ሓደጋታት 737 ማክስ፡ ቦይንግ ብምትላል ተኸሲሱ ቤት ፍርዲ ክቐርብ'ዩ

ቦይንግ 737 ማክስ ወዲቓ ካብ እትሕምሸሽ ድሮ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ኰይኑ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, JONATHAN DRUION

Published

ትካል ነፈርቲ ቦይንግ፡ ብሰንኪ'ቲ 346 ሰባት ዝቐተለ ክልተ ሓደጋታት ነፈርቲ ንዝቐረበሉ ክሲ ምትላል ኣብ ቤት ፍርዲ መልሲ ክህብ’ዩ።

ክልቲኡ ሓደጋታት፡ ኣብ ነፋሪት 737 ማክስ ብዝነበረ ጕድለት ስርዓተ ምቍጽጻር በረራ ዝሰዓበ ምዃኑ'ዩ ተገሊጹ።

ቦይንግ ብዛዕባ እቲ ስርዓት ሓበሬታ ክህብ ከም ዘይከኣለ ተረጋጊጹ'ኳ እንተነበረ፡ 2.5 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕትን ካሕሳን ክኸፍል ተሰማሚዑ ነይሩ።

ኣዝማድ ናይቶም በቶም ሓደጋታት ዝሞቱ ሰባት ግን ነቲ ጉዳይ ዳግማይ ክኸፍቱ ይጽዕሩ ኣለዉ።

እዚ ማለት፡ እቲ ኩባንያ ንመጀመርታ ግዜ ምስቶም ክልተ ሓደጋታት ብዝተኣሳሰር ኣብ ቤት ፍርዲ ብወግዒ ክኽሰስ እዩ።

ኣብዚ መስርሕ ፍርዲ ድማ ገበኑ ክኣምን ወይ ገበነኛ ከም ዘይኰነ ከእመን ክግደድ እዩ።

ቦይንግ ቅድሚ ሕጂ ነቲ ምስ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ (DOJ) ዝተገብረ ስምምዕ ዳግማይ ምኽፋት ብምቅዋም፡ ከምኡ ምግባር "ተራእዩ ዘይፈልጥ፡ ዘይሰርሕን ዘይምዕሩይን" ክኸውን'ዩ ኢሉ።

ብዛዕባ እቲ ክሲ ግን ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን።

ቦይንግ 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ፡ ኣብ 2019 ድሕሪ ዘጋጠሙ ሓደጋታት ክበራ ተኣጊደን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2020 ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣብ 2021 ድማ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ዳግም ክበራ ከም ዝጀመራ ይዝከር።

ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 737 ማክስ ቍጽሪ በረራ ET302 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ድሕሪ ምብጋሳ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ወዲቓ ካብ እትሕምሸሽ ድሮ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ኰይኑ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እታ ነፋሪት ኣብ መጋቢት 2019፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ መሬት ሕርሻ ክትወድቕ እንከላ፡ በቲ ሓደጋ 157 ሰባት ሞይቶም።

እቲ ሓደጋ ሓድሽ ዲዛይን ነፈርቲ - 737 ማክስ - ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ ቅድሚ ኣዋርሕ ብኢንዶነዥያዊ ትካል ላዮን ኤየር እትውነን ነፋሪት ተመሳሳሊት ሓደጋ ከም ዘጋጠማ ይዝከር።

እታ ነፋሪት ካብ ጃካርታ ናብ ፓንግካል ፒናንግ ኣብ ዝነበራ ስሩዕ በረራ ሓደጋ ኣጋጢምዋ ተሓምሺሻ። ብሰንኪ'ዚ 189 ተጓዓዝትን ሰራሕተኛታትን ህይወቶም ስኢኖም።

ድሒሮም ኣብ ዝወጽኡ ሓበሬታታት፡ ክልቲኦም ሓደጋታት ብጕድለት ዲዛይን ብፍላይ ድማ ብMCAS ዝፍለጥ ሶፍትዌር መቈጻጸሪ በረራ ዝጠንቍ ምዃኑ ተረጋጊጹ።

እቲ ስርዓት፡ ምስተን ዝጸንሓ ቦይንግ 737 ማክስ ልምዲ ዘለዎም ኣብረርቲ ንምሕጋዝ ዝተዳለወ ኰይኑ፡ እቲ ነታ ሓዳስ ሞዴል ንምብራር ዘድልዮም ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ተወሳኺ ስልጠና ንምትራፍ ዝዓለመ ነይሩ።

ይዅን’ምበር፡ እቲ ስርዓት ጸገም ምስ ኣጋጠሞ - ኣብ ክልቲኡ፡ ኣብረርቲ ነተን ነፈርቲ ክቈጻጸሩወን ኣይክኣሉን።

ኣብ ኣሜሪካ ዝተገብረ መርመራታት ከም ዘመልክቶ፡ ቦይንግ ብዛዕባ ስርዓት MCAS ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ መምርሒ ስልጠና (ማንዋል) ኣብረርቲ ከም ዘየእተወን፡ ምስ ተቘጻጻሪ ኣሜሪካ ዝዀነ ምምሕዳር ፈደራል ኣቬሽን ኣብ ዝገበሮ ርክባት ድማ ኰነ ኢሉ ጽልዋ ናይቲ ስርዓት ንምንእኣስ ከም ዝፈተነን ኣረጋጊጹ።

ጥሪ 2021 ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ (DoJ) ንቦይንግ ብምትላል ከሲሱ።

እቲ ኩባንያ ግን ናብ ፍርዲ ንዘይምኻድ 2.5 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕትን ካሕሳን ክኸፍል ተሰማሚዑ።

እዚ ብዝተናወሐ ስምምዕ ክሲ ዝፍለጥ ስምምዕ ግን፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ኣዝማድ እቶም ኣብ ሓደጋ ነፋሪት ET302 ዝሞቱ ሰባት ሓያል ቍጥዐ ኣለዓዒሉ።

እቲ ስምምዕ ብዘይ ኣፍልጦኦም ዝተዛዘመ፡ መሰላቶም ዝግህስን እቲ ኩባንያ ምሉእ ብምሉእ ንኸይሕተት ዝገብርን "ምቁር ስምምዕ" እዩ ብምባል ይነጽግዎ።

ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ግን ኣብ መንጐ ቦይንግ ፈጺሙዎ ተባሂሉ ዝቐርብ ገበናትን ክልቲኦም ሓደጋታትን ቀጥታዊ ምትእስሳር ከም ዘሎ ካብ ርትዓዊ ጥርጣረ ወጻኢ ከረጋግጾ ከም ዘይክኣለ ብምግላጽ እቲ ስምምዕ ግቡእ ምዃኑ ኣልዒሉ ንውሳነኡ ተኸላኺሉ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ቴክሳስ ንልዕሊ ዓመት ዝጸንሐ ሕጋዊ ክትዕ፡ ስድራቤታት ግዳያት እቲ ስምምዕ ዳግማይ ብቤት ፍርዲ ክርአ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለው።

ቦይንግ ብስሙ ክቐርብ "ዝግባእ ሰብ" ብኣካል ክሰድድ ተኣዚዙ። እዚ ሰብ መን ከም ዝኸውን ግን ኣይተፈልጠን።

ቦይንግ 737 ማክስ፡ ድሕሪ እቶም ብ2019 ዘጋጠሙ ሓደጋታት ካብ በረራ ተኣጊዱ ድሕሪ ምጽናሕ ብ2020 እዩ ዳግም ክበርር ተፈቒዱሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቦይንግ 737 ማክስ፡ ድሕሪ እቶም ብ2019 ዘጋጠሙ ሓደጋታት ካብ በረራ ተኣጊዱ ድሕሪ ምጽናሕ ብ2020 እዩ ዳግም ክበርር ተፈቒዱሉ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣዝማድ ግዳያት ሳዕቤን እቶም ሓደጋታት ዝምልከት መግለጺታት ንቤት ፍርዲ ከንብቡ፡ ወይ ድማ ከምዚ ዓይነት መግለጺታት ብስሞም ክንበብ ክፍቀደሎም እዩ።

ኣቦ ዚፖራ ኩርያ ጆሴፍ ዋታይካ ኣብ ሓደጋ ET302 ካብ ዝሞቱ ግዳያት እዩ።

ንሳ ኣብቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ቴክሳስ ዝጋባእ መስርሕ ፍርዲ ክትህሉ እያ፤ ኣብኡ ህይወት ብዙሓት ብዛዕባ ዝቐየረ “ዘደንቕ” ሰብ ክዛረብ እየ ትብል።

"ኣብ መወዳእታ ንርአ ዘለና ኰይኑ'ዩ ዝስምዓና። ሞት እንፈትዎም ሰባት፡ 346 ሰባት፡ እንተወሓደ ሕጂ ገለ ዋጋ ዘለዎ ኰይኑ ይስምዓና።"

'ምሽፍፋን ፍትሒ ኣይኰነን'

ኣቦ ኣብ ተመሳሳሊ ሓደጋ እታ ነፋሪት ዝሞተ ኣብ ትካል ስደተኛታት ዝሰርሕ ዝነበረ ሳም ዝዀነ ማርክ ፔግራም፡ ናብ ቴክሳስ ክገይሽ ኣይከኣለን። ግን እቲ መስርሕ ፍርዲ ይካየድ ብምህላዉ ኣዝዩ ከም ዝተሓጐሰ ገሊጹ።

"ንዓና መቕጻዕትን ምሽፋንን ፍትሒ ኣይኰነን። ተመሳሳሊ ክሳራ ህይወት ንምክልኻል ቅድመ ኵነት ክቐርብ ኣገዳሲ'ዩ፤ ቦይንግ ድማ እቲ ዘይግቡእ ተግባራቱ ኣብ ብዙሓት ስድራቤታት ዘሕደሮ ዘስካሕክሕ ጽልዋ ንኽርዳእ ኣገዳሲ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ሕጋዊ ስጕምቲ ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ መንጐ ቦይንግን ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካን ዝተበጽሐ ስምምዕ ክሲ ዳግማይ ክኽፈት ዝገብር ድዩ ኣይኰነን ንጹር ኣይኰነን።

ኣብ ካልእ ስቪላዊ ክሲ ኣብ ቺካጐ ነቶም ስድራቤታት ዝውክል ዘሎ ጠበቓ ሮበርት ኤ ክሊፎርድ፡ "እዞም ስድራቤታት ኣብ ልዕሊ ቦይንግ ዝወሃብ ዝለዓለ መቕጻዕቲ’ዮም ዝደልዩ ዘለው። ላዕለዎት ሰበስልጣን ቦይንግ ዝረኸብዎ ናይ ዘይምኽሳስ ብይን ክለዓል ይደልዩ" ኢሉ።