"በብዘለናዮ ዓዲ ኣካል እቲ ማሕበረሰብ ክንከውን ኣለና" ንኣባልነት ፓርላማ ሽወደን ዝወዳደር ዘሎ ፊልሞን

Published

ወዲ 29 ዓመት በዓል ሞያ ኬሚካላዊ ምህንድስና ፊልሞን ጎርፉ፡ ኣብቲ ኣብ ሽወደን ዝካየድ ዘሎ ዞባውን ፓርላመንታውን መረጻ ካብቶም ሸሞንተ ዓበይቲ ውድባት እታ ሃገር ሓደ ንዝኾነ ጸጋማዊ ውድብ ሶሻል ዲሞክራት ወኪሉ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ይወዳደር ኣሎ።

ክሳብ 10ይ ክፍሊ ኣብ ትግራይ ተማሂሩ ኣብ 2009 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ናብ ስዊዲን ዝኸደ ፊልሞን፡ ካብ 2018 ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ምውሳእ ከምዝጀመረ ይገልጽ።

"ካብ 2018 እየ ኣብ ፖለቲካ ምስታፍ ጀሚረ። ምኽንያቱ እቲ ናይዚ ዓዲ ፖለቲካን ጸገማትን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ ኢለ ስለ ዝኣምን እዩ። ኣብዚ ዓዲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ተምሃራይ እናሃለኹ እውን ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፍ መሓዛ ነይሩኒ። ሽዑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣባል ኮይነ” ይብል።

ፊልሞን ኣባል ሰልፊ ሲሻል ዲሞክራሲ ኮይኑ፡ ኣብ ዞባውን ፓርላመንታውን ውድድር ሕጹይ ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ።

እቲ ሰልፊ ኣብ ማዕርነት፣ ሕግን ክሊማን ዘለውዎ ፖሊሲታት ኣባል ክኸውንን ምስቲ ውድብ ክሰርሕን ከምዝገበርዎ እውን ይገልጽ።

“ቁጠባዊ ማዕርነት ክህሉ ኣለዎ ይብል። ኣብ መንጎ ድኻን ሃብታምን ዘሎ ኣፈላላይ ክቕንስ ኣለዎ ዝብል እዩ። ካልኣይ ኣብ ገበን ዘሎ ኣተሓሕዛ ዝምልከት እዩ። መብዛሕትኡ ገበን ብወጻእተኛ እዩ ዝፍጸም እናበሉ ኩሉ ናባና ዝገብርዎ፣ ቅጽዓት ክኸርር ኣለዎ፤ ክነባርሮም ኣለና ዝብሉ የማናውያን ኣለዉ። ናትና ሰልፊ ግን ሰብ ብምቕጻዕ ጥራሕ ዘይኮነስ ገና ካብ መውዓሊ ህጻናት ጀሚሩ ሓገዝ ክግበር ኣለዎ እዩ ዝብል” ኢሉ።

መመርመሪ ናውቲ ኮቪድ 19 ኣብ ዘፍሪ ትካል ላቦራቶሪ ኢንጂንየር ኮይኑ ዝሰርሕ መንእሰይ ፊልሞን፡ ስደተኛታት ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዝነብሩለን ሃገራት ብሰፊሕ ክሳተፉ ከምዝግባእ እዩ ዝኣምን።

“ሓደ ከም ዝኾነ ኣካል እቲ ማሕበረሰብ ክንከውን ኣለና። ኩሉ ኣብ ስዊዲን ዝካየድ ነገር ክንከታተል ኣለና። ምኽንያቱ፡ ሕጊ ዝጸድቕ ኣብ ፓርላማ እዩ፤ ሕጊ ዘጽድቕ ፓርላማ እዩ።

"ኣካል እቲ ማሕበረሰብ እንተዄንና ንሕና እውን ተጠቀምቲ ንኸውን። ኣብ ኩሉ ዝፍጸም ድምጽና ይህልዎ፤ ወሰንቲ እውን ንኸውን። ከም ስራሕ እውን ጽቡቕ ስራሕ እዩ።”

ፊልሞን ንፖለቲካዊ ጉዕዞኡ ኣብዚ ፈላማይ መረጽኡ  ምስ ዝረኽቦ ድምጺ ከምዘየተሓሕዞ እዩ ዝገልጽ። ብኣንጻሩ ኣብ ነዊሕ ዓመታት ከዐውቶም ዝደልዮም ትልምታት ከምዘለዎ ይዛረብ።

“ብሓደ ግዜ ፓርላማ እንተዘይኣተኹ ዘይኮነስ፡ ብወረዳን ዞባን ኣቢለ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ናብ ፓርላማ ንምእታው እዩ ዕላማይ፤ ምኽንያቱ ተሳትፎይ ወሲኸን ኣጽኒዐን፡ ኣካል እቲ ፓርላማ ብምዃን ከም ሓደ ትግራዋይ፣ ከም ሓደ ጸሊም ኣፍሪቃውን ሓደ ኣካል ታሪኽ ክኸውን እየ ዝደሊ” ይብል።

ተስፋ ዘይምቑራጽ ከም ናይ ህይወት መትከሉ ገይሩ ከምዝወስድ ዝገልጽ ፊልሞን፡ ብፍላይ መንእሰያት ኣብ ዝደልይዎ ብርኪ ናይ ምብጻሕ ዕቑር ዓቕሚ ከምዘለዎም ይኣምን።

“ንመንእሰያት ዘይከኣል ነገር የለን። ኣብ እንደልዮ ቦታ ንምብጻሕ ተስፋ ክንቆርጽ የብልናን። በብዘለናዮ ዓዲ  ኣካል እቲ ማሕበረሰብ ክንከውን ኣለና” ይብል።