ተዓዘብቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቈሲሎም

ኣብ ሊባኖስ እትርከብ ቁሸት ርመሽ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ሰለስተ ተዓዘብቲን ሓደ ተርጓሚን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ከተማ ርመሽ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ከምዝቘሰሉ ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሊባኖስ፡ እስራኤል ኣብቲ ፍንጀራ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢድ ከምዘለዋ'ኳ እንተገለጸ፡ ሰራዊት እስራኤል ግን ተሓታቲ ምዃኑ ነጺጉ።

እቶም ዝተጐድኡ ሕክምና ይረኽቡ ከምዘለዉ ዝገለጸ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ዩኒፊል፡ ጠንቂ እቲ ፍንጀራ ይምርምር ከምዘሎ ሓቢሩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብቲ ዘይወግዓዊ ዶብ እስራኤልን ሊባኖስን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ስዒቡ'ዩ።

ዩኒፊል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተሓንጸጸ ንደቡባዊ ሊባኖስ ካብ እስራኤል ዝፈላሊ ሰማያዊ መስመር ብእግሩ ኮለላ ዝገብር ዝነበረ ጕጅለ ቦምባ ከምዝተፈንጀረ ሓቢሩ።

ንዓቃብ ሰላም ዒላማ ምግባር "ቅቡል ኣይኰነን" ክብል ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒንዎ።

ብዛዕባ ዜግነት እቶም ተዓዘብቲ ይዅን ኵነታቶም ዝዀነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን። እቲ ሊባኖሳዊ ተርጓሚ ግን ኣብ ርጉእ ኵነታት ይርከብ።

ብመንግስቲ ሊባኖስ ዝመሓደር ሃገራዊ ማዕከን ዜና፡ እስራኤል "ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ" ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብቲ ተዓዘብቲ ዝቘሰሉሉ ከባቢ ወፍሪ ከምዘካየዳ ሓቢሩ።

ሰራዊት እስራኤል ነዚ ብምንጻግ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብኣንጻር እቲ ጸብጻባት፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ከባቢ ርመሽ ዋላ ሓንቲ መኪና ዩኒፊል ኣይሃረማን" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ኣብ ዘይወግዓዊ ዶብ እስራኤልን ሊባኖስን መሊሱ ወጥሪ ተላዒሉ፡ ብኽልቲኡ ወገን ድማ ጉድኣት በጺሑ’ዩ።

እስራኤልን ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህን ዳርጋ መዓልታዊ መጥቃዕትታት ስግር ዶብ ተለዋዊጦም እዮም፤ ብ7 ጥቅምቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ ዝተጀመረ ኲናት እስራኤልን ቓዛን ስዒቡ ዝጀመረ እዩ።

ሕዝቦላህ ምስ ኢራን ጥቡቕ ርክብ ዘለዎን መሓዛ ሓማስ ዝዀነን ሊባኖሳዊ ሺዓ ኣስላም ዕጡቕ ጕጅለ እዩ።

ብዓርቢ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ልዕሊ እቲ ጕጅለ ኣብ ሊባኖስ ዝፍጽሞ መጥቃዕቲ ክውስኽ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

"ንሕዝቦላህ ካብ ምምካት ናብ ብንጥፈት ምጥቃዕ ክሰጋገር'ዩ" ኢሉ ነይሩ።

"ኣብ ዝተሓብኡሉ ቦታ ክንሃድኖም ኢና።"