እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዋና ኣካያዲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነበር ዝለዓለ ናይ ክብሪ ሽልማት ኣቬሽን ተዋሂቡ
ዋና ኣካያዲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ኣብ ኢንዱስትሪ ኣቬሽን ንዝገበሮ ናይ ዓመታት ኣበርክቶ ዝለዓለ ሽልማት ተዋሂቡ።
ሮያል ኤሮነቲክስ ሶይቲ ዝተባህለ ፍሉጥ ናይ ኣቬሽን ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣቶ ተወልደ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝበለጸ ክኸውን ኣብቂዕዎ ክብል ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።
ኣቶ ተወልደ "ገብረማርያም ንዳርጋ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝምዕባለ ኣቬሽን ዘርኣዮ ተወፋይነትን ንዕብየት ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ኣኽሳቢ ዝኾነ መንገዲ ኣየር ዝገበሮ ኣበርክቶን ናይ ክብሪ ፌለውሽፕ 2022 ተሸሊሙ ኣሎ" ይብል እቲ ብቐዳም ዝወጸ መግለጺ።
"እቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ናይ ኤሮነቲክስ ሽልማት ነቶም ኣብ ሞያ ኤሮነቲክስ ብሉጻት ዝኾኑ ጥራይ'ዩ ዝወሃብ. . .እዚ ኽብሪ'ዚ ነቶም ብስርሖም፡ መሪሕነቶም፡ ኣርኣያነቶምን ጽልውኦምን ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ጸብለል ኢሎም ዝርከቡ ዝወሃብ'ዩ"።
ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉጥ ዝኾነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ብዓወት ዝመርሐ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም፡ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ብሰንኪ 'ጥዕናዊ ጸገም' ካብ ሓላፍነቱ ከምዝወረደ ይዝከር።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ኣመሪካዊ መንገዲ ኣየር ደልታ ላዕለዋይ ስትራተጂካዊ ኣማኻሪ ኮይኑ ይሰርሕ ከምዘሎ'ውን መግለጺ ናይ ዝሸለመ ትካል ይጠቅስ።
ቅድሚ ካብ መዝነቱ ክወርድ ምሕታቱ፡ ንብዙሕ ኣዋርሕ ኣብ ኣመሪካ ሕክምና እናተኸታተለ ስርሑ ይሰርሕ ምንባሩ ተገሊጹ ነይሩ።
እቲ ዋና ኣካያዲ ነበር፡ ኣባል ቦርድ ዝተፈላለዩ ናይ ኣቬሽን ማሕበራት ዝነበረ ኾይኑ፡ ብዘርኣዮ ብቑዕ መሪሕነትን ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘመስከሮ ዕብየትን ሓያለ ሽልማት ዝተቐበለ'ዩ።
ኣቶ ተወልደ ካብ ኣዲስኣበባ ዩኒቨርስቲ ብስነ-ቑጠባ ዲግሪ ከምኡ’ውን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዝርከብ ኦፕን ዩኒቨርሲቲ ብቢዝነስኣድሚኒስትሬሽን ናይ ማስተርስ ዲግሪ ከምዝረኸበ ይፍለጥ።
ኣብ 1985 ፈለማ ከም ሰራሕተኛ መንገዲ ኣየር ዝተቖጽረ ኣቶ ተወልደ፡ ዋና ኣካያዲ ቅድሚ ምዃኑ፡ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት ኣገልጊሉ ነይሩ።