መንግስቲ፡ ኣብ ምብራቕ ጎጃም ደብረ ኤልያስ ዓሪዶም ዝነበሩ 200 ዕጡቓት ‘ደምሲሰ’ ኢሉ

ካብ ምሩኻት ዕጡቓት

ምንጪ ስእሊ, Amhara Regional Communication Office

Published

ሓይሊ ዕማም ድሕንነት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ወረዳ ደብረ ኤልያስ ኣብ ገዳም ስላሰ፡ ዕርዲ ሰሪሖም ዝነበሩ 200 ዕጡቓት ከም ዝደምሰሰ ትማሊ ቀዳም ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

መግለጺ እቲ ግብረ ሓይሊ፡ ሓይልታት ምክልኻልን ሓይልታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራን፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተወደበ ብእስካንደር ነጋ ከም ዝምራሕ ዝገለጾ፡ ‘ህዝባዊ ግንባር ኣምሓራ’ ዝብል ስያመ ዘለዎ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ሓበራዊ ወፍሪ ከም ዘካየዱ ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ ድማ፡ "ብዕጥቃዊ ቃልሲ መንግስቲ ንምዕላው ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኣኽረርቲ" ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ሓይልታት ስጉምቲ ከም ዝተወሰደ ኣመልኪቱ።

ሓይልታት ጸጥታ ንመዓልታት ብዝወሰድዎ ስጉምቲ፡ "እስካንድር ነጋን መሻርኽቱን ንውግእ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ዕርዲ ከም ዝተደርዓመን 200 ዕጡቓት ከም ዝተቐትሉን" እቲ ግብረ ሓይሊ ገሊጹ።

ጉጅለ 'ህዝባዊ ግንባር ኣምሓራ' ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 21 ግንቦት 2015 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ዘውጸኦ መግለፂ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ብወተሃደራት መንግስቲ ኣብ ወረዳ ደብረ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ታሪኻዊ ኣብያተ ክርስቲያናት ብከቢድ ኣጽዋር ዝተሰነየ ይካየድ ኣሎ ዝበሎ መጥቃዕቲ ክኹንን ጸዊዑ ነይሩ።

ኣስካንደር ነጋ ቅድም ክብል፡ መስራትን መራሒን ‘ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ’ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ መሪሕነትን ኣባልነትን እቲ ሰልፊ ከም ዝወጽአ ብወግዒ ኣፍሊጡ'ዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ይፍጸም ኣሎ” ዝበልዎ “ግህሰት ደው ንምባል" ብዝብል ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝንቀሳቐስ ህዝባዊ ግንባር ኣምሓራ ዝተባህለ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምጅማሩ'ውን ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብመሰረት'ቲ ሓይሊ ዕማም ጸጥታን ድሕነትን፡ እቲ መራሒን ኣተሓባባሪን ናይቲ ዕጡቕ ጉጅለ እስክንድር ነጋ እዩ።

ኣብቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ዝተውሰደሉ እዋን፡ "እስክንድር ነጋን ውሑዳት መሻርኽቱን ካብቲ ከባቢ ከምዝተሰወሩ"፡ እንተዀነ ብሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራን ክትትል ይግበረሎም ከም ዘሎ ጠቒሱ።

ንሱ፡ ምስ ሽመልስ ስማቸው፡ ሰውመሆን ወረታውን መንበሩ ካሴን ዝተብሃሉ መሻርኽቱ ዀይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ዕጡቓት ብምምልማል፣ ብምውዳብን ብምውፋርን፡ "መንግስቲ ብሓይሊ ንምዕላው መደብ ኣውፂኡ፡ ህዝባዊ ግንባር ኣምሓራ ዝተባህለ ውዳበ ብምቛም” ይንቀሳቐስ ምንባሩ እቲ ግብረ ሓይሊ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ገዳም ስላሴ ብዝተፈፀመ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝጠፍአ፡ ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣብ ውሽጡ ዝርከቡ ጥንታውያን ቅርስታትን ክጉዳእ ከም ዝኽእል እውን ገሊጹ።

ብመሰረት ቢቢሲ ካብቲ ከባቢ ዝኣከቦ ሓበሬታ፡ ሓይልታት መንግስቲ ነዚ ወፍሪ ብ18 ግንቦት 2015 ዓ.ም [ግእዝ] ከም ዝጀመሩን፡ ንልዕሊ ኣርባዕተ መዓልታት ከቢድ ግጭት ክካየድ ጸኒሑ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝተጎድኡን የመልክት።

ኣብ ከባቢ እቲ ገዳም ዝርከቡ ነበርቲ፡ ብሓሙስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብቲ ንመዓልታት ዝቐጸለ ግጭት፡ ከቢድ ቶኽሲ ይሰምዑ’ኳ እንተነበሩ፡ ጠንቂ ናይቲ ጎንጺ ግን እንታይ ምዃኑ ኣይፈለጡን ቀንዮም።

ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ወረዳ ደብረ ኤልያስ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ደጎልማ ቀበሌ ዝርከብ ገዳም ሓድነት ስላሰ፡ "ነቲ ገዳም ናብ ወተሃደራዊ ዕርዲ ቀይሮም፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ሽማግለታትን ይቐትሉ ኣለዉ" ኢሉ ከሲሱ ነይሩ።

ወረዳ ደብረ ኤልያስ ገዳም ስላሰ

ምንጪ ስእሊ, ETV

መግለጺ ስእሊ, ወረዳ ደብረ ኤልያስ ገዳም ስላሰ

ነቲ ጎንጺ ዝተኻየደሉ ኣብ ምብራቕ ጎጃም ዝርከብ ገዳም ሓድነት ደብረ ኤልያስ እትውንን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ዛጊድ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ብዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበትን።

ይኹን እምበር፡ ምሕደራ እቲ ገዳማት ነቲ ግጭት ንምጽራይ ምስ ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ርክብ ይገብር ከም ዘሎ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ሓቢሩ።

ቢቢሲ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ወረዳ ደብረ ኤልያስ ዘሎ ኩነታት ንምጽራይ ካብ ዝምልከቶም ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራ ዝርዝር ሓበሬታ ክረክብ ይጽዕር እኳ እንተነበረ ኣይተዓወተን።

እንተዀነ፡ መንነቶም ክግለጽ ዘይደለዩ ክልተ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ኣብቲ ግጭት "ብዙሓት" ሰባት ከም ዝሞቱን ከም ዝቖሰሉን ከም ዝፈልጡ ገሊጾም።

ብሰንኪ እቲ ንመዓልታት ዝቐጸለ ወተሃደራዊ ግጭት ዝተጎድኡ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ዘጠቓለለ ምዃኑን ብዝሒ ክግምቱ ከም ዘይከኣሉን ሓቢሮም።

ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ፀጥታ ክልል ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ብዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ብዘይ እቶም ተደምሲሶም ዝተብሃሉ 200 ኣባላት እቲ ጉጅለን ካልኦት ዝተማረኹን፡ ካብቲ ከባቢ ዘምለጡ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።

ከምኡ’ውን፡ ዝተፈላለዩ ከበድትን ቀለልትን ኣጽዋር ከም ዝተመረኸ ዝተገልጸ ዀይኑ፡ ምስሊ ናይቶም ዝተማረኹ ሰባትን ኣጽዋርን ኣብ መንግስታዊ ሚድያ ተራእዩ'ዩ።

ጉጅለ ‘ህዝባዊ ግንባር ኣምሓራ’ ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ተቐቲሎም ብዛዕባ ዝተብሃሉ ዕጡቓት ኣባላቱ ዛጊድ ዝበሎ የለን።