዓታት ዝተፀበየት ጓል 67 ዓመት ሰበይቲ ኣብ ክፍሊ ህፁፅ ሕክምና ከም ዝሞተት ይግለፅ።
ተሓከምቲ ንሕክምናዊ መጥባሕትን ምርመራን ብዝወሃቡ መስርሕ ቆፀሮታት እውን ተሃስዮም እዮም።
ከም ሓበሬታ ባንኪ ዓለም፡ ካናዳ ካብ ጠቕላላ ሓፈሻዊ ፍርያት ልዕሊ 10 ሚእታዊት ንክንክን ጥዕና ወፃኢ ትገብር፤ እዚ ዓባይ ብሪጣንያ ንክንክን ጥዕና ምስ ተውፅኦ ተመሳሳሊ እዩ። ኣሜሪካ ድማ ልዕሊ 16 ሚእታዊት ንክንክን ጥዕና ወፃኢ ትገብር።
ስርዓት ክንክን ጥዕና እታ ሃገር ምስ ኣሜሪካ እንትነፃፀር እውን ዝለዓለ እዩ፤ ብመንፅር ገለ ዓለማዊ መለክዕታት ግና ካብ ናይ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦትን ዝነኣሰ እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
