ኣመሪካ፡ ፔሎሲ ዲሞክራት ንዝገጠሞም ስዕረት ንባይደን ነቒፋ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣፈ ጕባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ነበር ናንሲ ፔሎሲ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣቐዲሙ ካብቲ ወድድር መረጻ እንተዝስሕብ ነይሩ፡ ሰልፊ ዲሞክራት ኣብቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ መረጻ ዝሓሸ ድምጺ ክረክብ ይኽእል ነይሩ’ዩ ኢላ።

ኣብ ዋሽንግተን ልዑል ጽልዋ ዘለዋ ፖለቲከኛ ፔሎሲ፡ ንኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “እቲ ፕረዚደንት ኣቐዲሙ እንተዝወጽእ ነይሩ፡ ኣብቲ ውድድር ዝኣትው ካልኦት ሕጹያት ምሃለዉ ነይሮም’ዮም” ክትብል ተዛሪባ።

ዲሞክራት፡ ኣብቲ ብ5 ሕዳር 2024 ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ብዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ዝገጠሞም ስዕረት ኣብ ልዕሊኦም ሓያሎ ነቐፌታታት ይቐርብ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እቲ ሰልፊ ንኽልቲኡ ኮንግረስ’ውን ስኢኑዎ ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ ዝግመት።

ፔሎሲ፡ ሓንቲ ካብቶም ባይደን ካብቲ መረጻ ክስሕብ ጸቕጢ ዝገብሩ ዝነበሩ ከም ዝዀነት ይንገረላ።

ንሱ፡ ኣብቲ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ዘካየዶ ፈላማይ መድረኽ ክትዕ ዘርኣዮ ድዅም ብቕዓት ስዒቡ ኣብ መወዳእታ ሓምለ ሕጹይ ፕረዚደንት ኰይኑ ካብ ምውድዳር ከም ዝስሓበ ኣፍሊጡ።

ድሕሪኡ፡ ንምኽትሉ ካማላ ሃሪስ ክትትክኦ ከም ዝሓረያ ገሊጹ። ካማላ ግን ኣብቲ መረጻ ሓያል ስዕረት ገጢሙዋ ኣሎ።

ፔሎሲ ኣብቲ ንጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ዝሃበቶ ቃል፡ “እቲ ትጽቢት፡ እቲ ፕረዚደንት እንተወጺኡ፡ ክፉት መባእታዊ መረጻ [ሕጹያት] ክካየድ ምተኽኣለ ነይሩ” ትብል።

እዚ ማለት፡ ብርክት ዝበሉ ሕጹያት ዲሞክራት ንባይደን ተኪኦም ሕጹያት ኰይኖም ንክቐርቡ ብኣባላት ሰልፊ ክምረጹ ምተወዳደሩ ነይሮም ማለት’ዩ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ቀዳማይ መስርሕ ካማላ ሃሪስ ጽቡቕ ውጽኢት ከተመዝግብን “ሓዪላ ንቕድሚት ክትከይድ”ን ክሕግዛ ይኽእል ነይሩ’ዩ ክትብል ትማጐት።

“ነዚ ግን ኣይንፈልጦን፤ ከምኡ ኣይነበረን። ስለዚ ምስቲ ዘጋጠመ ኢና ክንነብር” ኢላ።

ፔሎሲ፡ ኣብቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ መረጻ ንመበል 20 ግዜኣ ዳግማይ ኣባል ባይቶ ካሊፎርንያ ኰይና ተመሪጻ።

“እቲ ፕረዚደንት ንካማላ ሃሪስ ብቕጽበት ስለ ዝደገፈ ድማ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ መባእታዊ መረጻ ንከይህሉ ገይርዎ’ዩ። ኣቐዲሙ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ዝተፈለየ ምዀነ” ትብል።

ተሓጋገዝቲ ሃሪስ ማዕከን ዜና ፖለቲካ ንዝዀነ ፖለቲኮ ኣብ ዝሃብዎ ቃል’ውን፡ ንባይደን ብምንቃፍ፡ ኣቐዲሙ ክወጽእ ነይሩዎ ኢሎም።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለ ሓጋዚ፡ “ጆ ባይደን ፕረዚደንት ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክንድ’ቲ ዝተኻእለ፡ ብሉጽ ጐስጓስ ኢና ኣካይድና፤ ካማላን ዲሞክራትን ዝተስዓርሉ እንኮ ምኽንያት ክኣ ባይደን’ዩ” ኢሉ።

ይዅን እምበር፡ ሓጋዚ ባይደን ነበር ንኻልእ ናይ ፖለቲካ ማዕከን ዜና ‘ኣክሲዮስ’ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሃሪስ ብዙሕ መመኽነይታታት ተቕርብ ነይራ ይብል።

“ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣጥፊእካ፡ ከመይ ዘይትዕወት” ኢሉ።

ኣብዚ ሰሙን ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ሓጋዚ ባይደን ነበር ንፖለቲኮ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣማኸርቲ ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ “ጆ ባይደን ካብቲ መረጻ ንኽወጽእ ዲሞክራት ኣብ ውሽጢ ጸቕጢ ንኽገብሩ ስለ ዘተባብዑ ክንቀፉ ኣለዎም፤ ካማላ ሃሪስ’ውን ሕጽይቲ ክት፤ከውን’ውን ኣይደልዩን ነይሮም” ክብል ተዛሪቡ።

ኣባል ዲሞክራት ሴናተር ፐንሲልቨንያ ጆን ፌተርማን፡ ነቲ ዘጋጠመ ስዕረት ባይደን ካብ ስልጣን ንምእላይ ውዲት ዝሓዙ ሰባት ተሓተትቲ እዮም ክብል ነቒፉ።

“እቶም ባይደን ንኽወጽእ ዝወሰኑ ዝደለኹሞ መረጻ እንሀልኩም፤ ውጽኢቱን ውድቀቱን ምውናን ግቡእ’ዩ” ክብል ንማዕከን ዜና ፖለቲካዊ ሰማፎር ገሊጹ።

ኣባል ኮንግረስ ዲሞክራት ኒውዮርክ ኣባል ቶም ሱኦዚ፡ ክሳራ እዚ መረጻ ብኸፊል ብሰንኪ እቲ ሰልፊ "ብፖለቲካዊ መዳይ ቅኑዕ ክንከውን ኣለና” ኣብ ዝብል ትዅረት ብምግባሩ'ዩ ኢሉ።

ኣብ 2016ን 2020ን ኣባል ዲሞክራት ኰይኑ ብውልቁ ንፕረዚደንትነት ዝተወዳደረ ሴናተር በርኒ ሳንደርስ፡ እቲ ሰልፊ ነቲ ሸቃላይ ክፋል ማሕበረሰብ ረሲዑዎ እዩ ክብል ከሲሱ እዩ።

"መሪሕነት ዲሞክራት ነቲ ዘሎ ኵነታት ክዕቅብ እንከሎ፡ ህዝቢ ኣመሪካ ግን ተቘጢዑ ለውጢ ይደሊ ኣሎ፤ ሓቆም ክኣ” ይብል።

ምናልባት’ውን ዲሞክራት ካብዚ ውጽኢት መረጻ ዘይክመሃሩ ይኽእሉ’ዮም እውን ኢሉ።

ኣቦ መንበር ሃገራዊ ኮሚቴ ዲሞክራት ጀይም ሃሪሰን ግን ክሲ ሳንደርስ “ሓቅነት የብሉን” ክብል ብኤክስ መልሲ ሂብሉ።