እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰብኣዊ ሓገዝ ብኣርባዕተ መስመራት ናብ ትግራይ ይኣቱ ኣሎ - ሕቡራት ሃገራት
ኣብ ሞንጎ ፌደራል መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ስምምዕ ሰላም ካብ ዝፍረም ጀሚሩ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብዝርከቡ ኣርባዕተ መስመራት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ይበጽሕ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ኣፍሊጡ።
ኦቻ ትማሊ ሓሙስ 06 ታሕሳስ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ዘውጽኦ መዓልታዊ መግለጺ፡ ካብ 06 ሕዳር ክሳብ 29 ሕዳር 2015 ኣብ ዝነበሩ መዓልታት መሻርኽቲ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና ልዕሊ 1600 መካይን ሰዲዶም ኢሉ።
እቲ መግለጺ፡ ልዕሊ 63,800 ሜትሪክ ቶን መግቢን ልዕሊ 4,000 ሜትሪክ ቶን ቀረብ ናውቲ ጥዕና፡ መዕቆቢ፡ ትምህርቲ፡ ማይን ፅሬትን ናብ ትግራይ ከምዝበፅሐ ይሕብር።
"ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ሰራሕተኛታትና ብዝሃቡና ሓበሬታ መሰረት፡ ካብ ስምምዕ ሰላም ጀሚሩ፡ ናብ ትግራይ ሓገዝ ዝልኣኸሉ ኣገባብ እናተመሓየሸ መጺኡ'ሎ" ይብል እቲ ኦቻ ዘውጽዖ መግለጺ።
ወሲኹ'ውን፡ መኣዛዊ መግብን ናውቲ ሕክምናን ብሰብኣዊ በረራታት ከምዝበጽሐ ጠቒሱ።
ኣብ ስምምዕ ሰላም ካብ ዝተኻተቱ ቀንዲ ነጥብታት፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ነቲ ግጭት ምግታእ፡ ዝተቛረጸ ኣገልግሎት ቴሌፎን፡ ኤሌክትሪክ፡ ኢንተርነት፡ በረራን ባንክን ምምላስ፡ ከምኡ’ውን ቅልጡፍ ቀረብ ደረት ኣልቦ ሰብኣዊ ሓገዛት የጠቓልል።
ካብቲ ስምምዕ ሰላም ጀሚሩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ካልኦት ሰብኣዊ ትካላትን ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ይሰዱ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም። እንተኾነ መጠን እቲ ዝድለ ሓገዝ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ሓገዝ እኹል ከምዘይኮነን ተወሳኺ ሓገዝ ብቕልጡፍ ክለኣኽ ከምዘለዎን ተገሊጹ ኣሎ።
ብዘይካ እዚ፡ ቅድሚ ሕዚ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ኢሉ ከምዝነበረ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ሕዚ ዝለኣኽ ዘሎ ሓገዝ ቀጻልነቱ ክረጋገፅ ከምዝግባእ የተሓሳስብ።
“ተበጽሕነቱ ንምስፋሕ ተኸታታሊ ሰብኣዊ በረራታት ይካየድ ኣሎ። ናብ ትግራይ ካብ ዝግበሩ ሰብኣዊ በረራታት ብተወሳኺ፡ 30 ሕዳር 2015 ናይ ረዲኤት ሰራሕተኛታትና ካብ መቐለ ናብ ሽረ ተጓዒዞም ኣለው። ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቲ ጉዕዞ ይቕጽል ኣሎ” ይብል እቲ መግለጺ።
ኣክሱምን ሽረንን ሓዊሱ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክን ቴሌኮሙኒኬሽንን ከምዝተመልሰ ዝገለጸ ኦቻ፡ "እዚ ንሰብኣዊ ሓገዝ ኣወንታዊ ስጉምቲ'ዩ" ኢሉ።
"መሰረታዊ ግልጋሎት ናብ ህዝቢ ኣብ ምምላስ ተወሳኺ ምምሕያሽ ክረአ ኣለዎ"።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቶም በቲ ኲናት ዝተሃስዩ ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝካየድ ዘሎ ድጋፍን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ከምዝወሰኸ ኣፍሊጡ።
"ብፍላይ ነቶም ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎም ብሰንኪ ምንካይ ስግኣት ጸጥታ ናብ ዓድታቶም ዝምለሱ ዘለዉ ዜጋታት ዝያዳ ደገፍ የድልዮም"።