እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ዩክረይን ተሰሊፎም ክዋግኡ ዝሓዘቶም ሰለስተ ወጻእተኛታት ንሞት ፈሪዳ
ሩስያ፡ ኣብ ጐድኒ ዩክረይን ክዋግኡ ዝሓዘቶም ክልተ ብሪጣንያውያንን ሓደ ሞሮካውን ንሞት ፈሪዳ።
ብሪጣንያውያን ኤይደን ኣስልን ሻውን ፒነርን ከምኡ'ውን ሞሮካዊ ብራሂም ሳውዱን ብዕሱብነት ተኸሲሶም ናብቲ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ዝተሰየመ ወኪል ቤት ፍርዲ ሩስያ ከም ዝቐረቡ ሃገራዊ ማዕከን ዜና ሩስያ ሓቢራ።
እቲ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘይብሉ ቤት ፍርዲ ኣብታ ደጋፊት ሩስያ ዝዀነት ንባዕላ ሪፐብሊክ ህዝቢ ዶነስክ ኢላ እትጽውዕ ግዝኣት እዩ ተጣይሹ።
ዓባይ ብሪጣንያን ዩክረይንን እቲ ፍርዲ ንሕጋጋት ዓለምለኻዊ መሰል ምሩኻት ዝጥሕስ እዩ ብምባል ኮኒነናኦ ኣለዋ።
ኣዝማድ ናይቶም ብሪጣንያውያን፡ እቶም ምሩኻት ንነዊሕ ግዜ ዘገልግሉ ኣባላት ሰራዊት ዩክረይን እምበር ዕሱባት ከም ዘይኮኑ እዮም ክገልጹ ጸኒሖም።
እቶም ምሩኻት ይግባይ ክሓቱ ከም ዝደልዩ ጠበቓ ናይቶም ተኸሰስቲ ምግላጹ ማዕከን ዜና ታስ ገሊጻ።
ሩስያ፡ ዕሱብነት፡ ብሓይሊ ስልጣን ንምሓዝ ብምፍታንን ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ስልጠና ብምውሳድን ዝብል ክሲ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰለስተ ውልቀ ሰባት ኣቕሪባ።
ክልቲኦም ዜጋታታ ክተፍትሕ ምስ መንግስቲ ዩክረይን ክትሰርሕ ዝጸንሐት ብሪጣንያ በቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ኣዝያ ከም ዝተሻቐለት ገሊጻ ኣላ።
ምሩኻት ኲናት “ንመጥቀሚ ፖለቲካዊ ዕላማ ክውዕሉ ኣይግባእን” እውን ኢላ።
ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ሊዝ ትሩስ እውን ነቲ ፍርዲ “ሓቅነትን ቅቡልነትን ዘይብሉ” ክትብል ኮኒናቶ።
ብሪጣንያውያን ወዲ 28 ዓመት ኣስሊን ወዲ 48 ዓመት ፒነርን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እዮም ብሓይልታት ሩስያ ተታሒዞም።
ኣስሊን ዩክረይናዊት ኣፍቃሪት ከም ዘላቶ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ምሩኻት ካብ 2018 ጀሚሩ ኣብ ዩክረይን ከምዝጸንሑ ተገሊጹ።
ሓደ ኣባል ባይቶ 'ቲ ኣስሊን ዝነብረሉ ከባቢ ባይቶ፡ ብሪጣንያ ንኣምባሳደር ሩስያ ብምጽዋዕ ብዛዕባ እቲ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ ምሩኻት ክትሓቶ ጸዊዑ ኣሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ፡ ሩስያ ንዝማረኸቶም ዜጋታት ወጻኢ ከም ዝኾነ ምሩኽ ክትሕዞም እምበር ከተጋፍዖም ኣይግባእን ክብል ተዛሪቡ።