ዋንጫ ዓለም 2026፡ ብገንዘብ ዝኸሰቡን ዝኸሰሩን

Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ዋንጫ ዓለም 2026 ብዓወት ስጳኛ ተወዲኡ ኣሎ፤ እዚ ን39 መዓልታት ኣብ ሰለስተ ሃገራት ክካየድ ዝቐነየ ጸወታ፡ ካብ ዝዀነ ቅድሚኡ ዝተኻየዱ ውድድራት እቲ ዝዓበየ እዩ።

ዝያዳ ሃገራት ክሳተፋ ምኽኣለንን ዝያዳ ግጥማት ምክያዶምን፡ ኣብቶም ዝውሰዱ ስጕምትታት ዝያዳ ትዅረት ይረክብ፣ ከምኡ'ውን ዝያዳ ዕድላት ገንዘብ ይህሉ ማለት እዩ።

ከዋኽብቲ ኩዕሶ እግሪ ዓለምና፡ ኣብ ሜዳ ታሪኻዊ ህሞታት ኣብ ዝፈጥሩሉ ዝነበሩ እዋን፡ ካብኡ ብቢልዮናት ዝቝጸር ገንዘብ ፈርዩ ኣሎ።

ኵሉ ሰብ ግን ብዙሕ ዶላራት ኣኪቡ ኣሎ ማለት ኣይኰነን፤ ስለዚ ገለ ብዙሕ ገንዘብ ብምርካብ ክኸስቡ ከለዉ፡ ገለ ፋይናንሳዊ ክሳራታት ገጢሙዎም እዩ።

ፊፋ - ዝኸሰበ

ኣመሓዳሪ ኣካል ኩዕሶ እግሪ ዓለም ፊፋ ካብ ዋንጫ ዓለም ዝረኽቦ መጠን ገንዘብ ማእለያ የብሉን።

ኣብ 2022 ካብ ቀጠር ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ 7.6 ​​ቢልዮን ዶላር ብምርካብ ክብረወሰን ዝሓዘ መኽሰብ ክረክብ ከሎ፡ ኣብ 2026 ኣብ ኣመሪካ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ካብ ዝተኻየደ 48 ጋንታታት ዝተሳተፋሉ ውድድር ዝረኸቦ ኣታዊ ክዓቢ ትጽቢት ይግበር።

ላዕለወይቲ ስትራተጂስት ዶች ባንክ ሰሪርች ማሪዮን ላቦር፡ ፊፋ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ዝረኸቦ ኣታዊታት ኣስታት 13 ቢልዮን ዶላር ብምርካብ "ብዘይ ሕቶ" ቀንዲ ተዓዋቲ እዚ ውድድር ምዃኑ ትዛረብ።

ኣታዊ ፊፋ ካብ መሸጣ ፈነወ፣ ፍቓድን መሰል ኣጋይሽ ምቕባልን፣ ውዕላት ምወላ (ስፖንሰርሺፕ)ን መሸጣ ትኬትን ዝመጽእ እዩ።

"ፊፋ'ውን ምስ ወግዓዊ ዕዳጋ ዳግመ-መሸጣ ናብ ካልኣይ ዕዳጋ ብምስግጋር ካብ ዓዳግን ሸያጥን 15% ክፍሊት ወሲዱ፡" ኢላ

ኣብ ዝመጽእ ውድድራት ካብዚ ዝያዳ ክንጽበ ይግባእ፤ ፊፋ ነቲ ውድድር ዳግማይ ናብ 64 ጋንታታት ንኸስፍሖ የሰላስል እዩ ዘሎ።

እዚ ድማ ንኸም ብዓል ቻይናን ህንድን - ከምኡ'ውን ምስኡ ዝመጽኡ ቢልዮናት ተወሳኺ ተዓዘብቲ ከጠቓልል ይኽእል።

ደገፍቲ - እቶም ዝኸሰሩ

ደገፍቲ ናይ ምሉእ ዕምሮም ሕልምታት ኣግሂዶም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ ብወጻኢታት ገንዘብ ግን እዚ ውድድር ኣዝዩ ከቢድ እዩ ነይሩ።

ንትኬት ጥራይ ዝወጽእ ገንዘብ ኣዝዩ ልዑል ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ፊፋ ዝተኸተሎ ስትራተጂ ምውጻእ ዋጋታት ነቐፌታ ገጢሙዎ እዩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ከይተረፈ፡ ሃገሩ ኣንጻር ፓራጓይ ኣብ ዝካየድ መኽፈቲ ውድድር 1000 ዶላር ዋጋ ትኬት ምስ ተሓተተ "ኣይከፍልን" ከም ዝበለ ተኣሚኑ።

ኣብ ኒውጀርሲ ኣብ ስታድዩም ሜትላይፍ ንዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ጸወታ ዝሽየጥ ትኬት ብወግዒ ብ32,970 ዶላር ክቐርብ እንከሎ፡ ገለ ናይ ዳግመ-መሸጣ ትኬታት ድማ ብልዕሊ 2 ሚልዮን ዶላር ተዘርዚሩ እዩ።

ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ፡ ወጻኢታት ትኬት ምስ ካልኦት ስፖርታዊ ውድድራት ኣመሪካ ዝሰማማዕ ምዃኑ ብምምጓት ነዚ ነቐፌታ ክከላኸለሉ ተሰሚዑ።

ካብ ትኬት ወጻኢ ደገፍቲ ብበረራታት፡ መግብን መዕረፊ ቦታን ብዘውጽኡዎ ወጻኢታት እውን ጁባኦም ተነጊፉ እዩ።

ሓደ ካብቲ ኣዛረብቲ ዜናታት ዝዀነ፡ ወሰኽ ትኬት ባቡር ኒውጀርሲ ትራንዚት እዩ።

ናብ ስታድዩም ሜትላይፍ ናይ 30 ደቓይቕ ጕዕዞ ባቡር ካብቲ ልሙድ ናይ ምምላስ ክፍሊት 12.90 ዶላር ናብ 150 ዶላር ወሲኹ።

ነቶም ጸወታታት ዘመሓላለፉን ዝመወሉን - ከሰብቲ

ነዞም ጸወታታት ዘመሓላለፉን ነቲ ውድድር ብተለቪዥን ንምቕራብ ብዙሕ ገንዘብ ከውጽኡ ክግደዱ እንከለዉ፡ እቶም ተዓዘብቲ ኣሃዛት - መወልቲ ምልክት ንግዶም ክርኣይ ብምግባር መሸጣኦም ሓፍ ክብል ተኽእሎ ኣሎ።

ፊፋ ነዚ ዋንጫ ዓለም ብዙሕ ዝዝረበሉ ናይ ምዝሓል (ሃይድሬሽን) ዕረፍቲ ኣምጺኡ እዩ - እዚ ስጕምቲ ኢንፋንቲኖ "ውጹእ ስፖርታዊ ጉዳይ እዩ" ዝበለ ኰይኑ፡ ፊፋ ካብዚ ተወሳኺ ኣታዊ የብሉን።

ይዅን እምበር ተጻወትቲ ንናይ ሰለስተ ደቓይቕ ዕረፍቲ ኣብ ዝኸድሉ እዋን፡ ነቶም ጸወታታት ዘመሓላልፉን መወልትን ሓድሽ ንግዳዊ ዕድል ፈጢሩሎም እዩ።

ንመሰል ፈነወ ኣመሪካ 485 ሚልዮን ዶላር ከም ዝኸፈለ ዝንገረሉ ፎክስ ስፖርት፡ ነቲ ናይ ዕረፍቲ ሰዓት "ዝመወላ ትካላት፡ ንግዲ ክርኣያ ይገብር ነይሩ።

ብመሰረት ክኢላታት፡ ኣብ ፎክስ ብማእከላይ ገምጋም ናይ 30 ካልኢት መወዓውዒ ዋንጫ ዓለም ካብ 200,000 ክሳብ 300,000 ዶላር ይሽየጥ።

ኣብ ናይ መወዳእታ መድረኻት ኣብ ዝተኻየደ ጸወታታት ኣመሪካ ክሳብ 750,000 ዶላር በጺሑ።

"እቲ ናይ ሃይድሬሽን ዕረፍቲ ጽሩይ ናይ መወዓውዒ ዝርዝር እዩ። እንተ ዘይከውን ኣዝዩ ምገረመኒ። እዚ ቅዲ ክቕጽል'ዩ፡ ምኽንያቱ ሕጂ ሞዴል ቢዝነስ ፊፋ ኰይኑ'ዩ፡" ትብል ማሪዮን።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብቢቢሲ ወይ ኣይቲቪ ጸወታታት ዝዕዘቡ ደገፍቲ፡ ኣብ ቢቢሲ ዝዀነ መወዓውዒ ብዘይምጥቃም፡ ኣይቲቪ ድማ ኣብ ውሽጢ 60 ደቓይቕ ዝጥቀምሉ መጠን መወዓውዒታት ብዝምልከት ብሕግታት ተቘጻጸርቲ ስለ ዝተገደቡ፡ ካብ ናይ ሃይድሬሽን ዕረፍቲ መወዓውዒታት ተኸልኪሎም እዮም።

ወግዓውያን መወልቲ ዋንጫ ዓለም፡ ንብራንድታት ምስቲ ውድድር ንምትእስሳር ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ይኸፍሉ። እንተዀነ፡ ኣብ መወዳእታ ብገንዘብ ከም ዝጥቀሙ ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ከም ብዓል ኣዲዳስን ኮካ ኮላን ዝኣመሰሉ ትካላት ኣብ ኵሉ ቦታታት መወዓዊዒታቶም ተጠቂዑ እዩ።

ኣዲዳስ፡ ምስቲ ቀንዲ መወዳድርቱ ናይክ ኣብ ከቢድ ንሕንሕ ኣትዩ እዩ፤ ላሚነ ያማል፡ ጁድ ቤሊንግሃምን ሊዮነል ሜሲን ዝሳተፍዎ ሓደ መወዓውዒኦም ኣስታት 50 ሚልዮን ፓውንድ ኣውጺእሉ።

ይዅን እምበር ገለ ዘይወግዓውያን ትካላት ምልክት ፊፋ ደገፍቲ ውሑድ ከም ዝርእይዎም ንምርግጋጽ ብምፍታኑ እውን ተጠቀምቲ ኰይኖም እዮም፤ ንኣብነት ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ኣብ ዝርከብ ስታድዩም ሌቪ ወጻኢ ዝነበረ ኣርማ ሌቪ ተሸፊኑ ነይሩ።

ዴቪድ ቤክሃም - ዝኸሰበ

ኣብቲ ቀንዲ መወዓውዒ ኣዲዳስ ብተወሳኺ ናይ ብኤኣይ ዝተሰርሐ ሰር ዴቪድ ቤክሃም - ብርግጽ ብኣካል ንኽስኣል ግዜ ዘይረኸበ ክኸውን ይኽእል እዩ - ነይሩ።

ናይ መጀመርታ ቢልዮነር ስፖርተኛ ብሪጣንያ፡ ካብ ሆም ዲፖ ክሳብ ባንክ ኣመሪካ ኣብ ብዙሕ መወዓውዒታት ተሳቲፉ እዩ።

ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ጫማኡ እኳ እንተ ሰቐለ፡ ቤክሃም ገጽ ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። እታ ብሓባር ዝውንና ኣመሪካዊት ክለብ ኢንተር ሚያሚ፡ 1.45 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኣ ፍራንቸይዝ ሜጀር ሊግ ኩዕሶ እግሪ ክትከውን ምዃና ይግመት።

ኣብ ሜዳ ዋንጫ ዓለም ክዕወት ኣይከኣለን ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ እንተዀነ ካብኡ ወጻኢ ኣብ ንግዳዊ ጸወታ ከም ዝተዓወተሉ ዘየካትዕ እዩ።

ኣአንገድቲ ከተማታት - እተን ዝኸሰራ

ኣብ መላእ ኣመሪካ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ዝርከባ 16 ኣአንገድቲ ከተማታት፡ ንኣቀባብላ ኣጋይሽ፡ ሆቴላትን ትካላት ንግዲ ውሽጢ ዓዲን ዘዕብዩ ዋሕዚ ኣድነቕትን በጻሕትን ክቕበላ ጸኒሐን እየን። ካብዚ ዝረኽብኦ ቍጠባዊ ረብሓ ውሑድ ምዃኑ ክኢላታት ይዛረቡ።

ፊፋ ኣስታት 41 ቢልዮን ዶላር ኣብ ቍጠባ ዓለም ክውሰኽ ምዃኑ ገሚቱ፡

ካብዚ እቲ 17 ቢልዮን ዶላር ንቝጠባ ኣመሪካ ጥራይ ከዕብዮ ምዃኑን፡ 185,000 ስራሕ ክፈጥሩን፡ መብዛሕትኡ ድማ ኣብ ምእንጋድን መዕረፊ ኣጋይሽን እዩ።

ኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክት ምሕደራ ኩባንያ ኦክስፎርድ ግሎባል ፕሮጀክትስ ኣሌክሳንደር ቡድዚየር ግን ከምዚ ዝበለ ዓቢ ስፖርታዊ ውድድር ምእንጋድ ዘለዎ ናይ ነዊሕ ግዜ ቍጠባዊ ረብሓታት ጭቡጥ ከም ዘይኰነ ይዛረብ።

ብርግጽ፡ ብዙሓት ምስቲ ውድድራት ካብ ዝመጽእ ዕግርግር ርሕቕ ክብሉ ስለ ዝደልዩ፡ ኣአንገድቲ ከተማታት ቍጽሪ በጻሕተን ምንቍልቋል'ዩ ዘርኢ ኢሉ።

ኣብ ምቝጻር ሰራሕተኛታት ምውሳኽ ክህሉ ይኽእል'ዩ፤ እዚ ግን ኣብ ኣጋይሽ ምቕባል ንዝተሓተ ደሞዝ ዘለዎም ዕዮታት ጥራይ ከም ዝኸውን ይምጕት።

"ስራሕ ይፈጥር እምበር ሃብቲ ኣይፈጥርን፡" ይብል።

ወግዓዊ ኣሃዛት ከም ዘመልክትዎ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ባራትን ቤት መግብታትን ምቝጻር ስራሕ ቅድሚ እቲ ኣብ ግንቦት ዝተኻየደ ውድድር ከም ዝወሰኸ እኳ እንተ ገለጸ፡ እቲ ዕቤት ግን ንሓጺር እዋን ዝተራእየ እዩ።

እቲ እንኮ "ዋጋ ዘለዎ" ቍጠባዊ ረብሓ፡ እቲ ክግበር ዝኽእል ፕሮጀክትታት ምሕዳስ ምዃኑ ይምጕት፤ እዚ ድማ ድሕሪ ውድድር ኦሎምፒክ 2012 ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ስትራትፎርድ ዝተሃንጸ ህንጻ ምስራሕ ክኸዉን ይኽእል።

መብዛሕትኡ እዚ ዋንጫ ዓለም ዝጸንሑ ስታድዩማት፡ ሆቴላት፡ ልምምድ ዝካየደሎም ቦታታትን ትሕተ ቅርጺ መጓዓዝያንን ስለ ዝተጠቐመ፡ "ካብ ልምዓት ዝዀነ ቍጠባዊ ረብሓ ኣይክህሉን'ዩ።"

ሆቴላት - እቶም ዝኸሰሩ

እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ጠለብ ክፍልታት ሆቴላት ኣይተረጋገጸን፡ ኣካላት ኢንዱስትሪ ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣአንገድቲ ከተማታት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወሓደ ምዝገባ ከም ዝተራእየ ጸብጺቦም።

ማሕበር ሆቴላት ብሪቲሽ ኮሎምብያ፡ ናይ መወዳእታ ኣሃዛት ምዝገባ ገና ክረጋገጽ እኳ እንተ ዘይከኣለ፡ ሰነን ሓምለን ግን "ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣጸቢቖም ዝወሓደ" ምንባሮም ይገልጽ።

እቲ ውድድራት "ን40 ተኸታተልቲ መዓልታት ሆቴላት ስራሕ ዝረኽባሉ ዕድላት ኣይፈጥሩን" ይብል፤ ኣብ ክንድኡስ ኣብ ፍሉይ ዕለታት ልዑል ጠለብ ከም ዘስዕብ ይገልጽ።

ንኣመሪካውያን ሰብ ሆቴል፡ እቲ ቅድሚ ውድድር ዝነበረ ሃይሃይታ'ውን ኣይሓገዞምን።

ማሕበር ሆቴላትን መንበሪ ኣባይትን ኣመሪካ (AHLA)፡ ፊፋ ንባዕሉ ዝጥቀመሉ ብዙሕ ክፍልታት ብምሓዝ ናይ ሓሶት ጠለብ ፈጢሩ''ዩ ክብል ከሲሱ። ፊፋ ነቲ ክሲ ኣፍልጦ ከም ዘይህቦ ገሊጹ።

ማሪዮን፡ ኣብ ፈረንሳ'ውን ኣብ 1998 እቲ ትጽቢት ዝተገበረሉ ጠለብ ክመጽእ ብዘይምኽኣሉ ተመሳሳሊ ነገር ከም ዘጋጠመ ትሕብር።

"ክሳብ ምያዝያ፡ 80% ሰብ ሆቴላት ኣመሪካ፡ ካብቲ ናይ መጀመርታ ትንበያኦም ንታሕቲ 'ቡክ' ከም ዝተገብረ ገሊጾም - ክልተ ሲሶ ካብ ሰብ ሆቴላት ኒውዮርክ ካብቲ ዝተጸበይዎ ንላዕሊ ዝተሓተ ምዝገባ ከም ዝገበሩን ኣብ ሲያትል ድማ ዳርጋ 80% ብዙሓት ነቲ ውድድር 'ዘይፍጻመ' ኢሎም ይጽውዕዎ፡" ትውስኽ።

ኩባንያታት ምውርራድ (ቤቲንግ) - እቶም ዝኸሰቡ

ዋንጫ ዓለም 2026 እቲ ዝዓበየ ውድድር ጠላዕ ክኸውን ዝተረፎ የሎን። ብገምጋም 50 ቢልዮን ዶላር ኣብ ጠላዕ ትሕጃ ከም ዝተገብረን - ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸወታ ኣስታት 500 ሚልዮን ዶላር ከም ዝተወራረደን ኣብ ኢንዱስትሪ ጠላዕ ተገዳስነት ዘለዎ ትካል ፋይናንሳዊ ኣገልግሎት ማክዋሪ ይሕብር።

እዚ ብቐንዱ ብሰንኪ ምዕባይ ጋንታታት ዝመጽእ ምዃኑን፡ ኣብዚ ጸወታ ካብቲ ኣብ 2022 ዝነበረ 64 ጸወታታት ወሲኹ ልዕሊ 100 ጸወታታት ከም ዝተኻየደን ይጠቅስ።

ዋና ፓዲ ፓወር፡ ቤትፌየርን ስካይ ቤትን ፍሉተር ኢንተርተይንመንት፡ ኣብ ኣመሪካ ከምኡ'ውን ብራዚልን ብዘሎ ዕብየት፡ ኣብ ውርርድ ዝኣቱ መጠን ገንዘብ ካብቲ ዝሓለፈ ውድድር ብዕጽፊ ክኸውን ምዃኑ ኣተንቢሁ።

ተንታኒ ማክዋሪ ቻድ ቤይኖን፡ ኣብ እዋን ጸወታ ዝግበር ምውርራድ ጠላዕ ካብቲ ዝያዳ ባህላዊ ዝዀነ ቅድሚ ጸወታ ዝነበረ ጠላዕ ከም ዝዛየደ ገሊጹ።

ጠላዕ ስፖርት ኣብ ኣመሪካ ገና ብተዛማዲ ሓድሽ ኢንዱስትሪ እዩ። ክሳብ 2018 ንስፖርት ተባሂሉ ዝእቶ ጠላዕ ኣብ ላስ ቬጋስ ኔቫዳ ጥራይ'ዩ ሕጋዊ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንብዙሓት ግዝኣታት ሕጋዊ ንምግባር መንገዲ ጸሪጉ።

ኣብ ካሊፎርንያን ቴክሳስን ሓዊሱ፡ ብዙሓት ግዝኣታት ኣመሪካ ግን ሕጂ'ውን ሕጋዊ ኣይገበርኦን።

ኣብዘን ከባቢታት ኣብ ቅድመ ትንበያ ዓቢ ወሰኽ ተራእዩ እዩ - እዚ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ፡ ብመንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ዝፍቶ ብቢልዮናት ዝቝጸር ኢንዱስትሪ ከም ጠላዕ ኣይውሰድን።

እዚ ማለት ሓደ ሰብ ኣብ ኣየናይ ግዝኣት ይሃሉ ብዘየገድስ ኣብ ስፖርት ትሕጃ ገይሮም ክጣልዑ ይኽእሉ።