ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብኮቪድ ተለኺፉ

Published

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብኮቪድ-19 ከም ዝተለኸፈን ኣብ ዋይት ሃውስ ርእሰ-ግልላ ጌሩ ከምዘሎን ተገሊጹ።

ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ካሪንዣን-ፒየር፡ ምሉእ ክታበት ዝተኸትበን ኣበራታዒ (booster) እውን ዝወሰደ ወዲ 79 ዓመት ጆ ባይደን "ኣዝዩ ፈኲስ ምልክታት" እንተርየ'ውን ስርሑ ከምዝቕጽል ገሊጻ’ላ።

እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ፕረዚደንት ፓክስሎቪድ ዝበሃል ጸረ-ቫይረስ መድሓኒት ይወስድ ከምዘሎ'ውን ወሲኻ ሓቢራ።

ሚስተር ባይደን "ደሓን" ከም ዝኾነን "ኣብ ስራሕ" እውን ከምዘሎን ኣብ ትዊተር ሓቢሩ።

ቀዳመይቲ እመቤት ጂል ባይደን ግና ብኮቪድ ከም ዘይተለኸፈት ገሊጻ’ያ።

እቲ ፕረዚደንት ካብ ኮቪድ ናጻ ክሳዕ ዝኸውን ካብ ካልእ ሰብ ተፈልዩ ስራሕቱ ከምዘካይድን ብተሌፎንን ዙምን ኣቢሉ ድማ ኣብ ኣኼባታት ከምዝካፈልን ሚስ ዣን-ፒየር ሓቢራ።

ኣብ ዋይት ሃውስ ኣተሓባበሪ ኮቪድ ዶ/ር ኣሺሽ ጂሃ፡ እቲ ፕረዚደንት ብደረቕ ሰዓልን ጸረርታን ከምእተሸገረ ገሊጹ።

ዣን-ፒየር፡ ጕጅለ ጥዕና ዋይት ሃውስ ረቡዕ ናብ ማሳቹሰትስ ኣብ ዝተገብረ ምብጻሕ ምስ ሚስተር ባይደን ንዝነበሩ ዅሎም ኣባላት ኮንግረስን መራኸቢ ብዙሓንን ብዛዕባ እቲ ኩነታት ክፈልጡ ከምዝገብሩ ሓቢራ።

እቲ ፕረዚደንት "ደሓን ከምዘሎ" ዝገለጸት ቐዳመይቲ እመቤት ሚስስ ባይደን "መደባተይ ክሕሉ እየ። ብመሰረት መምርሒታት ሲዲሲ ማስኬራ ይገብር ኣለኹ" ኢላ።

ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ንመሰላት ምንጻል ጥንሲ ኣብ ዝምልከት ጕዳይ ክትሳተፍ ኣብ ሰሜን ካሮሊና ትርከብ።

ሚስተር ባይደን ብሰንኪ እቲ ሕማም ሓላፍነቱ ክዋጸእ እንተዘይክኢሉ ሓላፍነታት እቲ ፕረዚደንት ክወሃባ እዩ።

እዚ ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ፕረዚደንት ባይደን ስሩዕ ናይ ጥዕና መርመራ ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን ሓፈሻዊ መደንዘዚ ምስ ተውሃቦ፡ ንሓጺር እዋን ተጌሩ ዝነበረ እዩ።

ሚስተር ባይደን ብኮቪድ ዝተለኸፈ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ኣይኮነን። እቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጥቅምቲ 2020 ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኸሎ በቲ ቫይረስ ድሕሪ ምሕማሙን ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስደን ይዝከር።

ብመሰረት ሓበሬታ ማእከል ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማም (ሲዲሲ) ኣብ ኣሜሪካ 89.7 ሚልዮን ሰባት ብኮቪድ ተታሒዞም ነይሮም። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ድማ ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ትካል ኣብ ኣሜሪካ ብዝሒ ብኮቪድ ዝልከፉ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብ25 ሚእታዊት ወሲኹ ኣሎ።