እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 2ይ ደረጃ ኣብ ሳዋ ይወሃብ ኣሎ
ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኤርትራ ካብ ትማሊ 13 መጋቢት ጀሚሩ ይወሃብ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ኤርትራውያን ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ናይ መወዳእታ ዓመት ትምህርቶም ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ እዮም ዝውድኡ።
እቲ ፈተና ክሳብ 18 መጋቢት ዝቕጽል ምዃኑ መንግታውያን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን ኣለዋ።
እቶም ኣብዚ ዓመት'ዚ ዝፍተኑ ዘለዉ 14,395 ኮይኖም፡ ካብኦም 49.1% ደቂኣንስትዮ ምዃነን ንሓላፊት ማእከል ፈተናታት ዶ/ር ብስራት ገብሩ ብምጥቃስ ሓቢረን።
ዝበዝሑ ካብኦም (98 ሚእታዊት) "ብስሩዕ ኣብ ሳዋን ኣብያተ ትምህርቲ ቴክኒክን ክመሃሩ ዝሓገዩ" ምዃኖም ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ ካብ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዘለዉ፡ ከምኡ'ውን ገለ ዝደገሙ ነቲ ፈተና ይወስዱ ምህላዎም ይሕብር።
እቶም ናብቲ መዓስከር ዝኸዱ ተመሃሮ፡ ጎኒ ጎኒ እቲ ዝወስድዎ ወተሃደራዊ ስልጠና'ዮም ትምህርቶም ዝከታተሉ።
ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ትሕቲ-ዕድመ ተመሃሮ ከካብ ዝነብርሉ ቦታታት ናብቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ምውሳዱ ክነቕፉ ጸኒሖም'ዮም።
እቲ ኣብ ለካቲት 2003 ዝጀመረ ተመሃሮ ናብ ሳዋ ናይ ምውሳድ ፖሊሲ፡ መንእሰያት ኤርትራ ናብ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኣትውሉ ኣፍደገ'ዩ።
ሰብመዚ ኤርትራ ግን "ሃገራዊ ኣገልግሎት ዓንዲ ሕቘ ምክልኻል እዩ" ብምባል ከምዘይቋረጽ'ዮም ዝገልጹ።
ኣብቲ ዝወሃቦም ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቒ ፈተና፡ መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸቡ ተመሃሮ ትምህርቶም ንምክትታል ናብ ኮሌጃትን ማእከል ሞያዊ ስልጠና ሳዋን ክምደቡ እንከለው፤ እቶም ዝበዝሑ ዘይሓለፉ ግና ኣብ ሰራዊት፡ ሚኒስትሪታት፡ ህዝባዊ ትካላትን፡ ትካላት ህግደፍን ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽሙ ይምደቡ።
ኣብ 2020 ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዋርሳይ ይካኣሎ ሳዋ፡ ዘሎ ኣተሓሕዛ ተማሃሮ ንለበዳ፡ ኮሮናቫይረስ ዘቃልዕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ #EndHighSchoolInSawa ዝብል፡ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ሳዋ ከብቅዕ ጎስጓስ ኣካይዶም ምንባሮም ይዝከር።
ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ሳዋ ክቕጽል ኣለዎ ዝብሉ ኤርትራውያን ብወገኖም፡ መንእሰያት ኣብ ሳዋ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ምስ ዝመጹ መዛኑኦም ስለ ዝራኸቡ ባህሊ ሃገሮም ክፈልጡን ሓድነቶም ከትርሩን ከም ዝሕግዞም ክብሉ ይምጉቱ።
ስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ብሰንኪ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዋሕዚ ስደት ተመሃሮን መምሃራንን እናተዳኸመ ክመጽእ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ትሑት ደሞዝ መምሃራን፡ ዘይብቑዕ ምሕደራን ካሪኩለምን'ውን ገለ ካብ ጠንቅታት ናይቲ ምድኻም ምዃኑ ይንገር።
ብዘይካ'ዚ፡ ተመሃሮ ኤርትራ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝተሓረሙ ምዃኖም'ውን፡ ብፍላይ እዋን ዕጽዋ ለበዳ ኮቪድ-19 ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ካብ መኣዲ ትምህርቲ በዂሮም'ዮም ነይሮም።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ንጉዳይ ትምህርቲ ጎስይዎ'ዩ ሓሊፉ።