ሓደጋ ነፋሪት ኢትዮጵያ 2019፡ ሞት እንግሊዛውያን ግዳያት 'ዘይሕጋዊ ቅትለት' ተባሂሉ

Published

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ዝሞቱ ሰለስተ እንግሊዛውያን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተቐተሉ ምዃኖም ተወሲኑ።

ሳም ፔግራም፡ ኦሊቨር ቪክን ጆኣና ቱልን ካብቶም ኣብ 2019 ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ቦይንግ 737 ማክስ ነፋሪት ዝሞቱ 157 ሰባት እዮም።

ጠበቓታት እቶም ስድራቤታት፡ ኣብቶም ዜጋታት እንግሊዝ መርመራ ቅድሚ ምክያዱ፡ ዘይሕጋዊ ቅትለት ዝብል ፍርዲ ክወሃብ ሓቲቶም ነይሮም።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ ብ1 መጋቢት 2011፡ ET302 ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናብ ናይሮቢ ምስ ተበገሰት ድሕሪ ሽዱሽተ ደቓይቕ ብዝነበራ ጉድለት ከም ዝተሓምሸሸት ሰሚዑ።

ኣብ ዘይግቡእ ግዜ ክዋፈር ዝተገብረ ፍላይት ኮንትሮል ሲስተም (MCAS) ንቦይንግ 737-ማክስ 8 መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣዕናዊ ምሕምሻሽ ከም ዝደፍኣ ይንገር።

ነዚ ስዒቡ ኣብረርቲ ነታ ነፋሪት ዳግማይ ንምቁጽጻር ጻዕሪ'ኳ ገይሮም እንተገበሩ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕርሻ መሬት ከም ዝወደቐት ይዝከር።

መርማሪት ሬሳ ፔነሎፕ ስኮፊልድ፡ እቲ ፍጻመ ምስ ምዕባለን ኣሰራርሓን ፍላይት ኮንትሮል ሲስተም ዝተኣሳሰር ተኸታታሊ ፍሽለት ከም ዘጋጠመ ገሊጻ።

እቲ ናይ በረራ ምቁጽጻር ሶፍትዌር፡ ነታ ነፋሪት ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ፍሉይ ኵነታት ብቐሊሉ ክትበርር ንምግባር ዝተዳለወ እዩ። እዚ ድማ እቲ እተን ቅድሚኡ ዝነበራ ዓይነታት 737 ምብራር ዝለመዱ ፓይለታት ዳግመ-ስልጠና ክወስዱ ኣየድልዮምን ማለት እዩ።

እታ መርማሪት ሬሳ፡ ክልተ ሰራሕተኛታት ቦይንግ ብዛዕባ ኣሰራርሓ ድሕነት ወሳኒ ስርዓት፡ ንተቖጻጸርቲን ኦፕሬተራትን 737 ማክስ ኮነ ኢሎም ከም ዘታለሉ ገሊጻ።

'ሓደ ክፋል ነብስኻ ምስኣን' ማለት'ዩ

ወለዲ ፔግራም፡ እቲ ወዲ 25 ዓመት ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝዀነ ውላዶም ሕያዋይ፡ ርህሩህን ተዋዛይን ከም ዝነበረ ገሊጾም።

"ሰብኣዊ መሰላት ይድግፍ ነይሩ፡ ለውጢ ንምምጻእ ድርኺትን ውሽጣዊ ሓይልን ነይርዎ" ይብል ኣቡኡ ማርክ።

ኣቦ ጆኣና ቱል ብወገኑ፡ እታ 36 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓሉ፡ ኣብ ጎስጓስ ዘላቕነት ኣከባቢ ከም እትነጥፍን "ሳሕቲ ዝረአ ውህደት ንእንስሳታትን ሰባትን ርህራሄ" ከም ዝነበራ ሓቢሩ።

ሞት ውላድ፡ "ሓደ ክፋል ነብስኻ ምስኣን" ማለት እዩ ክብል ድማ ውላዱ ምስኣኑ ዘስዓበሉ ጓሂ ገሊጹ።

ኦሊቨር ቪክ ሰብኣዊ ሰራሕተኛ እዩ ነይሩ፤ ኣዲኡ ቸሪል፡ ንኣዋልዱ ውፉይ ኣቦ ምዃኑ ትገልጽ።

ኣብ 25 ዓመት ዕድሚኡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተወ ዓብደልቃድር ቃሲም ዝተባህለ ሶማላዊ ስደተኛ ነበር፡ ብዛዕባ ሓድሽ ስራሕ ኣኼባ ክገብር ናብ ኬንያ እናተጓዕዘ እንከሎ እዩ ብሰንኪ’ቲ ሓደጋ ሞይቱ።

ብዛዕባ ሞቱ ዝዀነ መርመራ ኣይተገብረን፤ እንተኾነ በዓልቲ ቤቱ ቃማር ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ ናይ ቪድዮ መግለጺ፡ ከመይ "ግሩም በዓል ቤትን ኣቦን" ከም ዝነበረ ገሊጻ።

ሕሳስ ልደ ውላዱ፡ ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ እዋን ዕሸል ስለዝነበረ፡ ንኣቡኡ ከም ዘይዝክሮ’ውን ሓቢራ።

ቅድሚ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ካልእ ቦይንግ 737 ማክስ ኣብ ወሰን ኢንዶነዥያ ናብ ባሕሪ ብምውዳቓ 189 ሰባት ሞይቶም እዮም።

ማክስ 737 ድሕሪ እቲ ክልተ ሓደጋታት ን20 ኣዋርሕ ተኣጊዳ ከም ዝጸንሐት ይፍለጥ።

እቲ ኩባንያ ኣብታ ነፋሪት ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ብዝምልከት ሓላፍነት ከም ዝወሰደ እኳ እንተኣመነ፡ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ብዝገበሮ ስምምዕ ግን 2.5 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕትን ካሕሳን ብምኽፋል ካብ ክሲ ነጻ ኰይኑ’ዩ።