ብደብዳብ ኣየር ዝዅነን ዘሎ ነታንያሁ ኲናት ከም ዝቕፅል ተሓንዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA
እስራኤል ብሰንበት ኣብ ራፋሕ ንዝፈፀመቶ ብዙሓት ፍልስጤማውያን ዝቐተለን ደብዳብ ኣየር፡ ሓያል ዓለምለኻዊ ነቐፌታ ኣብ ዘስዓበሉ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ኲናት ከም ዝቕፅል ተሓንዩ።
እስራኤል ኣብ ራፋሕ ብዝፈፀመቶ ደብዳብ ኣየር ብውሑዱ 45 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ሚኒስትር ጥዕና ፍልስጤም ኣፍሊጡ።
ብኣማኢት ዝቝጸሩ ካልኦት ሰባት ድማ ብፍንጃራት ቦምባ፣ ብኸቢድ ምቅጻልን መስበርትን ከም ዝተጐድኡ ሓቢሩ።
ነታንያሁ ንባይቶ ሃገሩ ከም ዝበሎ፡ ነቲ መጥቃዕቲ “ዘሕዝን ሓደጋ” ብምባል እኳ እንተገለጾ፡ “ነፍስወከፍ ዕላማ ቅድሚ ምዕዋቱ ግን እቲ ኲናት ንምግታእ ኣይሓሰብን” ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ እስራኤል ሰላማውያን ሰባት ንምክልኻል “ዘድሊ ዘበለ ጥንቃቐ” ከም ዝገበረትን ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ግጭት ንዘይተሳተፉ ንዘይምጉዳእ “ዝከኣሎም ጻዕሪ ከም ዝገበሩን” ተዛሪቡ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣልጀርያ ብመሰረት ዘቕረበቶ ሕቶ፡ ብዛዕባ እዚ እስራኤል ኣብ ራፋሕ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሎሚ ሰሉስ ክዝቲ እዩ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ እዚ መጥቃዕቲ፡ “ካብዚ ቀታሊ ጐንጺ መጽለሊ ጥራይ ይደልዩ ንዝነበሩ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተለ” ብሰኑይ ሓቢሩ’ዩ።
ጉተረዝ፡ “ኣብ ቓዛ ዋላ ሓደ ውሑስ ቦታ የለን። እዚ ራዕዲ ደው ክብል ኣለዎ” ክብል ጸዊዑ።
መደረ ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ብተሪር ወቐሳ ኣባላት ስድራ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓት ጥቅምቲ ብሓማስ ጅሆ ዝተትሓዙ ክቋረጽ እንከሎ፡ ገሊኦም ስድራ ግዳያት ነታንያሁ ንዝፈትውዎም መቕርቦም ንምምላስ ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ ብዘይምኽኣሉ ኰኒኖምዎ።
ነታንያሁ፡ “ኣብ ራፋሕ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዘይተዋጋእቲ ዝዀኑ ነበርቲ ኣግዒዝና ኢና። ነዚኦም ሲቪላት ንዘይምጉዳእ ዝከኣልናዮ'ኳ እንተፀዓርና፡ ብዘሕዝን ኣጋጣሚ ግና ዝዀነ ስሕተት ተፈጢሩ። ነዚ ክስተት ንምርምሮ ኢና ዘለና። ኣብ መደምደምታታት ድማ ክንበፅሕ ኢና። ምኽንያቱ እዚ ፖሊሲና እዩ” ኢሉ።
እስራኤል ነዚ ኣብ ራፋ ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ብዙሓት ዓለምለኻውያን ትካላት ይዅንንዎ ኣለዉ።
ሕብረት ኣውሮጳ፡ እስራኤል፡ ኣብ ራፋሕ ትፍጽሞ መጥቃዕቲ ደው ከተብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ዝተወሃበ ውሳነ ክተኽብር ጸዊዑ።
ላዕለዋይ ዲፕሎማት እቲ ሕብረት ጆሴፍ ቦረል፡ ነቲ ብሰንበት ኣብ ራፋሕ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ “ዘስካሕክሕ” ክብል ገሊጽዎ።
ዋላ’ኳ ዓለምለኻ ቤት-ፍርዲ ገበን ነዚ ውሳነ እንተሕለፈ፡ እስራኤል ግን ነቲ ኣብ ራፋሕ ትገብሮ ዘላ ወራር ከም ትቕጽሎ እያ ተሓንያ ዘላ።
ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ እዚ መጥቃዕቲ “እስራኤል ኣብ ትጥቀሞ ቅዲ ኲናት ዋላ ሓደ ለውጢ ከም ዘይመጽአ ዝሕብር እዩ። ነዚ ድማ እዩ ጠንቂ ሞት ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ኰይኑ” ኢሉ።
እስራኤል፡ ሓማስ ድሕሪ ብዙሕ ኣዋርሕ ኣብ ተልኣቪቭ ፈላማይ መጥቃዕቲ ሚሳይል ምስ ፈጸመ፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ኣብ ራፋሕ ግብረመልሲ ሂባ።
ሰራዊት እስራኤል በቲ መጥቃዕቲ ክልተ ላዕለዎት ኮማንደራት ሓማስ ከም ዝቐተለ ብምሕባር፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ንዘጋጠመ ሞት ድማ ከም ዝምርምሮ ኣፍሊጡ።
ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም ግን፡ እቲ ደብዳብ ኣየር ካብ ራፋሕ ክልተ ኪሎሜትር ርሕቐት ንዝርከብ ተመዛበልቲ ዝነብሩሎም መዕቆቢታት ታል ኣል-ሱልጣን ዒላማ ከም ዝገበረ ኣነጺሩ።
ብሰንበት ካብ ታል ኣል-ሱልጣን ዝወጽኡ ቪድዮታት፡ ዘጋጠመ ከቢድ ነትጕን ባርዕን የርእዩ።

ዘስካሕክሑ ምስልታት፡ ኣብ ጥቓ እቲ “ኩወቲ ሰላም ካምፕ 1” ዝብል ባነር ብዙሓት ህንጻታት ክቃጸሉን፣ ኣባላት ህይወት ኣድሕን ብዙሓት ሬሳታት ሒዞምን የርእዩ።
ዓለምለኻዊ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም፡ ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ሓደ ካብ ትካሉ፡ ህጻናት ደቂኣንስትዮን ዝርከብዎም ብውሑዱ 28 ዝሞቱ ሰባት ከም ዝተቐበለ ኣፍሊጡ።
ካልኦት 180 ዝተጐድኡ ፍልስጤማውያን ከም ዝሓከመ ድማ ሓቢሩ።
ኣመሪካ ነቶም ብእስራኤል ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዘርእዩ ምስልታት “ልቢ ዝሰብሩ” ብምባል'ኳ እንተገለጸቶም “እስራኤል ርእሳ ናይ ምክልኻል መሰል ኣለዋ” ኢላ።
ኣብቲ ዝሓለፈ 07 ጥቅምቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምውራዱ፡ ኲናት እስራኤል ቓዛ ከም ዝተወልዐ ይፍለጥ።
እስራኤል ዕጡቓት ሓማስ 1200 ሰባት ከም ዝቐተሉን ካልኦት 252 ከም ዝጨወዩን ትገልጽ።
ኲናት እስራኤል-ቓዛ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ልዕሊ 36 ሽሕ ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐተሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
