ባይደን፡ ናብ ቓዛ ሓገዝ ንምእታው ምስ ግብጺ ተሰማሚዑ

Published

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን: ብሰንኪ ግጭት እስራኤልን ሓማስን ተኸሲቱ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቅላል ናብ ቓዛ ገለ ሓገዝ ንምብጻሕ ምስ ግብጺ ኣብ ስምምዕ በጺሑ።

ጆ ባይደን ኣብ ተልኣቪቭ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ እስራኤል ነቲ ግጭት ዘበገሰ መጥቃዕቲ ሓማስ ምላሽ ክትህብ መሰል ከምዘለዋ ገሊጹ።

እንተዀነ እቲ ፕረዚደንት፡ እስራኤል “ኣዝያ ግዳይ" ከምዝዀነት እኳ እንተገለጸ፡ ብቝጥዐ ናብ ህልኽ ከይትኣቱ ኣጠንቂቑ።

ብሰሉስ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ቓዛ ዘጋጠመ ፍንጀራ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ከምዘይተፈጥረ ዝገልጽ ጸብጻብ እስራኤል እውን ደጊፉ።

ሰበስልጣን ፍልስጤም፡ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣል-ኣህሊ ዘጋጠመ ፍንጀራ 471 ሰባት ከም ዝቐተለ ብምግላጽ ንእስራኤል ይወቅሱ ኣለዉ። እቲ ፍጻመ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ንዝነበረ ወጥሪ ዝያዳ ኣጓሃሂርዎ ይርከብ።

እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ንዝንቀሳቐስ ካልእ ዕጡቕ ጕጅለ እስላማዊ ጅሃድ ከሲሳ ኣላ። እስላማዊ ጅሃድ ኣብቲ ፍንጀራ ዝዀነ ተራ ከምዘይነበሮ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጉ።

ባይደን ናብ ሃገሩ ኣብ ዝምለሰሉ እዋን፡ ሓገዝ ናብ ቓዛ ብዛዕባ ዝኣትወሉ መገዲ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ ብተሌፎን ተዘራሪቡ።

ባይደን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሚስተር ሲሲ ካብ ግብጺ ናብ ቓዛ ዝወስድ መሳገሪ ራፋ ክኽፈት ከምዝተሰማምዐን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና ኣስታት 20 ናይ ጽዕነት መካይን ናብቲ ግዝኣት ክኣትዋ ከምዝፈቐደለን ገሊጹ።

ባይደን፡ ሃገሩ "ብዘላቒ መንገዲ" ንቓዛ ሓገዝ ከምእትህብ'ውን ቃል ኣትዩ።

ጆ ባይደን፡ እቲ መሳገሪ ዶብ መዓስ ከምዝኽፈት ኣመልኪቱ ናይ ግዜ ገደብ ኣይሃበን።

እንተዀነ፡ ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ ድሕሪ ጽገና ጽርግያ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ከም ዝፍጸም ገሊጹ።

ጆ ባይደን ብተወሳኺ 100 ሚልዮን ዶላር ምወላ ኣመሪካ ንሲቪላት ፍልስጤማውያን ንምድጋፍ ከምዝምደብ ገሊጹ።

ነዚ ጉዳይ ዝፈልጥ ምንጪ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝመጽእ ዓርቢ ንእስራኤል ዝውዕል 10 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ኣብ ኮንግረስ ክሓትት ይሓስብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እስራኤል ቅድሚ 10 መዓልታት ኣብ ልዕሊ እቲ ወሽመጥ ቓዛ ዕጽዋ ድሕሪ ምእዋጃ፡ ሰባት መግቢ፡ ማይ፡ ነዳድን መድሃኒትን ካልኦት ኣገደስቲ ነገራትን ብተስፋ ይጽበዩ ኣለዉ።

ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ካብ ቓዛ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ 1400 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ እያ እስራኤል መልሲ ሂባ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብዘካየደቶ ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 3 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ጥዕና ፍልስጤም ገሊጾም። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ፍልስጤማውያን-ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ ቓዛ- ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ እስራኤል ካብ ግብጺ ናብ ሲቪላዊ ህዝቢ ደቡባዊ ቓዛ ዝኸይድ ቀረብ ከምዘይትኽልክል ኣረጋጊጻ ኣላ።

እንተዀነ እስራኤል፡ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ዜጋታት ክሳብ ዘይተፈትሑ፡ ዝዀነ ይዅን ሓገዝ ብግዝኣታ ክሓልፍ ከምዘይትፈቅድ ገሊጻ፤ ኣስታት 200 ሰባት ከምዝተጨውዩ እስራኤል ትገልጽ።

ሚስተር ባይደን ካብ ዋይት ሃውስ ንሃገሩ ብተሌቪዥን መደረ ከስምዕ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካይዶ ዘሎ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትን ሩስያ ኣንጻር ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኣረሜናዊ ኲናትን ዝሃብናዮ ምላሽ ኣልዒሉ ክዝቲ እዩ" ኢላ ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሪን ዣን ፒየር።

ከምኡ’ውን ሎሚ ሓሙስ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ናብ እስራኤል ክበጽሕ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ተልኣቪቭ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ቅድሚ ምሃቦም፡ ብቀዳማይ ሚኒሰተር ናታንያሁ ምዉቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።

ሚስተር ባይደን፡ ነቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየዶ መጥቃዕቲ ምስቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 11 መስከረም ኣመሳሲልዎ።

"እቲ ደረጃ ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ እንተዀነ እቲ ራዕዲ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣመሪካ ዝነበረን ዝተሰምዓን ዓይነት፡ ኣብ እስራኤል ስምዒት ከም ዝፈጠረ ርግጸኛ'የ" ይብል ሚስተር ባይደን።

እንተዀነ በቲ መጥቃዕቲ ናብ ዘየድሊ ህልኽ ውሽጢ ከይኣትዉ ኣጠንቂቑ።

"ድሕሪ 11 መስከረም ኣብ ኣሜሪካ ተቘጢዕና። ፍትሒ ደሊና፡ ፍትሒ ክንረክብ ከለና ድማ ጌጋታት እውን ፈጺምና ኢና።"

ሚስተር ባይደን፡ነቲ ኣብ ሆስፒታል ቓዛ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እስራኤል ተሓታቲት ከምዘይኰነት ክድምድም ዝደረኾ እንታይ ምዃኑ ብጋዜጠኛታት ተሓቲቱ፡ "እቲ ካብ ክፍሊ ምክልኻለይ ዝረኸብክዎ ሓበሬታ" ኢሉ።

ሓደ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን ንኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ፡ ሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዋሽንግተን ናይ ገዛእ ርእሳ ስለያ ከምዘለዋ ገሊጹ።

እቲ በዓል ስልጣን፡ ኣብ ቓዛ ብሓደ ጕጅለ ብስሕተት ዝተተዀሰ ሮኬት ምዃና "ምልክታት" ከምዘሎ ገሊጹ።

ሚስተር ባይደን ንጉስ ዓብደላ፡ ፕረዚደንት በዓል መዚ ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስን ፕረዚደንት ግብጺ ሲሲን ንምርኻብ ካብ እስራኤል ናብ ዮርዳኖስ ክገይሽ መደብ ነይርዎ፡ እንተዀነ እቲ ጉዕዞ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ሆስፒታል ተቛሪጹ።

ዮርዳኖስ ፡ ነቲ ‘ጽዩፍ ገበን ኲናት’ ዝበለቶ መጥቃዕቲ ብምዅናን፡ ነቲ ኣኼባ ሰሪዛቶ።