እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቓዛ፡ ዳግማይ 'ዕድል ተዅሲ ደው ምባል' ኣሎ ድዩ?
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ደብዳብ ምቕጻላ፡ ተኽእሎታት ዕርቂ 'እናተጸንቀቐ' ይመጽእ ኣሎ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ቐጠር ገሊጹ።
ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብደልራሕማን ኣ'ታኒ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ቐጠር-ደውሓ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ቐጠር፡ ክልቲኦም ወገናት ተዅሲ ደው ንኸብሉ ጸቕጢ ብምግባር ጻዕራ ክትቅጽል ምዃና ኣፍሊጡ።
እታ ወሽመጥ ዓረባዊት ሃገር፡ ኣብ መወዳእታ ሕዳር ንሓደ ሰሙን ዝጸንሐ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል፡ ወሳኒ ተራ ተጻዊታ እያ፡ እዚ ድማ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑ ኣኽኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ትማሊ ሰንበት "እቲ ኲናት ኣብ ካልእ ናህሪ እዩ ዘሎ" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዓሰርተታት “ኣሸበርቲ ሓማስ" ኢዶም ከምዝሃቡን፡ "ኣጽዋሮም ኣቐሚጦም ንጀጋኑ ተጋደልቲና ኣረኪቦም" ክብል ገሊጹ ነይሩ።
"እዚ ንሓማስ መጀመርታ ንመወዳእታ እዩ" እውን ኢሉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምኡ ዝበለ፡ ኣብ ቓዛ ዝረአ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ፡ እቲ ብሓማስ ዝመሓደር ኣብ ቓዛ ዝርከብ ትካል ጥዕና፡ ዛጊድ ዳርጋ 18 ሽሕ ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።
ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ንኣልጀዚራ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ድምጺ መልእኽቲ፡ እቲ ቅድም ክብል ተግባራዊ ዝዀነ ግዝያዊ ተዅሲ ደው ምባል "ተኣማንነቱ ዘረጋገጸ" ምዃኑን፡ እስራኤል ናብ ዝርርብ ክሳብ እትምለስ፡ ድሕሪ ደጊም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ነጻ ከምዘይወጹን ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ኣቡ ዑበይዳ፡ ኣብቲ መልእኽቲ ብተወሳኺ፡ ተዋጋእቲ ሓማስ 180 ወተሃደራዊ መካይን ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ከምዘዕነዉን "ብዙሓት" ወተሃደራት እስራኤል ከምዝቐተሉን ብምዝራብ፡ "እቲ ዝመጽእ መጥቃዕቲ ድማ ዝዓበየ'ዩ" ኢሉ።
ኣብቲ ኣብ ደውሓ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ሓላፊ ትካል ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተኛታት [UNRWA] ፊሊፕ ላዛሪኒ፡ እቲ ከባቢ "ናብ ምድረ ሲኦል" ተቐይሩ ከምዘሎን፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝረኣዮ እቲ ‘ዝኸፍአ" ምዃኑን ገሊጹ።
ኣብቲ ዋዕላ ብተወሳኺ ቀዳማይ ሚኒስተር ፍልስጤም መሓመድ ሽታየህ፡ እስራኤል "ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ እናጠሓሰት ክትቅጽል ክፍቀደላ የብሉን" ብምባል፡ ኣብ ልዕሊኣ ዓለማዊ እገዳ ክንበር ጸዊዑ።
ሚስተር ሽታየህ፡ ንመንግስቲ ፍልስጤም ዝውክል ኰይኑ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝንቀሳቐስን ካብቲ ኣብ ቓዛ ዝንቀሳቐስ መንግስቲ ሓማስ ዝተፈልየን ኣካል እዩ።
እቲ ኣኼባ ኣብ ደውሓ እናተኻየደ እንከሎ፡ ኣብ ደቡብ ቓዛ ውግእ ይቕጽል ኣሎ።
እቲ፡ ሰባት ካብቲ ኣብ ሰሜን ዝነበረ ሓያል ውግእ ንምህዳም ናብኡ ክኸዱ ዝተነግሮም ቦታ ከተማ ከሃን ዩኒስ፡ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ደብዳብ ነፈርቲ ይርከብ፤ እስራኤል ድማ ሲቪላት ካብ ገለ ማእከላት ክወጹ ሓቲታ ኣላ።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ እስራኤል ማርክ ረገቭ ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ከሃን ዩኒስ "ከቢድ ውግእ" ክካየድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሲቪላት "ናብ ውሑስ ዞባታት ክግዕዙ" ኣተሓሳሲቡ።
ታንክታት እስራኤል ሰንበት ምሸት ናብ ማእከል እታ ከተማ ክኣትዋ ተራእየን።
ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ሬሳታት ክእክቡን ኣብ ውግእ ንዝተቐትሉ ኣባላት ስድራቤት ክሓዝኑን ተራእዮም።
ሚስተር ረጌቭ ብዛዕባ እቲ እስራኤል ‘ውሑስ ከባቢታት’ ትብሎ ዘላ ምስ ተሓተተ፡ ሃገሩ ህይወት ሲቪላት ንምሕላው ዝለዓለ ጻዕሪ ከምዝገበረት ገሊጹ።
ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣልማዋሲ ናብ ዝርከብ "ውሑስ ዞባ" ክግዕዙ ተመኺሮም ነይሮም።
8.5 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ጥራይ ዝስፍሓቱ እዚ ማእከል፡ ንምንጽጻር ዝኣክል ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ለንደን ሄትሮ ዝንእስ ኰይኑ፡ ውሑዳት ህንጻታት ዘለዎ እዩ።
ብዓቢኡ ድማ ሑጻ፡ ዱርን ግራውቲ ሕርሻን ዘጠቓልል እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እስራኤል ኣብ ኣህጉራዊ ዲፕሎማሲ እውን ክትዋፈር ትርአ ኣላ።
ንመርገጺ መሓዙታ ‘ዘይቃዶ’ ኣካይዳ ክትብል ድማ ነቒፋ።
ሚስተር ናታንያሁ ንካቢነ ሚኒስተራት መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ "ብሓደ ወገን ምውጋድ ሓማስ ክትድግፉን ብኻልእ ወገን ድማ ነቲ ኲናት ደው ከነብል ጸቕጢ ክትገብሩልናን ኣይትኽእሉን ኢኹም" ኢሉ።
ንሱ ነዚ ዝገለጸ፡ 13 ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ቅልጡፍ ተዅሲ ደው ምባል ዝጽውዕ ውሳነ ድሕሪ ምድጋፈን፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ጸኒሑ እዩ።
ኣመሪካ፡ ዘለዋ መሰል ቀውፊ [ቬቶ] ተጠቒማ፡ ነቲ ውሳነ ውዱቕ ክትገብሮ እንከላ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ድምጸ-ተዓቅቦ ገይራ።
እስራኤል ብተወሳኺ፡ ነቲ ሓላፊ UNRWA ሚስተር ላዛሪኒ፡ ንቓዛውያን ካብቲ ዞባ ብሓይሊ ኣውጺኣ ናብ ግብጺ ከተእትዎም ትፍትን ኣላ ዝብል ክሲ ነጺጋቶ።
እዚ፡ ቅድም ክብል ኣብ ማዕከናት ዜና እስራኤል ዝተዘርግሐ ነገር እዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም'ውን ነቲ ብዘይተለምደ ኣገባብ፡ ቅልጡፍ ሕክምናዊ ደገፍ ናብ ቓዛ ክኣቱ ዝጽውዕ ውሳነ ዘመሓላለፈ ኰይኑ፡ ዋና ዳይረክተሩ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣቐዲሙ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኵነታት "ዘስካሕክሕ" ክብል ገሊጽዎ።