ኣብያተ ጽሕፈት ትዊተር ክሳብ ቀጻሊ ሰሙን ከምዝዕጸዉ ተገሊጹ

ትዊተር ኢለን መስክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ትዊተር ንግዚኡ ህንጻታት ቤት ጽሕፈታቱ ከም ዝዕጸዉ ንሰራሕተኛታቱ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ናብ ሰራሕተኛታቱ ዝለኣኾን ቢቢሲ ዝረኣዮን ኢሜይል፡ እቶም ቤት ጽሕፈታት “ሽዑ ንሽዑ” ከም ዝዕጸዉ ዘመልከተ ኰይኑ፡ ሰኑይ 21 ሕዳር ክኽፈቱ ምዃኖም ይገልጽ።

እንተዀነ እቶም ኣብያተ ጽሕፈት ዝዕጸውሉ ዘለው ምኽንያት ኣይተገለጸን።

ሓድሽ ወናኒ እቲ ትካል ኢሎን መስክ፡ ሰራሕተኛታት “ንነዊሕ ሰዓታት ብጻዕቂ ክሰርሑ” እንተዘይኰይኑ ስራሕ “ክለቁ” ጻውዒት ምቕራቡ ስዒቡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ስራሕ ከም ዝገደፍዎ ጸብጻባት ይወጽኡ ኣብ ዘለውሉ'ዩ እቲ ትካል ኣብያተ ጽሕፈታቱ ይዓጹ ዘሎ።

ኣብቲ ኢሜይል“በጃኹም፡ ምስጢራዊ ሓበሬታታት እቲ ኩባንያ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፣ መራኸቢ ብዙሃን ይኹን ካልእ ካብ ምዝራብ ብምቑጣብ ምስ ፖሊሲታት እቲ ኩባንያ ምትሕብባርኩም ቀጽሉ” ዝብል መልእኽቲ እውን ተጻሒፉ ኣሎ።

ትዊተር ነዚ ዛዕባ ኣመልኪቱ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ  ቅልጡፍ ምላሽ ኣይሃበን።

መስክ ኣብዚ ሰሙን ሰራሕተኛታት ትዊተር ነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑን ኣዐርዮም ንጥፉት ክዀኑን እንተዘይኮይኑ ካብቲ ትካል ክለቁ ከም ዝነገሮም ጸብጻባት ሓቢሮም እዮም።

ዋሽንግተን ፖስት፡ እቲ ሓድሽ ወናኒ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብቲ ትካል ክቕጽሉ እንተደልዮም ነቲ ጻውዒት ክኽብሩ ከም ዝነገሮም ጸብጺቡ።

ክሳብ ሓሙስ 17 ሕዳር 2022 ዘይፈረሙ ድማ ናይ ሰለስተ ወርሒ ትሕጋግ ከም ዝወሃቦም ኢሎን መስክ ገሊጹ።

ትዊተር 50 ምኢታዊት ሰራሕተኛታቱ ከም ዝቕንስ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ገሊጹ እዩ።

ሓዱሽ መምርሒ እቲ ቢልየነር ኣይንቕበልን ዝበሉ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ነቲ ትካል ከም ዝገደፍዎ ዘርእዩ ምልክታት ምውጸኦም ስዒቡ እዩ እቲ ትካል ቤት ጽሕፈታቱ ብጊዝያውነት ከም ዝዓጹ ሓቢሩ ዘሎ።

ብዙሓት ሰራሕተኛታቱ፡  ስራሕ ይለቁ ከም ዘለዉ ዘርእይ ሃሽታግ ከካፍሉ ተራእዮም።

ሓደ ሽሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሰራሕተኛ “እቲ ዋዕዋዕ ሎሚ ምስ ሃደአ፡ (እቲ ትካል) ትሕቲ 2 ሽሕ ሰራሕተኛታት እዮም ክተርፍዎ ዝኽእሉ” ኢሉ።

ብተወሳኺ ኩሎም ኣብ ናቱ ጉጅለ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ከም ዝለቐቁ ገሊጹ።

ቅድሚ ኢሎን መስክ ነቲ ትካል ምግዝኡ፡ ትዊተር ኣስታት 7500 ሰራሕተኛታት ነይሮምዎ።

እቲ ትካል ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ናይ ኩንትራት ሰራሕተኛታት እውን ዝነበርዎ ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ተቐኒሶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።

ሓደ ካልእ ሰራሕተኛ ብወገኑ ዋላ'ኳ ነዊሕ ሰዓታት ንምስራሕ ተሰማሚዑ እንተነበረ “ብኢሜይል ገይሩ ንዘፈራረሐና ሰብ ኣይሰርሕን” ብምባል ነቲ ስራሕ ከም ዝገደፎ ተዛሪቡ።

እቲ ዝሃብተመ ሰብ ዓለምና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንትዊተር ብ 44 ቢልዮን ዶላር ድሕሪ ምግዝኡ ዋና ፈጻሚ እቲ ትካል ኰይኑ።

ትዊተር ቤት ጽሕፈታቱ ይዓጹ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጹ፡ መስክ ኣብ ትዊተር “ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብኸመይ ቁሩብ ከስቢ ክትረክብ ትኽእል? በቲ ዓብዪ ጀምር” ክብል ጽሒፉ።