ኣብ ናይሮቢ ሓርማዝ ኣብ ጥቓ መንበሪ ኣባይቲ ድሕሪ ምርኣዩ ይድለ ኣሎ

Published

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ሓደ ሓርማዝ ካብ ጫካታት ብምውጻእ ኣብ ከባቢ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ሓደ መንበሪ ዕንወት ድሕሪ ምብጽሑ፡ ኣገልግሎት እንስሳ ዘገዳም ኬንያ ነቲ ሓርማዝ የናድዮ ከምዘሎ ተገሊጹ።

እቲ ትካል ሰንበት ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓደ ሓርማዝ ከራራፖኒ ኣብ ዝበሃል ካብ ማእከል ከተማ ናይሮቢ ከባቢ 30 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ከምዝተርኣየ ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓበሬታ ምስ በጽሖ ኣባላቱ ኣብቲ ስፍራ “ደቂቕ ተፍትሽ” ከምዘካየዱ እንተኾነ ግና ነቲ ሓርማዝ ክረኽብዎ ኣይከኣሉን።

እቲ ሓርማዝ ንኣፍደገ ቀጽሪ መንበሪ ገዛ ብምዕናው ናብ ውሽጢ ኣትዩ ምንባሩ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቲ ሓርማዝ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከብ ጫካ ኣምሊጡ ክኸውን ከምዝኽእል ዝሓበረ እቲ ትካል ነቲ ከባቢ ብቕርበት ይከታተሎ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ 2016 ሽዱሽተ ኣናብስ ካብቲ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ወጺኦም ህዝቢ ናብ ዝነብረሉ ቦታታት ምስ ተራኣዩ ኣብ ነበርቲ ራዕዲ ፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ከም ሓርሽ፡ ኣናብስ፡ ቺታ፡ ኣዛብእ፡ ዘራፍ፡ሓርምዝ ዝርከብዎም ልዕሊ 400 ዝተፈላለዩ ዓይነት እንስሳታት ዘገዳም ከም ዝርከቡሉ ዝግለጽ ሃገራዊ ሕዛእቲ ናይሮቢ፡ ኣብ ዓለም እቲ እንኮ ኣብ ውሽጢ ርእሰ ከተማ ዝርከብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ኮይኑ ብዙሓት በጻሕቲ የተኣናግድ።