ኣብቲ 5 መዓልታት ዘቑጸረ ዳግማይ ኲናት ዝተረኣዩ 5 ዓበይቲ ፍጻሜታት

ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ሃዲኡ ዝጸንሐ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ረቡዕ 18 ነሓሰ 2014 ዳግማይ ከም ዝተወለዐ ይፍለጥ።
እቲ ናብ ዝኸፍአ ጐንጺ ከምርሕ ከም ዝኽእል ዝግመት ዳግማይ ዝተወለዐ ኲናት ካብ ዝጅመር 5 መዓልቲ ኣሕሊፉ’ሎ። ኣብ ውሽጢ እዘን 5 መዓልታት ዝተርኣዩ 5 ዓበይቲን መዘራረብቲን ፍጻመታት ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ።
1. ዳግማይ ዝተወለዐ ኲናት
ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ሃዲኡ ዝጸንሐ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ዳግማይ ከም ዝተወለዐ ዝተሰምዐ፡ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ፡ ካብ ወጋሕታ 18 ነሓሰ 2014 ጀሚሩ ብግንባር ደቡብ ኣብ ከባቢታት ኣላማጣ ብሰራዊት ፌደራል፣ ሓይልታት ኣምሓራን ናይ ወሎ ፋኖን መጠነ ሰፊሕ ኵናት ከምዝተኸፈቶ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።
መንግስቲ ፌዴራል ብወገኑ ብመገዲ ቤት ጸሕፈት ውሃቢ ወቃል መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብምጥሓስ ነቲ ኵናት ከምዝጀመርዎ ገሊጹ።
እቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝተገብረ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተፃብኦታት ስዒቡ ኣቋሪፁ ዝፀንሐ ኲናት መሊሱ ምስ ተወልዐ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ኣሜሪካን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተወለዐ ኲናት ደው ክብል ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
2. ‘ነዳዲ ሰሪቖም’ ዝብል ክሲ
ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ ኣብ ኒውዮርክ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ መኽዘን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ልዕሊ 500 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ብሓይሎም ከምዝዘመትዎ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስለይ ብወገኑ፡ ሰብመዚ ትግራይ ካብቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል ነዳዲ ብምራቖም ቁጥዐኡ ኣብ ዝገለጸሉ ጽሑፍ፡ ነቲ ተግባር "ዘቖጥዕን ዘሕፍርን" ክብል ምግላጹ ይዝከር።
መንግስቲ ፌደራል ሓሙስ 19 ነሓሰ/2014 ዓ.ም. "እቲ ዝምታ ገበን ኲናት እዩ" ድሕሪ ምባል ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ቆቦን ከባቢኣን መጥቃዕቲ ንምፍፃም ዝጥቀምሉ ከም ዝኾነ ዝሕብር መግለፂ ኣውጺኡ ነይሩ።
ይኹን እምበር መራሕቲ ትግራይ፡ እቲ ብዋና ዳይረክተር መግቢ ዓለም ዝቐረበ ክሲ ከምዘሕዘኖም ብምግላጽ፡ ቅድም ክብል ንፕሮግራም መግቢ ዓለም ልዕሊ 600 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ኣለቂሖምዎ ከምዝነበሩን ብውዕሎም መሰረት ብዓይነት ክምለስ ከምዝጠለቡን ሓቢሮም።
3. 'ነፋሪት ተሃሪማ ወዲቓ' ዝብል ጉዳይ
'ናብ ትግራይ ኣጽዋር ውግእ እተግዕዝ ነፋሪት ተሃሪማ ወዲቓ' ዝብል እቲ ካልእ ኣዘራራቢ ዝነበረ ዛዕባ እዩ።
መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት እታ ሃገርእ፡ ኣብ 17 ነሓሰ 2014 ዓ.ም. ሓንቲ ኣጽዋር ናብ ሓይልታት ትግራይ ንምብጻሕ ዝፈተነት ነፋሪት ሃሪሙ ከምዝውደቐ ሓቢረን ነይረን።
ሓላፊ ስርሒታት ሰራዊት ምክልኻል ሜጀር ጀነራል ተስፋዬ አያሌው፡ እታ ነፋሪት ብሱዳን ኣቢላ ናብ ትግራይ ክትሓልፍ ከምዝተሃርመት ንማዕከናት ዜና መንግስቲ ገሊጹ ነይሩ።
እንተኾነ ግን፡ ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ሬድዋ ሑሴን እታ ተሃሪማ ወዲቓ ዝተባህለት ነፋሪት ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ መቐለ ኣሉላ ኣባነጋ፡ ከምዝተሃርመት ዝገልጽ ዝራጸም ሓበሬታ ኣብ ትዊተር ኣውጺኡ። ብተወሳኺ እውን እታ ነፋሪት “ኣብ መቐለ እናራገፈት እንከላ ተሃሪማ ወዲቓ" ምባሉ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ።
መራሕቲ ትግራይ ግን፡ 'ናብ ትግራይ ኣጽዋር ውግእ እተግዕዝ ነፋሪት ተሃሪማ ወዲቓ' ዝብል፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ "ውጹእ ሕሶት" ክብሉ ከም ዝነጸግዎ ይዝከር።
እቲ ካብ መራሕቲ ትግራይ ዝወጽአ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ ብቐጻሊ ብኣልማሚት ደብዳብ ነፈርቲ ንምክያድ መመኽነይታ ይፈጥሩ ኣለዉ ክብል ዝኸሰሰ ኰይኑ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ተረዲኡ ተርኡ ክጻወት እውን ዘመልክት'ዩ ነይሩ።
ሱዳን’ውን ብወገና እቲ ጸብጻብ ሕሶት ከም ዝኾነ ገሊጻ እያ።
4. ደብዳብ ኣየር ኣብ መቐለ
መንግስቲ ፌደራል ኣብ 20 ነሓሰ 2014 ኣብ መቐለ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ኣብተን 5 መዓልቲ ካብ ዝተርኣዩ ካልእ ዓብይቲ ፍፃመታት እዩ።
ሓይልታት ክልል ትግራይ ፌደራል መንግስቲ ሰለማዊ ህዝቢ ዒላማ ገይሩ ኢሎም ክኸሱ እንከለዉ መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ፡ ሲቪላት ዒላማ ተገይሮም ዝተብሃለ "ሓሶት እዩ" ይብል።
ሚኒስተር ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ሓሶትን ዝተፈብረኸን ድራማ እዩ" ድሕሪ ምባሉ ሰብመዚ ትግራይ ከም ዝተጎድኡ ኣምሲሎም "ሬሳ መሸፈኒ ቦርሳ የርእዩ" ከም ዝነበሩ ንሮይተርስ ሓቢሩ ነይሩ።
ይኹን እምበር ብሰንኪ እቲ ኣብ መቐለ ከባቢ እንዳ ኣቡነ ተኽለሃይማኖት፡ ኣብ ሓደ መውዓሊ ህጻናት ዝተኻየደ ደብዳብ ነፋሪት፡ 3 ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 7 ሰባት ከምዝሞቱ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳን ማዕከን ዜና ሮይተርስን ንሰበስልጣን ጥዕና ብምጥቃስ ሓቢሮም እዮም።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓላፊ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዶ/ር ክብሮም ገብረስላሴ ብወገኑ፡ ብሓፈሻ 13 ዝተሃረሙ ሰባት ናብቲ ሆስፒታል ከምዝኣተዉን ካብቶም ቅድሚ ናብ ሆስፒታል ምብጽሖም ዝሞቱ ህጻናት ከምዝርከብዎምን ገሊጹ ነይሩ።
ካብቶም ዝተሃረሙን ዝሞቱን ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት ዝርከባ ኣዴታት ከምዝርከብኦምን ካብቶም ግዳያት እተን 6 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና’ውን እቲ ሓላፊ ከም ዝጠቐሰ ይዝከር።
ዋና ዳይሬክተር ትካል ህፃናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ካትሪን ራስል ብወገና፡ ነቲ ፌደራል መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብትሪ ኮኒና፣ በቲ መጥቃዕቲ "ሓያሎ ህፃናት" ዝርከብዎም ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጻ።
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐድሑ ዝግለጽ ዘሰክፉ ቪድዮታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ዝተዘርግሑ እንትኾን፡ እቲ ዝተዘርግሐ ዜና ደብዳብ ስዒቡ፡ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ገለ ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ዝርከብሎም ማእከላት ዒላመ ገይሩ ከምዘጥቅዕ ብምግላጽ፡ ህዝቢ ካብ ከምዚ ዓይነት ከባብታት ክርሕቕን ንነፍሱ ከድሕንን ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ'ውን ይፍለጠ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/ YASUYOSHI CHIBA
5. ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ቆቦ ምቁጽጻሮም
ኣብ ኣጋ ምሸት ቀዳም 21 ነሓሰ 2014፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ትርከብ ከተማ ቆቦ ከምዝተቖጻጸሩ ተሰሚዑ።
ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ኣብዚ ዕለት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበፅሕ ህልቂት ንምትራፍ ብዝብል" እቲ ሰራዊት ምክልኻል ካብ ከተማ ቆቦ ከምዝወጸአ ሓቢሩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ከተማ ቆቦ ወጺኡ ንምክልኻል ዘኽእሎ ወተሃደራዊ ቦታታት ክሕዝ ከምዝተገደደ ገሊጹ።
ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም "ብዘካየድዎ ስርሒት ፀረ መጥቃዕቲ" ንከተማ ቆቦ ከምዝተቖፃፀሩ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣመልኪቶም።
ሓይልታት ትግራይ ኣማስዮም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ “ኣንፃር እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተኸፈተ መጥቃዕቲ ብዝወሰድዎ ፀረ-መጥቃዕቲ” ንቆቦ ሓዊሱ ጉጉውዶ፣ ፎኪሳ፣ ዞብል፣ መንደፈራ፣ ሮቢት፣ ሽዊት ማርያምን ተኮሎሽን ዝብሃሉ ቦታታት ከምዝተቖፃፀሩ ወግዓዊ ገይሮም።
ነበርቲ ከተማ ቆቦ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ብሰንኪ እቲ ዳግማይ ዝተወለዐ ግጭት ግልጋሎት መጓዓዝያ ብምቁራፁ ብዙሓት ሰባት ብእግሮም ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ይሃድሙ ምህላዎም ተዛሪቦም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
