ሃገራት ብኸመይ እየን ዜጋታተን ካብ ዞባ ኲናት ዘውጽኣ

ምንጪ ስእሊ, EPA
መንግስታት ብሪጣንያ፡ ኣሜሪካ፡ ፈረንሳን ካልኦትን ዲፕሎማሰኛታቶምን ስድራቤቶምን ካብ ሱዳን ምውጽኦም ዝገልጽ ዜና ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ተሰሚዑ ኣሎ።
እዚ ዝዀነ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጐ ክልተ ተጻረርቲ ወተሃደራዊ ሓይልታት ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ኰይኑ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ብዝተፈጸመ ደብዳብን ተዅስን ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ተቐቲሎም እዮም።
ገና ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዘለው ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ብሪጣንያውያን፡ ድሕሪ እቲ ብሰንበት ዝተኻየደ መስርሕ ምግዓዝ ዲፕሎማሰኛታትን ስድራቤቶምን፡ መንግስቶም ዝሓደጐም ኰይኑ ከምዝስምዖም ይገልጹ።
መንግስቲ ብሪጣንያ ነቶም ኣብታ ሃገር ተዓጊቶም ዘለው ዜጋታቱ ንምግዓዝ “ኣሎ ዝበሃል ተኽእሎታት ይፍትሽ” ከምዘሎን ርክቡ ከምዘይተቋረጸን ይሕብር።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሻቓልን ብቕልጡፍ ዝቀያየርን ሃዋሁ፡ ሓደ መንግስቲ ንዲፕሎማሰኛታቱ ብፍላይ ዒላማ ምስዝዀኑ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ናብ ውሑስ ቦታ ዘውጽኦም?
ቢቢሲ ኒውስ ነቲ ንልዕሊ 26 ዓመታት ኣብ ሰራዊት ብሪጣንያ ዘገልገለን ከም ኣዳላዊ ወተሃደራዊ ውጥንን ሓላፊ ስለያን ኰይኑ ዝሰርሐ ፊሊፕ ኢንግራም ሓቲቱ።
ቀዳማይ መድረኽ፡ ምውጣንን ምድላውን
ኣባላት ሰራዊት ከምዚ ንዝኣመሰለ ስርሒታት ብቐጻሊ ከምዝለማመዱን ከምዘማዕብልዎን ሚስተር ኢንግራም ይገልጽ። ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ምክልኻልን ጉዳያት ወጻኢን እውን ብቐጻሊ ኣብ ዙርያ ዓለም ናብ ዝርከባ ኤምባሲታት ብሪጣንያ ብምብጻሕ፡ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን፡ ዘለዎም ውጥናት ምግዓዝ እንታይ ከምዝመስል ከምዝዝትዩ የረድእ።
ስርሒት ምግዓዝ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ምዃኑ ዝዛረብ ሚስተር ኢንግራም፤ ካብ ዞባታት ኲናት ሰባት ንምውጻእ ወተሃደራት ምጥቃም ዘስዕቦ ሓደጋታት "ኣቃሊልካ ክርአ ኣይክእልን" ይብል።
መሓዙት ሃገራት’ውን ሰራሕተኛታተን ካብቲ ቦታ ናይ ምውጻእ ድልየታት ክህልወን ስለዝኽእል ከይተወከስካ ክካየድ ከምዘይብሉ’ውን ይገልጽ።
ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዲፕሎማሰኛታተን ካብታ ሃገር ብነፋሪት ከምዘውጽኣ ብሰንበት ክገልጻ እንከለዋ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያን ስጳኛን እውን ዲፕሎማሰኛታትን ዜጋታትን ከውጽኣ ጸኒሐን እየን።
መብዛሕትኡ ግዜ ሃገራት ኣብቲ ብዘይግጭት ዝካየድ ስርሒት ምግዓዝ (NEO) ብሓባር እየን ዝሰርሓ።
ሓንቲ ሃገር ንኣህጉራውያን መሻርኽቲ ከይተወከሰት ሰራሕተኛታታ እንተ ኣውጺኣ፡ ንኻልኦት ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ክቃልዖም ከምዝኽእል ይገልጽ።
ሓንቲ ሃገር ሃንደበት ዲፕሎማሰኛታታ ምስ እተውጽእ፡ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ነቶም ዝተረፉ ዒላማ ክገብርዎም ወይ ከም “ጅሆ ክህዝዎም” ዕድል ክኸፍት ከምዝኽእል የረድእ።
ካልኣይ መድረኽ፡ ሃንደበትነት
ውጥን እቲ ምግዓዝ ምስ ተዳለወ፡ ወተሃደራውያን ኣሳለጥቲ ብቕልጡፍ ናብቲ ኤምባሲ ከምዘምርሑ ሚስተር ኢንግራም ይገልጽ። እዚኦም፡ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ፡ ፍሉይ ሓይልታትን ኣባላት ጕጅለ ምውጣን ሓባራዊ ስርሒትን ከጠቓልል ይኽእል።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ናይ ምግዓዝ ውጥን ብምስጢር እዩ ዝተሓዝ። እዚ ከኣ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ነቲ ዝሃድሞ ዘሎ ቃፍላይ ጅሆ ከይሕዝዎ ወይ ኣብ ልዕሊኡ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ነቲ ካልእ ወገን ንምኽሳስ ከይጥቀሙሉ ንምክልኻል እዩ።
"ሚኒስተራት ብልክዕ እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ምስ ዝሕተቱ፡ ገጾም ጠውዮም እዮም ዝኸዱ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይህቡን" ይብል ሚስተር ኢንግራም።
"ሓደ ካብቲ ወሳኒ ጉዳይ ናይዚ ሃንደበታዊ'ዩ፡ እቶም ዝዋግኡ ወገናት ዝዀነ ግቡእ ምላሽ ከይሃቡ ቀልጢፍካ ምእታውን ምውጻእን፤ ስለዚ ኢና ዝሰማዕናዮ ነገር ዘይነበረ።"

ሳልሳይ መድረኽ፡ ምእታው
ነዚ ዓይነት ስርሒት ዘድልዩ ኣባላት፡ ነፈርትን ሎጂስቲክስን ኣቐዲምካ ከምዝዳሎን ናብ ሱዳን ቀረባ ኣብ ዝዀነ ቦታ ከምዝቕመጥን ሚስተር ኢንግራም ይሕብር።
ኣብዚ ናይ ሱዳን ጉዳይ፡ ኣብ ቀዋሚ ወተሃደራዊ መደበር ብሪጣንያ፡ ሓይሊ ኣየር ኣክሮቲሪ፡ ቆጵሮስ ምጽንሑን እዚ ንሱዳን ብናይ በረራ ርሕቐት ንምብጻሕ ዘኽእል ምዃኑን’ውን ይገልጽ።
ኣብኡ ኤየርባስ ኤ400ኤም ከምኡ’ውን ሲ-130ጄ ሄርኩለስ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ናይ መጉዓዝያ ነፈርቲ ኣብዚ መደበር ይርከቡ ይብል።
ኣብቲ መደበር ኣየር ብሳተላይት ዝተወስደ ምስሊ፡ ክልተ ምስ ኤ400ኤም ዝመስላ ነፈርቲ ከምዝነበራን ካብ ሰንበት ንደሓር ግን ከምዘየለዋን የረኢ።
ብዘይካ’ዚ ብ 20 ሚያዝያ ዝተወሰደ ስእሊ ኣርባዕተ ነፈርቲ ከርኢ እንከሎ ብ 23 ሚያዝያ ዝተስኣለ ግን ክልተ ጥራይ የርኢ።
ሚኒስተር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣንድሪው ሚቸል ብሰኑይ ንባይቶ (ኮመንስ) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ "ኣዝዩ ዝተሓላለኸ" ስርሒት ልዕሊ 1200 ኣባላት ሰራዊት ብሪጣንያ ከምዘሳተፈ ገሊጹ።
እቲ ምውጻእ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ሓይልታት ፈረንሳ፡ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ናብ ካርቱም ንምብጻሕ ብሓባር ሰሪሖም ክዀኑ ከምዝኽእሉን፡ ወተሃደራት ኣሜሪካ ቺኑክ ሄሊኮፕተራት ከምዝተጠቕሙን ይዛረብ።
"[ድሕሪኡ] ምስቶም ወከልቲን፡ ምስቶም መካይንን ካልእን ዘድሊ ነገራት ኣብቲ ኤምባሲታት ዝረኽቡሎም ናይ ውጥንን ምውህሃድን ሰባት ተራኺቦም ይዀኑ እዮም፡" ይብል።

ራብዓይ መድረኽ፡ ምውጻእ
እቶም ወተሃደራዊ ሓይልታት ናብኡ ምስ በጽሑ፡ እቶም ክግዕዙ ዝተደለዩ ሰባት ናብቲ ኤምባሲ ወይ ካልእ ማእከላይ ቦታ ከምዝጽውዑ ሚስተር ኢንግራም ይገልጽ።
ኵሎም ብሓባር ምስ ተኣከቡ፡ ኣብ መካይን ኣእትዮም ብሕቡእ ናብቲ "መውጽኢ ነጥቢ" ከምዝውሰዱ’ውን የረድእ።
ዲፕሎማሰኛታት ብሪጣንያን ስድራቤቶምን ካብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ዋዲ ሰይድና ሱዳን ብወተሃደራዊት ነፋሪት ብሰንበት ከምዝተጓዕዙ ቢቢሲ ክፈልጥ ክኢሉ ኣሎ።
ኣብ ሰሜን ካርቱም ካብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ብሳተላይት ዝተሳእሉ ስእልታት፡ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ፡ ሓንቲ ኤ400ኤም እትመስል ነፋሪት ትርአ።
ሚኒስተራት እዚ ስርሒታት ምውጻእ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ ኣለዉ። ሚስተር ሚቸል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ፈረንሳ ነቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዘግዕዘሉ ዝነበር እዋን “ኣብ ኣፍደገ እቲ ኤምባሲ ከምዝተተኮሰሎምን” ሓደ ካብ ኣባላት ፍሉይ ሓይልታቱ "ብኸቢድ ሓሚሙ" ከምዘሎን ገሊጹ።
ሚኒስተር ዕጡቕ ሓይልታት ብሪጣንያ ጀምስ ሂፒ "ብዘይ ዕንቅፋት ተኻዪዱ፡ እዚ ድማ ኣዝዩ ኣሐጒሱና" ብምባል ንልኡኽ ብሪጣንያ ንኢዱ።
ወሲኹ ግን "ብርግጽ እቲ ስራሕ ኣይተዛዘመን" ኢሉ።
ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ሱዳን ንዝርከብ “ሰፊሕ ማሕበረሰብ ብሪጣንያ ንምሕጋዝ እንታይ ክግበር ከምዝኽእል ንምርኣይ ስራሕ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ቀጺሉ ኣሎ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
