ሩስያ ንድሮን ኣሜሪካ ኣብ ሶርያ ከምዘዕነወት ተገሊጹ

ኣብ ሶርያ፡ እትበርር ዝነበረት ሓንቲ ድሮን ኣሜሪካ፡ ብቐረባ "ሓደገኛ" ርሕቀት ኣብ ልዕሊኣ ብዝዘንበየት ነፋሪት ሩስያ ብዝፈነወትላ ሃልሃልታ ብሕማቕ ከም ዝተሃስየት ኣሜሪካ ገሊጻ።
እታ ነፋሪት ሩስያ "ንድሕነት በረራ ብቕሉዕ ጥሒሳ" ክብል ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ ከሲሱ።
እዚ ብ23 ሓምለ ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ኣብ መንጎ ነፈርቲ ሩስያ፡ ኣሜሪካን ቻይናን ካብ ዝተራእዩ ዓበይቲ ምርጻማት ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
ሩስያ ብዛዕባ እዚ ዝተጠቕሰ ፍጻመ ዝዀነ መግለጺ’ኳ እንተዘይሃበት፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን’ዚ ግን፡ ነፈርቲን ድሮናትን ኣሜሪካን መሻርኽታን "ንክሊ ኣየር ሶርያ ይጥሕሳ ኣለዋ" ክትብል ከሲሳ ነይራ።
ሩስያ ብተወሳኺ፡ ኣሜሪካን መሻርኽታን ነቲ ኣብ ሰማያት ሶርያ ምግርጫው ንኸይፍጠር ኣብ 2019 ዝተኣትወ ውዕል "ምፍታሕ ግጭት" ይጥሕሳ ኣለዋ ክትብል ትኸስስ።
ቢቢሲ፡ ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ርእይቶ ንምስማዕ፡ ንኤምባሲ ሩስያ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተወኪስዎ’ሎ።
ሰራዊት ኣሜሪካ ብሰሉስ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነፋሪት ውግእ ሩስያ፡ ነታ ብሰንበት ኣንጻር እስላማዊ ምንቅስቓስ -ዳዕሽ - ተልእኾኣ ኣብ ምፍጻም ዝነበረት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት - ድሮን - ከም ዘጥቅዓታ ሓቢሩ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝከታተል ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ፡ እታ ነፋሪት ሩስያ "ሒደት ሜትሮታት ጥራይ ተፈንቲታ፡ ነታ ድሮን ኣብ ርእሳ ሃልያልታ ፈንያትላ" ኢሉ።
እታ MQ-9 Reaper ዝተሰምየት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፡ ዋላ’ኳ እንተተሃርመት፡ ብርሑቕ ዝቈጻጸር - ሪሞት - ናብ መደበራ ክትምለስ ከምዝኸኣለት ኣሜሪካ ትሕብር።
ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ሌተናል ጀነራል ኣሌክስ ግሪንከዊች፡ "ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ሩስያውያን ነዚ ሸለልትነት ዝመልኦ፡ ተዅታዂ ዘይሞያዊ ባህሪ ከቋርጹ ንጽውዕ" ኢሉ።
ሓይልታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ምስ ዝርከቡ ሓይልታት ኪዳን ብምዃን ስሩዕ ናይ ኣየርን ምድርን ተልእኾታት የካይዱ።
ኣብ ሰነ ጥራይ ሓይልታት ኣሜሪካ 37 በረራታት ከምዘካየዱን፡ በዚ ድማ 13 ኣባላት እስላማዊ ምንቅስቓስ ከምዝሞቱን 21 ድማ ከምዝተኣስሩን ሰራዊት ኣሜሪካ ሓቢሩ።
እዞም ተልእኾታት ግን ብነፈርቲ ሩስያ እናተሰናከሉ ይመጹ ከም ዘለዉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣሜሪካ ይገልጹ።
ብ7 ሓምለ፡ ሓንቲ ድሮን ኣሜሪካ ኣብ ምብራቓዊ ሶርያ ንሓደ መራሒ ዳዕሽ ቅድሚ ምቕታላ፡ ሓይልታት ሩስያ ንኽልተ ሰዓታት ዝኣክል ከም ዘሸገሩዋ፡ ኣሜሪካ ከም ኣብነት ተቕርብ።
ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ብ16 ሓምለ እውን፡ ሓንቲ ነፋሪት ሩስያ ናብ ሓንቲ ሰባት ዝነበሩዋ ናይ ምክትታል ነፋሪት ኣሜሪካ ብምጽጋዕ፡ ብናይ ‘ንቕሎ ተርቡለንስ’ [ሓያል ድምጺ ዝፈጥር በረራ] ኣቢላ ክትበርር ከም ዘገደደታን፡ ነቶም ኣርባዕተ ኣባላት እታ ነፋሪት ድማ ኣብ ሓደጋ ከም ዘእተወት ኣሜሪካ ወሲኻ ትገልጽ።
ተመሳሳሊ ፍጻመታት - ግጭት ኣብ መንጐ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሩስያን ነፋሪት ኣሜሪካን ሓዊሱ - ኣብ ጸሊም ባሕርን ባልቲክን እውን ተራእዩ።
ኣማኻሪ ሕጊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ነበር ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኬዝ ዌስተርን ማይክል ሻርፍ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣሜሪካ ኣብ ሶርያ ኣብ ዘይጽኑዕ ሕጋዊ ባይታ እያ ዘላ" ኢሉ።
"ሩስያ ብስርዓት ኣሳድ ተዓዲማ ኣላ" ብምባል፡ "ኣብዚ እቲ ዘገርም ጉዳይ፡ ሩስያ ዝሓሸ ሕጋዊ ባይታ ምህላዋ'ዩ፡" ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ፕሮፌሰር ሻርፍ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት፡ "ቅድሚ ሕጂ ከም ሓደ ዘሰክፍ ኵነታት ቅድመ-ኲናት ኰይኑ ዝረአ እኳ እንተነበረ፡” ክዓርግ ተኽእሎ ከምዘይብሉ ይገልጽ።
"ዓቢይ ዓቐን ግብረ መልሲ ክህሉ ኣይክእልን እዩ፤ ሩስያ ከተመሓድሮ ዘለዋ ዝዓበየ ጉዳይ ዩክረይን ኣለዋ፡”ኢሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
