ኣብ ኣምሓራ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ድሮን ከምዘሻቐሎ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጸሙ ዘለዉ መጥቃዕትታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ[ድሮን] ኣመና ከም ዘሻቐሎ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
እቲ ኮምሽን ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ይካየድ ብዘሎ ቀጻሊ ጎንጽን መጥቃዕቲ ድሮንን ኣብ ህዝቢ እቲ ክልል የብጽሖ ዘሎ ኣዕናዋይ ጉድኣት ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ ኣፍሊጡ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት መወዳእታ [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ይካየድ ብዘሎ ጐንፂ ምኽንያት ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉን፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸሙን ንኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓዊስካ ካልኦት ትካላት ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።
ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ጎንጺ ኣድሂቡ መግለጺ ኣውጺኡ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ መግለጺኡ ግን ብፍሉይ ኣብቲ ክልል ብሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፍጸሙ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ሰለማውያን ሰባት ጉድኣት የብጽሑ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ንኣብነት ጥቅምቲ 26 [2016] ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ዋደራ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ሰለስተ መምሃራን ዝርከብዎም ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐተሉ እቲ ጸብጻብ የረድእ።
እቲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣስዒቡ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ትምህርቲ ሓደ ገጽ ግን ዕጡቓት ፋኖ ከምዝነበሩ ጸብጻባት ከምዝበጽሕዎ’ውን ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።
ብተመሳሳሊ ዕለት 29 ጥቅምቲ [2016] ኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ዝርከብ ሓደ መዋፈሪ ኣውቶብሳት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ናብ መኪና ክሳፈሩ ይጽበዩ ዝነበሩ 13 ሰባት ከምዝተቐተሉ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣመላኺቱ።
እዚ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ ግዜ፡ ዕጡቓት ፋኖ ኣብቲ ከባቢ ይንቀሳቐሱ ከምዝነበሩን ኣብ ከተማ ደብረማርቆስ ኢሉ’ውን ምብራቕን ምዕራብን ዞባታት ጎጃም ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ እቲ ጸብጻብ የረድእ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ማእኸላይ ጎንደር ከተማ ጯሂት ኣብ ጥቓ መንበሪ ኣባይቲ ብዝፈነውዎ ናይ ከቢድ መሳርሒ መጥቃዕቲ 6 ክሞቱ እንከለዉ 14 ድማ ከምዝቖሰሉ ዝሓበረ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ መብዛሕቲኦም ኣብ ውሽጢ ገዝኦም እንከለዉ ከምዝተቐተሉ ሓቢሩ።
ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መጥቃዕታት ኣብ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ መሰል ሕግታት “ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ህይወት ደቂ ሰባት ምስ ምጥፋእ” ዝመሳሰል ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕጡቓት ፋኖ ይወስድዎ ብዘለዉ ስጉምቲ 21 ሰበ ስልጣናት መንግስትን ውድብ ብልጽግናን ከምዝተቐተሉ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብ ልዕሊ እቶም ሰበ ስልጣናት ዝተወሰደ ስጉምቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 17ን 29 [2016] ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ደቡብ ጎንደር ከተማ ኣለም በርን ዞባ ኣዊ ወረዳ ጅባይትን ከምዝተፈጸመ ተጠቒሱ’ሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተውሃበ መግለጺ ኣመልኪቱ ዛጊድ ዝሃቦ መልሲ የለን።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘተኮረ ድኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ካልእ ክፋል ኢትዮጵያ’ውን እንተኾነ ዝቕጽል ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ማእሰርትን የሻቕሎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ዝነበሩ ዕጡቓት ከም ብሓድሽ ንምውዳብ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ምኽንያት ምስ መንግስቲ ፌደራል ተሰሊፎም ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝዋግኡ ዝነበሩ ዕጡቓት ፋኖ ካብ ዝሓለ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም ኣንጻር ሰራዊት መንግስቲ እታ ሃገር ይዋግኡ ከምዘለዉ ይፍለጥ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
