እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሒጃብ ዝኽደና ደቂ ኣንስትዮ ግብፂ ኣድልዎ የጋጥመን ኣሎ ተባሂሉ
ኣብ ግብጺ ሒጃብ ዝኽደና ደቂ ኣንስትዮ ብንግዳዊ ትካላት ኣድልዎ ይግበረለን ከምዘሎ መርመራ ቢቢሲ ዓረብኛ ኣረጋጊጹ።
እቲ መርትዖ ነቲ ኣብ ሃይማኖት፣ ጾታ፣ ዓሌት ወይ ማሕበራዊ ደርቢ መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ዝኽልክል ቅዋም ግብጺ ዝጥሕስ እዩ።
ካብ 2015 ኣትሒዙ፡ ሒጃብ ዝኽደና ግብጻውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብኸምዚ ዓይነት ኣተሓሕዛ ይማረራ ከምዘለዋ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክገልጻ ጸኒሐን እየን።
ኣብ ካይሮ ኣካያዲት ስራሕ መጽናዕቲ ኮይና ትሰርሕ ጓል 25 ዓመት ማያር ዑመር፡ ናብ ልዑል ዋጋ ዘለዎም ቤት መግቢ ኣብ ዝኸደትሉ ግዜ ተደጋጋሚ ጸገማት ከምዘጋጠማ ትዛረብ።
"ኣብ ሓደ ቦታ ኣቲኻ ዓርስኻ ክትከውን ከም እትኽእል ክትፈልጥ ወይ ዝኾነ ሰብ ገለ ነገር ክትገብር ከምዘየገድደካን ጠንቂ ጸገም ከምዘይኮንካ ክስምዓካ ትደሊ" ትብል።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጉጅለታት ኣነባብራ ሒጃብ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ብርክት ዝበሉ ቦታታት ሒጃብ ተኸዲነን እንተኾይነን ምእታው ከም ዘይፍቀደለን ዘመልክት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዝንባለ ከምዘሎ ቢቢሲ ዓረብኛ ይሕብር።
"ኣብ መብዛሕትኡ እዋን እቲ ቀንዲ ጠንቂ ደርባዊ ምትእስሳር'ዩ" ትብል ጠበቓን ተጣባቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ዝኾነት ናዳ ናሻት።
"ስለዚ ከም ላዕለዋይ-ማእከላይ ወይ ላዕለዋይ ደርቢ ክርኣዩ ድልየት ኣብ ዘለዎም ቦታታት ኣብ ልዕሊ ሒጃብ ዝኽደና ደቂ ኣንስትዮ ኣድልዎ ይፍጸም ኣሎ" ክትብል ተረድእ።
ኣስዕብ ኣቢላ "ግን ኣብ ታሕተዋይን ማእከላይን ደርቢ ድማ ኣብ ልዕሊ ሒጃብ ዘይኽደና ደቂ ኣንስትዮ'ውን ይፍጸም ከምዘሎ ፈሊጥና ኢና" ትብል።
ቢቢሲ ዓረብኛ፡ ኣብ መላእ ካይሮ ኣብ ልዕሊ ሒጃብ ዝኽደና ደቂ ኣንስትዮ ኣድልዎ ከምዝፍጽሙ ብኢንተርነት ኣብ ዝተነቐፉ 15 ብሉጻት ቦታታት ቦታ ከትሕዝ ፈቲኑ ነይሩ።
መብዛሕትኦም እቶም ቦታታት ናይ ኩሎም ኣጋይሽ ፕሮፋይል ማሕበራዊ ሚድያ ዝሓተቱ እንትኾኑ እቶም 11 ቦታታት ድማ ርእሲ ምሽፋን ከምዘይፍቀድ ገሊፆም።
ብሕቡእ ዝሰርሑ መጻምድቲ፡ ናብ ገለ ካብቶም ሒጃብ ዝለበሳ ደቂ ኣንስትዮ ክኣትዋ ከምዘይፍቀደለን ዝገለጹልና ቦታታት ልኢኽና።
ኣብቲ ላዕለዋይ ደረጃ ዘለዎ ከባቢ ዛማሌክ ዝርከብ ላ ኦበርጂን ዝበሃል ቦታ፡ እቲ ሓላዊ ማዕጾ ብኡንብኡ ነቶም መጻምድቲ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት መስተ ስለዘሎን እዚ ድማ ንሕጃብ ዝለበሳ ደቂ ኣንስትዮ ከሕርቕ ስለዝኽእል፡ ሻሽ ክልኩል ምዃኑ ነጊርዎም።
እቲ ሓላፊ እውን "ሻሽ ክልኩል እዩ" ኢሉ ጽኑዕ መርገጺ ሒዙ።
እቲ ዝተቐድሐ መርትዖታት ሒዝና ናብ ላ ኦበርጂን ምስቲ ምስ ቀረብና፡ "ቅኑዕዘይኮነ" ከም ዝኾነን፡ ሒጃብ ዝኽደና ደቂ ኣንስትዮ ከይኣትዋ ዝብል ሕጊ ከምዘይብሎምን ብምሕባር፡ ነቲ ፍጻመ "ንኹንኖ" ኢሉ።
ወሲኹ’ውን እቲ ቦታ "ኣብ መጻኢ ዝኾነ ምድንጋር ከይፍጠር ንሰራሕተኛታትና ፖሊሲታት እቲ ገዛ ደጊምና ክግንዘቡ ገይርና ኣለና" ኢሉ።
ኣብ ተመሳሳሊ ከባቢ፡ ኣብ ካዛን፡ እቶም መጻምድቲ ሕጂ’ውን ብሓላዊ ማዕጾ፡ ክኣትዉ ከምዘይፍቀድ ተነጊርዎምን "እቲ ጸገም እቲ ሻሽ እዩ" ተባሂሎምን።
ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝኾነ ምስ ተሓተቱ፡ "ሕጊ ናይዚ ገዛ እዩ" ጥራይ ተባሂሎም።
ኣብ ሄልዮፖሊስ ኣብ ዝርከብ ኣንዲያሞ ድማ፡ እዞም መጻምድቲ ኣብ መጀመርታ ምእታው ተኸልኪሎም ነይሮም። ደጊሞም ምስሓተቱ ግን፡ ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ግን ከኣ ኣብ ሓደ ኩርናዕ ኮፍ ንክብሉ ተነጊርዎም።
እቲ ኣካያዲ ስራሕ፡ "መምርሒ ሚኒስትሪ ቱሪዝም እዩ፡ ኣብዚ ባር ዝኾነት ሂጃብ ዝተኸድነት ጓል ኣንስተይቲ እንተረኺቦም ክቐጽዑና እዮም" ኢልዎም።
ካዛን ይኹን ኣንዲያሞ ርእይቶ ክንክህቡ ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ኣይሃቡን።
'ካልእ ኣማራጺ ድለ'
ቢቢሲ ዓረብኛ ነቲ መርትዖ ንኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ትካላትን ቤት መግብን ቱሪዝም ኣደል ኤል ማስሪ ኣቕሪቡሉ።
"ኣብ ዝኾነ ዘመን እቲ ሚኒስትሪ ቱሪዝም፡ ዝተሸፈና ደቂ ኣንስትዮ [ናብ መዘናግዒ ቦታታት] ከይኣትዋ ዝኽልክል ውሳነ ተዋሂቡ ኣይፈልጥን። እዚ ቅቡል ኣይኮነን። ኣድልዎ ተቐባልነት የብሉን፡ እዚኦም ህዝባዊ ቦታታት እዮም" ኢሉ።
ቢቢሲ ዓረብኛ፡ ሒጃብ ዝለበሳ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ዕረፍቲ ኣፓርታማታት ከይገዝኣ ላ ቪስታ ብዝተባህለ ኩባንያ ህንጸት ይግደባ ከምዘለዋ ዝሕብር መርትዖታት’ውን ኣኪቡ'ዩ። እቲ ኩባንያ ኣብ ካይሮ ፕሮጀክትታት ከምኡ’ውን ልዑል ዋጋ ዘለዎም ሓያሎ ምዕባለታት ገማግም ባሕሪ ኣለዎ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሒጃብ ንዝኽደና ደቂ ኣንስትዮ ይሸይጥ እንተነበረ’ኳ ኣብቲ ዘካየድናዮ መርመራና፡ ላ ቪስታ ግን ፖሊሲኡ ከምዝቐየረን ገደም ከምዘንበረን ዝኸሱ ብዙሓት ጽሑፋት ማሕበራዊ መራኸቢታት ረኺብና ኢና።
ሓደ ኣካያዲ ስራሕ ኣብ ብዙሕ ሃገራት ዝነጥፍ ኩባንያ ንቢቢሲ ዓረብኛ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ላ ቪስታ ንብረት ንምዕዳግ ምስ ሓያሎ ደላሎ ንብረት ከምዝተራኸበን፡ እንተኾነ ግን "ይቕሬታ፡ ላ ቪስታ ኣብ ሒጃብ ዘለዎ ኣረኣእያ ቁሩብ ኣጸጋሚ'ዩ" ከምዝበልዎን ይገልጽ።
ቢቢሲ ዓረብኛ ከም ሓደ በዓልቲ ቤቱ ሒጃብ ትኽደን ኣብ ሓደ ፕሮጀክት ገማግም ባሕሪ ላ ቪስታ ገዛ ክዕድግ ዝደለየ ሰብ መሲሉ ምስ ሽዱሽተ ደላሎ ንብረት ተራኺቡ። ግን እቶም ደላሎ ገዛ ምግዛእ ከምዘይከኣል ሓቢሮምና።
ሓደ ካብቶም ደላሎ ንቲ ብሕቡእ ዝሰርሕ ሪፖርተርና፡ "ብግልጺ ክነገግረካ ይኽእል ድየ? ብርግጽ ካልእ ኣማራጺ ድለ" ኢልዎ።
ካልእ ድማ ካብዚ ሓሊፉ፡ "ብግልጺ ንምዝራብ፡ ንፕሮጀክትታት ሰሜናዊ ገማግም ባሕርን ሶክናን ብዝምልከት፡ ኣድልዎ ይገብሩ እዮም" ኢልዎ።
ሓደ ደላላይ እቲ መስርሕ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ገሊጽሉ።
"እዚ ገዛ ኣይንሸጠልካን ኣይክብሉን እዮም፡ ግን እዚ ዝመረጽካዮ ገዛ ተሸይጡ እዩ። ካልእ ክህሉ ከሎ ክንድውለልካ ኢና ይብሉኻ። ግን ኣይድውሉልካን እዮም" ክብል ሰንይዎ።
እቲ ብሕቡእ ዝሰርሐ ዝነበረ ሪፖርተርና ናብ ላ ቪስታ ደዊሉ በዓልቲ ቤቱ ሒጃብ ከም ትኽደን ምስ ሓበረ፡ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝሽየጥ ንብረት ከምዘየለን ኣብ መጸበዪ ዝርዝር ከም ዝኣቱን ተነጊርዎ።
ድሕሪ ሓያሎ ሰሙናት ናብ ቤት ጽሕፈት ላ ቪስታ ከይዱ፡ ግን በዓልቲ ቤቱ ሒጃብ ከምትኽደን ኣይገለጸን። ብቕጽበት ክዕድጎም ዝኽእሉ ገዛታት ከምዘለዉ ተነጊርዎ። ኣብቲ ከባቢ እንታይ ዓይነት ሰባት ከምዝነብሩ ምስ ሓተተ ድማ እታ ወኪል "እቲ ሓሳብና ኩሎም ሰባት ተመሳሰልቲ ንክኾኑ እዩ" ኢላቶ።
ሓደ ካብቶም ከባቢ ላ ቪስታ "ብፍጹም ዝተሸፈና ደቂ ኣንስትዮ ከምዘይብሉ" ገሊጻትሉ።
ላ ቪስታ ርእይቶ ንክህብ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይሃበን።
ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ጎስጓስ ተካይድ ኣባል ባይቶ ግብጺ ኣሚራ ሳብር፡ ከምዚ ዓይነት ኣድልዎ ከምዘይፍቀድ ቅዋም ግብጺ ብንጹር ከምዝገልጽ ትሕብር።
"እዚ ዳግማይ ከይፍጸምን ብኸመይ ከነረጋግጽ ከም እንኽእል ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ክዘራረብ እየ። ከምዚ ዓእነት ነገር ዳግማይ እንተተፈጺሙ እቲሰብ ከም ገበነኛ ክቕጻዕ ኣለዎ" ትብል።