እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብ ሓደ መንበሪ ገዛ ንምእታው ዝፈተነ ልዕሊ 5 ሜትር ዝንውሓቱ ገበል ስንባደ ፈጢሩ
ኣብ ብሪጣንያ ሓደ 5.5 ሜትር ዝንውሓቱ ገበል ብመስኮት ናብ ሓደ መንበሪ ገዛ ክኣቱ ድሕሪ ምፍታኑ ኣብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ስንባደ ከም ዝፈጠረ ተገሊጹ።
ነበርቲ ናይታ ቻንድለርስ ፎርድ ዝተባህለት ንእሽቶ ዓዲ፡ ገዚፍ ገበል ሓደ ደርቢ ኣብ ዘለዎ ገዛ ብላዕለዋይ መስኮት ክኣቱ እናፈተነ እንከሎ እዮም ርእዮም።
እቲ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከብ ገዛ ሞሊቑ ከም ዝወጽአ ዝተገለጸ ገበል በርሚዝ ካብ ዝበሃል ዓሌት ኰይኑ፡ ናብ ካልእ ገዛ እዩ ንምእታው ዝፍትን ኔሩ።
ጀኒ ዋርዊክ ዝተባህለት ነባሪት እቲ ከባቢ ሰዓት 5፡15 ወጋሕታ ብመስኮት ቁሊሕ ምስ በለት ኣብ ናሕሲ ጎረቤታ ነቲ ቢጫ ዝሕብሩ ገዚፍ ገበል ከም ዝረኣየቶ ተዛሪባ።
"ከም ዝወጽእ ንምግባር ይትንኵይዎ ነይሮም፣ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ መኪናኦም ወዲቑ።
"በቲ መገዲ ዝሓልፉ ዝነበሩ ሰባት፡ ነቲ ዝርእይዎ ዝነበሩ ክኣምኑዎ ኣይከኣሉን" ኢላ።
ሊንዳ ኤልመር ዝተባህለት ነባሪት እቲ ከባቢ፡ ነቲ ገበል ብምልላይ ናብ ዋንኡ ክተብጽሖ እንከላ፡ ከባቢ ሰዓት 7፡00 ቅ.ቀ ሓደ ጎረቤታ ማዕጾ ገም ገም ኣቢሉ ከም ዘተንስኣ ተዛሪባ።
"ኩሉ ሰብ ርዒዱ እዩ ኔሩ። ኣነ ሓፍ ኣቢለዮ፡ ዝዀነ ሰብ ክሕግዘኒ ፍቓደኛ ኣይነበረን። ኣዝዩ ገዚፍ ብምዃኑ ኣጸጋሚ እዩ ኔሩ። እቲ 18 ጫማ ዝቑመቱ ገበል ተጥምጢሙኒ ደርገፍገፍ እናበልኩ ናብ ኣፍደገ እቲ ዋንኡ በጺሐ ኳሕ ኳሕ ኣቢለ።
"ኣዝዩ መልክዐኛ እዩ፡ እዚ ዓሌት ተመን ኣዝዩ ልኡም እዩ። እዚኦም ተጓዳእቲ ኣይኰኑን፤ ኣነ ንባዕለይ'ውን ሓደ ኔሩኒ። ስለዚ ክሕዞ ኣይሰጋእኩን፡" ኢላ።
ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ንዝፍጸም ጭካነ ዝከላኸል ማሕበር ኣቐዲሙ ኣብ ዝዘርግሖ መጠንቀቕታ፡ ኣትማን ኣብ እዋን ብርቱዕ ሙቐት ኣዝዮም ንጡፋት ስለ ዝዀኑን ክሃድሙ ስለ ዝኽእሉን መቐመጢኦም ውሑስ ክኸውን ከም ዘለዎን ኣፍሊጡ ኔሩ።