ዝተምሃረሉ ዩኒቨርሲቲ ዲግሪኡ ወሲዱ ገንዘቡ ክምልሰሉ ዝሓተተ ናይጀርያዊ

ዝተምሃረሉ ዩኒቨርሲቲ ነቲ 'ረብሓ ዘይብሉ' ዝበሎ ዲግሪ ወሲዱ ገንዘበይ ይምለሰለይ ክብል ዝሓተተ ናይጄርያዊ ኣዘራራቢ ኮይኑ፡፡
ወዲ 36 ዓመት ኦሉዴር ኣላባ ንሓሙሽተ ዓመታት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ተማሂሩ ኣብ 2015 ብዲግሪ ተመሪቑ፡፡
እቲ ዩኒቨርሲቲ ገንዘቡ ክመልሰሉ ዝሓተተ ኣላባ፡ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ እኳ ምላሽ እንተዘይረኸበ፡ በቲ ኩነታት ዝሓዘኑ ሰባት ግን ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሮምሉ፡፡
ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደቡብ ምዕራባዊ ናይጄርያ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት መንግስታዊ ኣኮንዴ ኣኪንቶላ ዩኒቨርሲቲ ከይዱ ገንዘቡ ክመልሰሉ እንትሓትት ዘርእይ ቪድዮ ብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘርጊሖምዎ ነይሮም፡፡
ብድሕሪኡ፡ ምስ ቢቢሲ ዮሩባ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ በቲ ብዙሕ ገንዘብ ከፊሉ ዝረኸቦ ዲግሪ ስራሕ ክረክብን ኣብ ህይወቱ ዝረብሕ ለውጢ ከምጽእን ከምዘይከኣለ ተዛሪቡ፡፡
እንተኾነ ነቲ ዲግሪ ንምርካብ ከንደይ ከምዘውጸአ ኣይገለጸን፡፡
‘‘ወዲ 90 ዓመት ኣቦይ፡ ከምቲ ተለቂሑ ዘምሀረኒ፡ ‘ተለቂሕካ ዲኻ ክትቀብረኒ?’ ኢሉ ይሓተኒ’’ ኢሉ፡
‘‘ካብ ሰብ ዝነኣስኩ መሲሉ ስለዝስመዓኒ፡ ተስፋ ቆሪጸ ካብ ገዛይ ወጺአ፡፡’’
ዋላኳ እቲ ዩኒቨርሲቲ ገንዘቡ እንተዘይመለሰሉ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ዝተምሃሩ ማሕበር ግን ኣስታት 1200 ዶላር ኣተኣኻኺቡ እግሪ ክተክል ሂብዎ፡፡
ኣላባ በቲ ዝረኸቦ ሓገዝ ገንዘብ ላፕቶፕን ካልኦት መሳርሕታትን ገዚኡ ኣብ ኢንተርነት መደባት እናዳለወ ህይወቱ ንምቕያር ተስፋ ገይሩ ኣሎ፡፡






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
