ንከተማ ሰቨሮዶነስክ ንምቍጽጻር ዝግበር ኲናት ዕጫ ምብራቕ ዩክረይን ዝውስን ክኸውን እዩ - ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ንከተማ ሰቨሮዶነስክ ንምሓዝ ዝግበር ዘሎ ከቢድ ኲናት ውጽኢት ኲናት ምብራቓዊ ዩክረይን ዝውስን ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።
እቲ መራሒ ኣብቲ ኢንዱስትርያዊ ዞባ ኣብ መንጎ ሓይልታቱን ብልፍንቲ ዝተሰለፉ ሰራዊት ሩስያን ተነጸልቲ ጉጅለታትን ከቢድ ኲናት ይካየድ ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ “ብብዙሕ ሸነኻት ዕጫ ዶንባስ ኣብኡ ይውሰን ኣሎ” ክብል ዝተዛረበ።
ዘለንስኪ ሰራዊቱ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ሩስያ ከቢድ ክሳራታት የውርዱ ከምዘለዉ ይገልጽ።
ሓደ ዩክሬናዊ በዓል መዚ እቲ ዞባ ግና ሓይልታቶም ናብ ጫፍ እታ ከተማ ተደፊኦም ከምዘለዉ ተዛሪቡ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ሉሃንስክ ሰርሂ ሃይዳይ፡ ሩስያ ብኸቢድ ብረትን ነፈርትን ነቲ ከባቢ ብምድብዳባ ፍሉይ ሓይሊታቶም ምንስሓቦም ገሊጹ።
“ብርግጽ ኣብዚ እዋን ሰራዊትና ንገማግም እታ ከተማ ጥራይ እዮም ተቘጻጺሮም ዘለዉ” ክብል ንመራኸቢ ብዙሃን ዝተዛረበ እቲ ኣመሓዳሪ፡ እቲ ኲናት ቀጺሉ ከምዘሎን ሰራዊት ዩክረይን ንከተማ ሰቨሮዶነስክ ይከላኸሉላ ከምዘለዉን ተዛሪቡ።
“ሩስያውያን ነታ ከተማ ተቘጻጺሮምዋ ክበሃል ይከኣል እዩ” ክብል እውን ወሲኹ።
ኣብታ ከተማን ከባቢኣን ኣስታት 15 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ።
ሩስያ ብረቡዕ፡ ዩክረይን ኣብ ዶንባስ “ብሓይሊ ሰብ፣ ኣጽዋርን መሳርሒታት ኲናትን ከቢድ ክሳራ ይበጽሓ ኣሎ” ክትብል ገሊጻ ነይራ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት ሰራዊት ሩስያ ንርእሰ ከተማ ዩክረይን ዝኾነት ኪቭ ንምሓዝ የካይዶ ካብ ዝነበረ ኲናት ምንስሓቡ ስዒቡ ኣንፈት እቲ ኲናት ናብ ምብራቓዊ ዩክረይን ዘይሩ እዩ።
ድሕሪ እቲ ካብ 2014 ክሳብ 2015 ዝተኻየደ ኲናት ሰፊሕ ግዝኣት ዶንባስ ኣብ ትሕቲ ብሩስያ ዝድገፉ ተነጸልቲ ሓይልታት እዩ ጸኒሑ።
ብኻልእ ምዕባለ፡ ሳዕቤን እቲ ሩስያ ዝጀመረቶ ወራር ይቕጽል ከምዘሎን ዛጊድ 1.6 ቢልዮን ህዝቢ ከምዝጸለወን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ገሊጹ።
እቲ ኲናት ኣብ ውሕስና ምግቢ፣ ጸዓትን ቁጠባን ከቢድ ሃስያ ከምዘብጸሐን ይቕጽል ከምዘሎን እቲ ዋና ጸሓፊ ተዛሪቡ።
ዳይረክተር ጀነራል ትካል ንግዲ ዓለም ንጎዚ ኦኮንጆ ብተመሳሳሊ መፍትሒ እንድሕር ዘይተገይሩሉ ቅልውላው መግቢ ንዓመታት ክቕጽል ከምዝኽእል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት ተዛሪባ።
ብፍላይ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሕጽረት ስርናይን ዱኽዕን ክጉዳኣ ከምዝኽእላ እታ ዳይረክተር ጀነራል ወሲኻ ገሊጻ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ሚልዮን ቶናት እኽሊ ኣብ መኽዘናትን ወደባትን ዩክረይን እዩ ተኸዚኑ ዘሎ።
ቁጠባ ሩስያ ብሰንኪ ማዕቀባት፣ ምቕናስ ሰደድን ዓበይቲ ትካላት ካብታ ሃገር ምውጸኦምን ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ብ 15% ከምዝቕንስ ሰብ ሞያ ቁጠባ ዝገለጹ ኮይኖም ኣብ ዝቕጽል ዓመት እውን ብተወሳኺ 3% ከምዝወርድ ገሚቶም ኣለዉ።
ሕቡራት ሃገራት እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር 4,253 ሰላማውያን ሰባት ከምዘተቐተሉን 5,141 ከምዝቖሰሉን ክገልጽ እንከሎ ብኽልቲኡ ወገን ኣሻሓት ተዋጋእቲ ከምዝሞቱን 14 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤቶም ከምዝተፈናቐሉን ይገልጽ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
