እስራኤል ኣብ መዓልቲ ክልተ ነዳዲ ዝጽዓና መካይን ናብ ቓዛ ክኣትዋ ከምትፈቅድ ገሊጻ

እስራኤል ኣብ መዓልቲ ክልተ ነዳዲ ዝጸዓና መካይን ናብ ወሽመጥ ቓዛ ክኣትዋ ከምእተፍቅድ ኣፍሊጣ። እቲ ውሳነ እስራኤል ከምኡ ክትገብር ካብ ኣሜሪካ ብዝበጽሓ ጸቕጢ ከምዝኾነ’ውን ተገሊጹ።
ሓደ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ መዓልታት ኣስታት 140 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ክፍቀድ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ዝበዝሕ ክኣቱ ዝተፈቐደ ነዳዲ፡ ረድኤት ንዘብጽሓ ናይ ጽዕነት መካይን ዝውዕል ኮይኑ፡ ከምኡ’ውን ሕቡራት ሃገራት ቀረብ ማይን ጽሬትን ንምርግጋጽ ኣብ ዘካይዶ ስራሕ ዝድግፍ ምዃኑ እቲ በዓል ስልጣን ገሊጹ።
ዝተረፈ ድማ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ተቛሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት ሞባይልን ኢንተርነትን መጀመሪ ዝውዕል’ዩ።
ኣብ ቓዛ ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን ዝህብ ዘሎ ትካል ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ካብ ኣብ ፍልስጤም ዝርከብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገለ ነዳዲ ድሕሪ ምቕባሉ ኣገልግሎታቱ ክህብ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
እስራኤል ናብዚ ናይ ነዳዲ ስምምዕ ንኽትበጽሕ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ልዑል ጸቕጢ ከምዝገበረት እቲ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን ገሊጹ።
እቲ ስምምዕ ቅድሚ ሰሙናት ብመትከል ደረጃ ዝተሰማምዓሉ እኳ እንተነበረ፡ ብኽልተ ምኽንያታት ግን ብእስራኤል ከምዝተደናጐየ እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ ገሊጹ። ሰበስልጣን እስራኤል ነዳዲ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ብጭቡጥ ከምዘይተወድአን፡ ፈለማ ብዛዕባ እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ዜጋታቶም ክደራደሩ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ክጽበዩ’ውን ከምዝደልዩን ገሊጾም።
ኣብ ፍልስጤም ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ኩሉ ንጥፈታቱ ከቋርጽ ክግደድ ከምዝኽእል ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
እቲ ትካል ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ "ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ስርሒታት መዓልታዊ 160 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ" ከምዘድልዮ ገሊጹ - እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሐ ልዕሊ ዕጽፊ እዩ።
ሓደ እስራኤላዊ በዓል ስልጣን፡ እቲ ነዳዲ ብዶብ ራፋሕ ኣቢሉ ከምዝኣቱን ናብ ሓማስ ከይበጽሕ ምእንቲ ድማ ብኣተሓባባርነት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡባዊ ወሽመጥ ቓዛ ናብ ዝርከብ ሰለማዊ ህዝቢ ክበጽሕ ምዃኑን ተዛሪቡ።
እቲ እስራኤላዊ በዓል ስልጣን፡ እቲ ነዳዲ፡ ኣብቲ ከባቢ ክዝርጋሕ ዝኽእል ለበዳታት ንምክልኻል፡ ንቐረብ ማይን ስራሕቲ ጽሬትን ውሑድ ደገፍ ከምዝህብ ገሊጹ።
ዓለምለኻውያን ትካላት ብዛዕባ እቲ ኣብ ቓዛ ዝግንፍል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ስክፍታኦም ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።
እስራኤል ነዳዲ ብሓማስ ተሰሪቑ ንወተሃደራዊ ዕላማ ክውዕል ይኽእል እዩ ብምባል ናብ ቓዛ ከይኣቱ ክትዓግት ጸኒሓ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
