እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ወዱ ‘ገበነኛ’ ምስ ተባሃለ እንታይ ኢሉ?
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ወዱ ሃንተር ባይደን ምስ ምዕዳግ ኣጽዋር ብዝተኣሳሰር፡ ገበነኛ ምዃኑ ምስተረጋገጸ፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ከምዘኽብር ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ሓደ ሰሙን ዝወሰደ መስርሕ ፍርዲ ዝተሳተፉ 12 ዳያኑ፡ ወዲ 54 ዓመት ሃንተር ባይደን፡ ኣብ 2018 ብረት እንትገዝእ፡ ኣብ ዝመልኦ ቅጥዒ ሓሶት ሓበሬታ ስለዝረኸቡ፡ ገበነኛ ኮይኑ ረኺቦሙዎ።
ሃንተር ባይደን ብማእሰርቲ ክቕጻዕ ይኽእል'ዩ።
ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ፡ ሓደ ወዲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ብገበን ክፍረድ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።
እዚ ፍርዲ፡ ጆ ባይደን ቀጻሊ ፕረዚደንት ኣመሪካ ንምዃን ጎስጓስ ኣብ ዝገብረሉ ዘሎን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጽባሕ ኣውራ መነሓንሕቱ ዝዀነ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ‘ገበነኛ’ ኣብ ዝተብሃለሉ'ዩ ተዋሂቡ።
ጆ ባይደን፡ ኣብቲ መጋባእያ’ኳ እንተዘይተረኽበ፡ ሰበይቲ ኣቡኡ ዝዀነት ቀዳመይቲ እመቤት ጂል ባይደን፣ በዓልቲ ቤት ሃንተር፣ ሓፍቱን ኣኮኡን ንሃንተር ንምድጋፍ ኣብ’ቲ ውዕሎ ተረኺቦም።
ድሕሪ እቲ ፍርዲ፡ ባይደን ናብታ እቲ ብይን ዝተዋህበላ ግዝኣት ደላዌር ብምቕናዕ፡ ምስ ወዱ ክተሓቛቖፉ ተራእዮም።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣነ ፕረዚደንት ከምኡ'ውን ኣቦ'የ። ኣነን ጂልን ንወድና ንፈትዎ ኢና፡ ብመንነቱ ድማ ንሕበን ኢና" ኢሉ።
ደያኑ ካብ በዓል ቤትን ኣፍቃሪትን ሃንተር ነበር ምስክርነት ሰሚዖም፣ ሰነዳዊ መርትዖታት ገምጊሞምን፡ ሃንተር ባይደን ልዑል መጠን ኮኬይን ወሲዱ፡ ብረት ከም ዝዓጠቐ ኣረጋጊጾም።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ውሳነ ፍርዲ ክህብ ትጽቢት ይግበር።
ብመሰረት ሕጊ ኣመሪካ፡ ሃንተር በቲ ዝተፈርዶ ገበን ክሳብ 25 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ይኽእል'ዩ፡ እንተዀነ ግን እዚ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ሃንተር ክወሃብ ዘሎ ተኽእሎ ትሑት ምዃኑ ሰብ-ሞያ ይኣምኑ።
ግብረ-መልስን ስምዒታትን
ኣቦ መንበር ሪፓብሊካን ኮሚተ ተቖጻጻሪ ባይቶ ጀምስ ኮመር፡ እዚ "ናብ ተሓታትነት ዝወስድ ስጉምቲ" ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ "ናይ ባይደን ስድራ ብልሽውና" ዝበሎ ሰፊሕ ገበናት፡ ክምርመር ከምዘለዎ ወሲኹ ገሊጹ።
ካብ ጎስጓስ ትራምፕ ዝወጸ መግለጺ፡ እቲ ፍርዲ "ካብቲ ሓቀኛ ገበናት ስድራቤት ባይደን ኣቓልቦ ንምቕያር ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን" ይብል።
እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ብዙሕ ግዜ ነዚ ኣበሃህላ፡ ኣብ ጎስጓሱ ክጥቀመሉ ይስትውዓል።
ኣባላት ኮንግረስ ዝዀነ ዲሞክራትስ፡ ንሪፓብሊካን መሳርሕቶም ብግብዝና ብምኽሳስ፣ ንስርዓት ፍትሒ ኣመሪካ ድማ ንኢዶም።
ዲሞክራት ሜሪላንድ ጄሚ ራስኪን፡ ኣብ መስርሕ ፍርዲ፤ “ኣብ መንጎ ሪፓብሊካንን ዲሞክራትን ዘሎ ናይ ግብረ መልሲ ፍልልይ ኣነጻጺሩዎ” ኢሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንሃንተር ባይደን ዝፈረዱ ሓያሎ ዳያኑ፡ ውሳኔኦም ዝኾነ ፖለቲካዊ ድፍኢት ከምዘይነበሮ ገሊጾም።
ሓገዝቲ ፕረዚደንት ባይደን ንማዕከናት ዜና ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ክከታተሎ ዝጸንሐ ሚስተር ባይደን ስምዒታዊ ጽልዋ ፈጢሩሉ ከምዝቐነየ ገሊጾም።
ገለ ማዕከን ዜና፡ ሚስተር ባይደን ኣብ ልዕሊ ወዱ ንዝተውሃበ ብይን፡ ናቱ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ኣበርክቶ ገይሩ ክኸውን ከምዝኽእል ከምዝኣምን ፀብፂበን።