ትግራይ፡ ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/AYDER HOSPITAL CCTV
ኣብዚ ቕነ ሓደ ውልቀሰብ ገጹ ብካርቶን ተሸፊኑ ሓደ ናውቲ ሕክምና ከበላሹ እንከሎ ዘርኢ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐ ምስሊ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኰይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።
እቲ ኣብቲ ምስሊ ዝርአ ፍጻመ ብሓቂ ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ዘጋጠመ ምዃኑ ዳይሬክተር’ቲ ሆስፒታል ዶክተር ኣብርሃ ገብረግዚኣብሄር ንቢቢሲ ገሊጹ ኣሎ።
“እታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝረኣኹምዋ ሓጻር ቪድዮ ሓቂ ናትና እያ፤ ናይታ ማሽን ጉድኣት ክበጽሕ ከሎ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኣብ እንራኸበሉ ናይ ዋትስኣፕ ፕላትፎርም ንሓበሬታ ልውውጥ ዝፈነናያ እያ” ክብል ኣረጋጊጹ።
እቲ ዳይረክተር ከም ዝብሎ እቲ ፍጻመ ብ21 መጋቢት 2016 [ግእዝ] ቀዳም ናብ ሰንበት ኣብ ዘውግሕ ለይቲ’ዩ ኣጋጢሙ።
ተረኛ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ኣብ ሓደ ንብረት ብልሽት ድሕሪ ምርካቦም ተወሳኺ ምጽራይ ምስ ገበሩ ዝተፈላለየ ጸገማት ከም ዝረኸቡ ይሕብር።
ነዚ ስዒቡ እቲ ሆስፒታል ዝተፈላለዩ መርመራታት ዝካየደሎም ናውቲታትን ማሽናትን ከም ዝተበላሸዉ ተፈሊጡ እዩ።
በዚ መሰረት፡ ዝተፈላለዩ መርመራታት ዝግበሩሎም መሳርሕታት፡ ጸላም ከብዲ፡ መጻረዪ ኩሊት፡ ሰውነት ዘመንጭውዎም ሆርሞናት መዓቀኒን ኣመላኸትቲ መንሽሮ ከምኡ’ውን ከም ልቢ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ሃንደበታዊ ሕማማት ዘስዕብዎ ሆርሞናት ዝምዘንሉ፡ ኣብ ሰብነት ዝእከብ መጠን ስብሒ ዝዕቀነሉ መሳርሒ ካብቶም ጉድኣት ዝወረዶም ናውቲ ሆስፒታል ምዃኖም ዶክተር ኣብርሃ ሓቢሩ።
ሓንቲ ካብተን መሽናት ኮባስ 6000 ትበሃል፤ እዛ ኣብ ትግራይ እንኰ ዝዀነትን ዝዓበየትን መሳርሒ እቲ ሆስፒታልን “ሕዚ ካብ ኣገልግሎት ወጻእ ኰይና” ኣላ ኢሉ።
“ዝተገዝአትሉ ብ20 ሚልዮን [ብር] እዩ፡ ሕዚ ኣብ ዕዳጋ ዋጋኣ 30 ሚልዮን እዩ ዘሎ።”
እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጉድኣት ክጽገን ዝኽእል ድዩ? ንዝብል ሕቶ እቲ ዳይረክተር “ንሱ ኣይፈለጥናዮን” ክብል ዝመለሰ ኰይኑ መጠን እቲ ጉድኣት ግን ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ሓቢሩ።
“ሓደ ከሚካላት ተጠቒሙ እዩ መርመራ ዝገብር። ስለዚ ከሚካላት ካብ ሓደ ክፍሊ ናብ ካልእ ክፍሊ ናይታ መሽን ዝመሓላለፈሉ ቀጠንቲ ቱቦታት ኣለዉ። ንሶም ኵሎም ተበታቲዀም'ዮም” ኢሉ።
ወሲኹ፡ “እቲ ኤለክትሮሜካኒካል ዝበሃል ዝናበበሉ ናይ ኤልክትሪክ ሽቦ እውን ተቘሪጹ ኣሎ። ስለዚ ጉድኣቱ ብርቱዕ ስለ ዝዀነ ጸጊንና ናብ ግልጋሎት ክምለስ’ዶ ይኸውን ወይስ ብሓድሽ መሽን ክትካእ ይኸውን ሕዚ መልሲ የብልናን። ተወሰኽቲ መርመራታት ክካይድ እዩ” ክብል ኣብሪሁ።
ቢቢሲ እቲ ኣብቲ ቪድዮ ዝርአ ውልቀሰብ ሰራሕተኛ ዓይደር ድዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ።
“እወ፡ ተታሒዙ እዩ። ተረኛታት ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ኣብ መስርሕ መርመራ ኣለዉ ማለት እዩ። ንሱ’ውን ከም ተረኛ ዝነበረ ሰብ መጠን ኣብ መርመራ ኣሎ” ብምባል እቲ ሆስፒታል መልሲ ይጽበ ከም ዘሎ ሓቢሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
