ኤርትራ፡ ውጽኢት ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ ዕላዊ ኰይኑ

ተፈተንቲ

ምንጪ ስእሊ, Shabait

Published

ውጽኢት ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ [ማትሪክ] ዓመተ ትምህርቲ 2022/2023 ኤርትራ: ትማሊ ከምዝተነገረ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣቃሊሐን።

ሓላፊት ሃገራዊ ትካል ላዕለዋይ ትምህርትን ማእከል ምርምርን ምዘናን ዶክተር ብስራት ገብሩ ንኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ኣብ ዝገበረቶ መግለጺ፡ ካብ 14320 ተፈተንቲ 4664 ዲግሪን ዲፕሎማን ነጥቢ ከምዘምጽኡ ሓቢራ።

ካብዚኦም እቶም 3174 ዲግሪ ነጥቢ ከምጹኡ እንከለው፡ 1490 ድማ ዲፕሎም ከምዘምጽኡ እታ ሓላፊት ገሊጻ።

ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ - ማትሪክ ዓመተ-ትምህርቲ 2022/2023፡ ካብ 13 ክሳብ 18 መጋቢት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ስዑዲ-ዓረብን ከምእተኻየደ ይፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ፡ ተምሃሮ ካልኣይ ጀረጃ ናብ ሳዋ ወሪዶም ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ እዮም ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቶም ዝከታተሉ።

ኣብኡ ንሓደ ዓመት 12 ክፍሊ ኣካዳምያዊ ትምህርትን ወተሃደራውን ፖለቲካውን ስልጠናታት ክመሃሩ ዝጸንሑ ኣባላት መበል 35 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብ 15 ሓምለ ብፕረዚደንት እታ ሃገር ከም ዝተመረቝ ይፍለጥ።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ትሕቲ-ዕድመ ተመሃሮ ከካብ ዝነብርሉ ቦታታት ናብቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ምውሳዱ ክነቕፉ ጸኒሖም'ዮም።

እቲ ኣብ ለካቲት 2003 ዝጀመረ ተመሃሮ ናብ ሳዋ ናይ ምውሳድ ፖሊሲ፡ መንእሰያት ኤርትራ ናብ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኣትውሉ ኣፍደገ'ዩ።

ሰብመዚ ኤርትራ ግን "ሃገራዊ ኣገልግሎት ዓንዲ ሕቘ ምክልኻል እዩ" ብምባል ከምዘይቋረጽ'ዮም ዝገልጹ።

ኣብቲ ዝወሃቦም ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቒ ፈተና፡ መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸቡ ተመሃሮ ትምህርቶም ንምክትታል ናብ ኮሌጃትን ማእከል ሞያዊ ስልጠና ሳዋን ክምደቡ እንከለው፤ እቶም ዝበዝሑ ዘይሓለፉ ግና ኣብ ሰራዊት፡ ሚኒስትሪታት፡ ህዝባዊ ትካላትን፡ ትካላት ህግደፍን ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽሙ ይምደቡ።