ኣብ ሶማልያ ብውሕዱ 7 ኢትዮጵያውያን ብዕጡቓት ተቐቲሎም

ገለ ከባቢ ከተማ ለደሃዎ

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA

Published

ኣብ ደቡባዊ ሶማልያ ኣብ እትርከብ ጌዶ ዝተበሃለት ክልል መንነቶም ዘይተፈለጠ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 7 ኢትዮጵያውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ብዙሓት ድማ ኣብ ስግኣት ከምዝወደቑ ተገሊጹ።

ኣብ ከባቢ ዶብ ሶማልያን ኬንያን ኣብ እትርከብ ከተማ ለደሃዎ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብኡ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉን ብዙሓት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝደልዩን ወኪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቶም ዕጡቓት ብለይቲ ናብቲ ኢትዮጵያውያን ዝነብሩሉ ገዛ ኣትዮም ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን ክቐትሉ እንከለዉ፡ ሓደ ሶማላዊ እውን ከምዝሞተ ቢቢሲ ክፍሊ ሶማሊኛ ጸብጺቡ።

ንድሕነቱ ብምስጋእ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ መራሒ ማሕበረኮም ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ፡ ቀዳም ለይቲ ሽዱሽተ ሰንበት ለይቲ ድማ ሓደ፡ ብድምር 7 ኢትዮጵያውያን ከምዝተቐትሉ ተዛሪቡ።

ኣመሓዳሪ በለደሃዎ ኣብዲራሺድ ኣብዲ፡ እቲ ቅትለት ለይቲ ሰዓት 9 ከምዝተፈጸመ ክፍለጥ ዝኸኣለ፡ ጕጅለ ጸጥታ እቲ ከባቢ ድምጺ ተዅሲ ምስ ሰምዑን 7 ሰባት ሞይቶም ምስረኸቡን ምዃኑ ኣረዲኡ። ኵሎም ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ከኣ ንስራሕ ዝመጽኡ ስደተኛታት ከምዝዀኑ ጠቒሱ።

"ካብቶም ዝተቐትሉ እቶም ክልተ ህጻናት እዮም። ኣደኣን ኣቦኣን ተቐቲሎም በይና ዝተረፈት ህጻን እውን ኣላ" ይብል እቲ መራሒ ማሕበረኮም።

ቤተሰብ ግዳያት ዛጊት መርድእ ከምዘይተነገሮምን ክሳብ ሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ ስርዓተ ቀብሮም ከምዘይተፈጸመን ወሲኹ ሓቢሩ።

“እቶም ዝተቐትሉ ግዳያት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብግቡእ ክቕበሩ ኢና ንደሊ። መንግስቲ ነዚ ክገብር ይኽእል እዩ። ነቶም ዝተቐትሉ እውን ፍትሒ ንደሊ ኢና" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዝሰርሕን ስሙ ክግለጽ ዘይደለየን ሓኪም ንቢቢሲ ሶማልኛ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሬሳ ናይቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሽዱሽተ ኢትዮጵያውያን ናብቲ ሆስፒታል ከምዝመጽአ ኣረጋጊጹ። ካልኦት ማህረምቲ ዘጋጠሞም ሽዱሽተ ሰባት’ውን ናብ ሆስፒታል ከምዝኣተዉ ገሊጹ።

እቶም ዕጡቓት ከባቢ ሰዓት 9 ለይቲ ናብ መንበሪ እቶም ኢትዮጵያውያን ከምዝኸዱ ዘመልከተ እቲ መራሒ ማሕበረሰብ ዛጊት ግን ነቲ መጥቃዕቲ መን ከምዝፈጸሞ ከምዘይፍለጥ ተዛሪቡ።

ኣብኡ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ብሰንኪ ተደጋጋሚ መጥቃዕትን ህሉው ኵነታትን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዘለዉ ብምሕባር ድማ "ንሃድመሉ ቦታ የብልናን፤ ኣብ ከተማ ገለ ሶማላውያን ብዛዕባና እንታይ ከም ዝብሉ ንሰምዕ ኢና። ስለዚ ኣብ ፍርሒ ኢና ዘለና" ኢሉ።

እቶም ዕጡቓት ናብቲ ኢትዮጵያውያን ዝነብሩሉ ገዛ ብለይቲ ብምእታው ነቶም ሽዱሽተ ኢትዮጵያውያንን ሓንቲ ሶማላዊትን ከምዝቐተሉ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ሓቢሮም።

ቅድሚ እዚ ፍጻመ ኣብታ ከተማ ካልእ ጭካነ ዝመልኦ ቅትለት ኢትዮጵያውያን ከምዝተፈጸመ ዘዘኻኸረ እቲ መራሒ ማሕበረሰብ፡ ብሰንኪ’ዚ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝደልዩን መንግስቲ ኮነ ትካላት ረድኤት ክበጽሑሎም ሓቲቱ።

ዛጊድ ብድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መን ከም ዘሎ ኣይተፈልጠን። ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እውን የለን።

ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ ግን፡ "ነቲ ቕትለት ዝፈጸሙ ኣሸበርቲ ኣልሸባብ ምዃኖም መርትዖታት ይሕብሩ። ክሳብ ሕጂ ኣይተታሕዙን። ስለምንታይ ንስደተኛታት ዒላማ ገይሮም ንዝብል ሕቶ፡ እዚ ቅትለት ካብቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ዝፍለ ኣይኰነን” ክብል ነቲ እስላማዊ ጕጅለ ተሓታቲ ገይሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ቅትለት ዜጋታቱ ዛጊድ ዝብሎ ነገር የለን።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናጽነታ ዝኣወጀት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሙ፡ ኣብ መንጐ ሶማልያን ኢትዮጵያን ምስሕሓብ ስለዝተፈጠረ ኣብ ሶማልያ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኵነታት ድሕነቶም ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

ሶማሊላንድ ልኡላዊት ግዝኣተይ እያ እትብል ሶማልያ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝተፈረመ ስምምዕ ብምኹናን ክስረዝ ካብ ምሕታታ ብተወሳኺ፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ኢጋድ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ወሲዳቶ ኣላ።

እዚ ኵነታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወጥሪ ዝፈጠረ ኰይኑ ስግኣት ወተሃደራዊ ግጭት እውን ኣሕዲሩ ይርከብ።