እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወዲ ፕረዚደንት ባይደን “ሪፓብሊካን ክቐትሉኒ ይደልዩ’ለው” ክብል ከሲሱ
ወዲ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሃንተር ባይደን፡ ሪፓብሊካን ስልጣን ኣቡኡ ንምድኻም "ክቐትሉኒ" ፈቲኖም ክብል ከሲሱ።
ናቱ ሞት "ካብቲ ኣቦይ ክጻወሮ ዝኽእል ዝዓበየ ቃንዛ ክኸውን'ዩ" ክብል፡ ኣብቲ ትማሊ ዓርቢ ብሙዚቀኛ ሞቢ ዝተዘርግሐ ፖድካስት ገሊጹ።
ካብቲ ክልተ ክፋላት ዝሓዘ ፈነወ ፖድካስት እቲ ቀዳማይ፡ ባይደን ብትሽዓተ ዓበይቲ ገበናት ግብሪ ቅድሚ ምኽሳሱ ብሓሙስ ዝተቐድሐ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።
ሪፓብሊካን ነቲ ፕረዚደንትን ወዱን ፖለቲካዊ ‘ስልጣንካ ተጠቒምካ ቁጠባዊ ረብሓኻ ብምእምራር’ዮም ዝኸስዎም።
እቲ ንነብሱ ካብ ወልፊ ኮኬይን ኣብ ምሕዋይ ዝርከብ ወዲ ፕረዚደንት ባይደን፡ ካብቲ ኣብ ማሊቡ ካሊፎርንያ ዝርከብ ገዝኡ ኰይኑ፡ ምስቲ ብሰንኪ ምጥቃም ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተን ኣብ ምሕዋይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝዓረኾ ሞቢ ቃለ-መሕትት ኣካይዱ።
ንሱ "በቲ ኣዝዩ ዘይሕጋዊ ... ግን ከኣ ርትዓዊ ኣገባቦም፡ ንፕረዚደንትነት ከጥፍኡ ይፍትኑ ኣለዉ" ክብል፡ ኣብቲ ምስ ሞቢ ዘካየዶ ወግዒ ገሊጹ።
"እቲ ክገብርዎ ዝፍትኑ ዘለዉ፡ ንዓይ ብምቕታል ኣቦይ ክጻወሮ ካብ ዝኽእል ቃንዛ ንላዕሊ ከም ዝኸውን ፈሊጦም ይሰርሑ ኣለዉ። በዚ ኣቢሎም ፕረዚደንትነት ምፍራስ’ዩ ዕላማኦም" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ናብ ምጥቃም ሓሽሽ ክምለስ’ዮም ዝደልዩኒ ዝበለ ሃንተር ባይደን፡ እቲ ጉዳይ ብዛዕባይ ኣይኮነን ኢሉ።
ንሱ ኣስዒቡ “እዞም ሰባት ዝሓረቑን ሕሙማትን’ዮም። ኣብ ሕሉፍ ህይወቶም ናይ ኣእምሮ ስንባደ ስለዘለዎም ሰይጣናዊ ስራሕ ካብ ምግባር ንድሓር ዘይብሉ’ዮም” ኢሉዎም።
ዓቃባውያን ማዕከናት ዜና’ውን ኣብ ልዕሊኡ መጥቃዕቲ የውርዳ ከምዘለዋ ከሲሱ።
እቲ ወዲ ፕረዚደንት ባይደን ወሲኹ፡ "ኣነ ካብ ልቢ ክድሕን እየ። ምኽንያቱ እዞም ሰባት ካብ ወልፍታት ኣብ ምሕዋይ ዝርከቡ ሰባት ጥዑያት ከምዘይኮኑ፡ ፈጺሞም ክእመኑ ከምዘይኽእሉን ገይሮም ኣብነት ክገብሩኒ ስለዘየኣፍቅደሎም’ዩ" ኢሉ።
ትማሊ ሓሙስ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ፌደራል ኣብ ካሊፎርንያ፡ ሃንተር ባይደን ካብ 2016 ክሳዕ 2019 ግብሪ ከምዘይከፈለን ኣብ ክንድኡ ድማ “ዝተጋነነ ኣነባብራ" ከምዝኽተልን ክሲ ኣቕሪቦም።
ብተወሳኺ ኣብ መምልኢ ቅጥዒ ሽጉጥ፡ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ሓሽሽ ሓሲዩ ብዝብል ፍሉይ ምርመራ ገጢምዎ ኣሎ።
ፕረዚደንት ባይደን ትማሊ ዓርቢ ንናይ ጎስጓስ መደብ ናብ ላስ ቬጋስ ኔቫዳ እንዳተጓዓዘ እንከሎ ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሪን ዣን ፒየር ብዛዕባ እቲ ሃንተር ዝቐረበሉ ዳሕረዋይ ክሲ ተሓቲታ። ፕረዚደንት ባይደን "ብወዱ ሕቡን" ስለምዃኑ ገሊጻ።