እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ግብጺ ብወርቂ ዝተለበጠ ጥንታዊ ሬሳ ተረኺቡ
ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ፡ ብወርቂ ዝተለበጠ ሙምያ (ሬሳ ቀዳሞት ምስራውያን) ካብ እምኒ ተጸሪቡ ኣብ ዝተዳለወ ጥንታዊ መቕበሪ ሳንዱቕ ከም ዝረኸቡ ገሊጾም።
እቲ ሳንዱቕ ንልዕሊ 4300 ዓመታት ከም ዘይተኸፈተ’ውን እቶም ተመራመርቲ ሓቢሮም።
እቲ ሬሳ ናይ ሄካሸፐስ ናይ ዝተባህለ ሰብኣይ ምዃኑ ዝተገለጸ ሙምያ፡ ኣብ ግብጺ ሓደ ካብቶም ጥንታዊ ዝዀኑ፡ ገለ ከይጎደሎም ዝተረኸቡ፡ ካብ ንጉሳዊ ስድራቤት ወጻኢ ዝዀኑ ኣስከሬናት ምዃኑ ይእመን።
እቲ ኣስከሬን ካብ ካይሮ ንሸነኽ ደቡብ ኣብ ዝርከብ መኻነ መቃብር ሳቕራ እዩ ተረኺቡ።
ካብቶም ተፋሒሮም ዝወጽኡ ሙምያታት እቲ ዝዓበየ ናይ ሓደ ኸኑምጀደፍ ዝተባህለ ካህን እዩ።
ካልእ ከኣ ናይ ሜሪ ዝተባህለ ሰብኣይ ኰይኑ፡ “ሓላዊ ምስጢር” ዝብል ማዕርግ ዝተዋህቦ ላዕለዋይ በዓል መዚ ቤተ መንግስቲ እዩ።
ኣበቲ መቓብር ስራሓት ካይላ ዝርከብዎ ካልእ ዝተፈላለየ ነገራት’ውን ተረኺቡ።
ሚኒስተር ቅርስታት ግብጺ ነበር፡ ተመራማሪ ስነ ጥንቲ ዛሂ ሃዋስ እቶም ርኽበታት ኩሎም ካብ ከባቢ መበል 25 ክሳዕ 22 ክፍለ ዘበን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝነበሩ ምዃኖም ገሊጹ።
ሳቕራ ንልዕሊ 3000 ዓመታት ቦታ መቓብር ኰይኑ ዘገልገለ ስፍራ ክኸውን እንከሎ፡ ብዩኔስኮ ዓለምለኻዊ ቅርሲ ተባሂሉ ተመዝጊቡ እዩ።
እቲ ከባቢ ጥንታዊት ርእሰከተማ ግብጺ፡ መምፊስን ብዙሓት ሃረም (pyramids) ዝርከቡሉን እዩ።
ቅድሚ ሓደ መዓልቲ’ውን፡ ተመራመርቲ፡ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ላክሰር ግብጺ፡ ሓንቲ ኣብ ዘመነ ሮማውያን (ሳልሳይ ክፍለዘበን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ) ዝነበረት ከተማ ምርካቦም ገሊጾም ኔሮም።
ግቢጺ ከም ኣካል ናይቲ በጻሕቲ ሃገር ንምስሓብ እትገብሮ ጻዕሪ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ጥንታዊ ነገራት ምርካባ ክትገልጽ ፈኒሓ እያ።
ኣብዚ ዓመት ክኽፈት ትጽቢት ዝግበረሉ ዓቢይ ቤተ መዘክር ግብጺ ክሳዕ 2028 ኣብ ዘሎ ግዜ ከባቢ 30 ሚልዮን በጻሕቲ ክስሕብ ምዃኑ መንግስቲ ይትስፎ።
ነቐፍቲ ግና፡ መንግስቲ ብዙሓት በጻሕቲ ንምስሓብ ኣብ ክንዲ ዕቱብ ኣካዳምያዊ መጽናዕቲ ዓቓልቦ መራኸቢ ብዙሓን ናብ ዝስሕቡ ርኽበታት ከም ዘቐደመ ይገልጹ።