እስራኤል ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ፍልስጤም ጀኒን መጥቃዕቲ ኣካይዳ

መዓስከር ጀኒን
Published

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ፍልስጤም ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ጀኒን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ስርሒት ተካይድ ከምለዘላ ተፈሊጡ።

እቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተሰኒዩ ከምዝተጀመረን፡ በቲ መጥቃዕቲ ሓያሎ መንበሪ ኣባይቲ ክቃጸል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ኣሳእል የርእዩ።

በቲ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ዛጊት ሰለስተ ፍልስጤማውያን ክሞቱ እንከው ልዕሊ 20 ድማ ቆሲሎም ኣለው።

ሰራዊት እስራኤል፡ "ኣብ ከባቢ ጀኒን ዝርከብ ግብረሽበራዊ ትሕተ ቅርጺ" ይሃርም ከምዘሎ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

"ግብረ ሽበራውያን ንመደበር ጀኒን ከም መሕብኢ ተጠቒሞም ንሰላማውያን ሰባት ክጐድኡ ኢድና ኣጣሚርና ኣይንርኢን ኢና’’

ክብል እቲ መግለጺ ኣረዲኡ።

እቲ መዓስከር "መፍረዩ ግብረሽበራውያን" ምንባሩ’ውን ሰራዊት ምኽልኻል እስራኤል ከሲሱ።

ፍልስጤም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣንጻር እስራኤል ዝቓለሱ ፍልስጤማውያን ጕጅለታት ፋታሕ፡ ሓማስን እስላማዊ ጅሃድን ዝመጹ ዕጡቓት ዝሓቘፈ ወተሃደራዊ ጽላል ቦጦሎኒ ጀኒን ብወገኑ፡ "ክሳብ ናይ መወዳእታ ትንፋስን ጥይትን ነዚ ጎባጢ ሓይሊ ክንቃለሶ ኢና፡ ኩሎም ውድባትን ወተሃደራዊ ቅርጻታትን ድማ ብሓባርን ንሰርሕ ኣለና" ኢሉ። "

ነባሪ እቲ መዓስከር ኣቶ ኣሕመድ ዛኪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ብርክት ዝበላ መካይን ሰራዊት እስራኤል ካብ ሓያሎ ጎደናታት ናብቲ መዓስከር ኣትዮም" ኢሉ።

ፍልስጤማዊ መራሒ ኣምቡላንስ ኻልድ ኣላህመድ፡ "ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝካየድ ዘሎ ናይ ብሓቂ ኲናት'ዩ" ክብል ገሊጽዎ’ሎ።

"ካብ ሰማይ ነቲ መዓስከር ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕትታት ነይሩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓተ ኣምቡላንስ ሒዝና ንጓዓዝ፡ ዝተጐድኡ ሰባት ሒዝና መሊእና ንመለስ" ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰራዊት እስራኤል ናብ መዓስከር ጀኒን ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሽዱሽተ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም ነይሮም። ብወገን እስራኤል ድማ 7 ወተሃደራትን ኣባላት ሓለዋ ዶብ ቆሲሎም ምንባሮም ይፍለጥ።