ክልተ ነፈርቲ ኣብ ሰማይ ተጋጭየን ሓደ ኣብራሪ ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ማእከላይ ክፋል ህንዲ ክልተ ተዋጋእቲ ጀት ሓይልታት ምክልኻል ህንዲ ኣብ ሰማይ ተጋጭየን ሓደ ኣብራሪ ከምዝሞተ ተገሊጹ።
እተን ነፈርቲ ውግእ ስሩዕ ስልጠና የካይዳ ኣብ ዝነበራሉ እዋን ከምዝተጋጨዋ ሓይሊ ኣየር ህንዲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብ ሰማይ ተጋጭየን ዝወደቓ ነፈርቲ ውግእ ህንዲ ጋዊሎር ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ወተሃደራዊ መደበር ተበጊሰን ኣስታት 30 ኪሎ ሜትር ምስተጓዕዛ’የን ተጋጭየን።
ሓይሊ ኣየር ህንዲ ጠንቂ ግጭት እተን ነፈርቲ ውግእ ንኽጻረ መምርሒ ኣውሪዱ'ሎ።
ካብተን ዝተጋጨዋ ነፈርቲ ውግእ እታ ሓንቲ ስኾይ-30 ዝዓይነታ ስርሓት ሩስያ ኰይና ክልተ ኣብረርቲ ክትሕዝ እትክእል እያ። እታ ካልአይቲ ድማ ሚራዥ 2000 ተባሂላ እትጽዋዕ ፍርያት ፈረንሳ ኰይና ሓደ ኣብራሪ ጥራይ እትሕዝ ነፋሪት’ያ።
ስብርባር ናይተን ዝወደቓ ነፈርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከምዝተረኸበ ማዕከናት ዜና ህንዲ ጸብጺበን።
ስብርባር ነፈርቲ ኣብ ዝተረኸበሉ ከባቢታት ዳሃርማንደር ዝሰርሕ ሓደ ፖሊስ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓደ ኣብራሪ ተጐዲኡ ኣብ ጫካ ብህይወት ከምዝተረኸበ ሓቢሩ።
“ኣካል ናይታ ሓንቲ ነፋሪት ውግእ ረኺብና ኢና” ዝበለ እቲ ፖሊስ፡ “ናይታ ካልአይቲ ነፋሪት ግን ካብዚ ከባቢ ርሒቝ ወዲቑ ክኸውን ስለዝኽእል ሰብ ሞያ ኣዋፊርና ኣለና” ኢሉ።
ግጭት ናይተን ነፈርቲ ውግእ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሓይሊ ኣየር ህንዲ ብተኸታታሊ ከጋጥም ዝጸንሐ ሓደጋታት ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብ ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ቻይና ሓንቲ ሄሊኮፕተር ተሓምሺሻ ሓሙሽተ ወተሃደራት ሞይቶም።
ቅድመኡ ኣብ 2021 ድማ ታሚል ናዱ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ግዝኣት ሓንቲ ሄሊኮፕተር ውግእ ተሓምሺሻ ብዝተላዕለ ሓደጋ ባርዕ፡ ሓደ ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ ጀነራል ቢፒን ራዋትን ዝርከቦም ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ ዝዝከር’ዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
